2016-03-17 16:57:00

ብፁዕ ኣቡነ ኡርባቸክስክይ፥ ንግድ ዕጸ ፋርስ ናይ ገበን ጉጅለታት የበራትዕ


ኣብ ቪየና ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታ ዓለም ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ቋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ያኑስይዝ ኡርባቸክስክይ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ብዛዕባ ንግድ ዕጸ ፋርስ ዝከታተልን እዚ ንግድ’ዚ ካብ ዓለም ንምውጋድ ዝዓዪ ድርገት ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ብምስታፍ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ እቲ ብዝተፈላለየ መገድታት እዚዩ ዝተቐራረበን ዝተኣሳሰረን ዓለም ንናይ ምዝውዋርን ንግድን ዕጸ ፋርስ ምስፋሕ ዕድል ምፍጣሩ ኣዚዩ የሕዝን። ምቅርራብ ንባህልታትን ሕዝብታትን ሃይማኖታ ንምርኻብን ምሕዝነት ህዝብታትን ሃገራትን ንምስፋሕ ዝድግፉ ልዑላን ክብርታ ዘማእከለ እዩ ክኸውን ዘለዎ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ምስፋሕ ዕጸ ፋርስ ንምውጋድ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ልሙዕ መሬት ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰረታዊ ድላይ ንምርዋይ ዝድግፍ እምበር ናይ ሞት ባህሊ ዘስፍሕን ናብ ውጥረት ዝድርኽ ናይ ገበን ጉጅለታት ንዘተባብዕ ንናይ ዕጸ ፋርስ መልምዒ ክኸውን የብሉን፡ እቲ ልሙዕ መሬት ንዕጸ ፋርስ መልምዒ ክኸውን ዝድርኽ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ድራኼታት ብዕምቆት ምፍላጥ የድሊ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ልሙዕ መሬትን ሓረስቶትን ንናይ ዕጸ ፋርስ ምስፋሕ መጋበሪያ ንኽዀኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ፍርሕን ዓመጽን ኣብ ምትእትታው ይርከብ። ምስፋሕ ዕጸ ፋራስን ካልኦት ምስ እዚ ተተሓሒዞም ዝኸዱ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ሰባትን ዘይሕጋዊ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ዘንቀሳቕሱን ዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታን ሓይልታት ኣሸበርንትን ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት ብኩለ መዳይ ናይ ሕዝብታት ሰላማዊ ርክብ ንሓደጋ ብምቅላዕ ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ሰባትን ሕድ ሕዳዊ ምጥርጣር የተኣታትዉ ኣለዉ፡ እዞም ጉጅለታት እዚኣቶም ናይ ሕዝብታን ሃገራትን ማሕበረ ሰብኣውን ሕድ ሕዳውን ርክባትን ዝሃስዩን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ሰብኣውን ልምዓት ኣብ ሃገራትን ዓለምን ንኸይጭበጥ ዝድርኹ እያቶም ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጸ።

ምህርቲ ዕጸ ፋርስ ንምውጋድን ንምጥፋእን ኣብቲ ዝምረተሉ ከባቢ ብቐጥታ ዝተኣታተው ተቐባልነት ዘለዎ ፍሉይ መደብ ሕርሻን ልምዓትን ብምትእትታውን ነቲ ልሙዕ መሬት ንምሕርቲ ዕጸ ፋርስ ጥቕሚ ክውዕል ዝድርድኽ ምክንያት ቀሪብካ ምፍታሕን፡ እቶም ብዕጸ ፋርስ ዝተጠቕዑ ዜጋታት ካብቲ ዝወደቕሉ ተጠቃምነት ዕጸ ፋርስ ልምድታት ክእለዩ ብዝተፈላለየ መገዲ ምድጋፍን ኣብ ምርግጋጽ ማሕበራውን ሰብኣውያን ጥቕሚ ዕዮታት ክጽመዱ ምንቕቓሕን ሕንጸትን ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒበን ቅድስቲ መንበር ዝተፈላለዩ ኣባይቲ ሕክምናታትን ቤት ሕንጸት ክንክን ጥዕናን ብጠቕላላ ብልዕሊ 12 ሺሕ ብዝግመቱ ተቛማታ ኣቢላ ንተጠቐምቲ ዕጸ ፋርስን ናይዚ ጸረ ሰብኣዊ ዕጸዋት ጽግዕተይናታት ንዝዀኑ ቀረባ ኰይና ደገፍን ስነ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን ማሕበራውን ድጋፍ ብምቕራብ ሞያውን ብካልእ ዓይነት ትምህርቲ እውን እናሰልጠነት ሰላማዊ ማሕብራዊ ናብራ ክምርሑ ትድግፍ ከምዝበሉ ሓቢረን፥ መንግስታት ነተን ካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውያንን ዘይመንግስታውያን ናይ ሰብኣዊ ሕንጸት ሓልዮ ተቛማት ብምድጋፍን ናይ ዕጸ ፋርስ ፖለቲካን መደብ ሕንጸትን ብምንቕቓሕ ዜጋታት ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምርግጋጽ ክተግሁ ንኽድግፉ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ምጥቃምን ንግድን ምንቅስቓስን ዕጸ ፋርስ ምኽንያት ህብረኣዊ መፍትሒ ዝሓትት ህብረኣዊ ጸገም እዩ ቢሎም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘተቓለሉ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.