2016-03-17 18:33:00

ሃገራት ንስደተኛታትን ተፈናቀልትን መዓጹኤን እንተዝኸፍታ ክንደይ ምጠዓመ!


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ 16 መጋቢት አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንዝተረኽቡ አርብዓ ሺሕ ዝኾኑ ምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም። አብዚ ትማሊ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ዝተፈላለያ ሀገራት ዓለም ብፍላይ ካብ  ሀገራት  ማእከላይ ምብራቅን አፍሪቃን  ንምዕራባዊ ዓለም ዝውሕዙ ዘለዉ ብሚልዮን ዝቁጸሩ ስደተኛታት ትኩረት ሂቦም ማዕጾኤን ንስደተኛታት   ዝከፍታ  ሀገራት  አመስጊኖም አብዚ ጽንኩር ግዜ”ዚ  እግዚአብሔር ህያው ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

ብቱርኪን ግሪኽ ብመቀዶንያ ንሰሜናዊ ሀገራት ኤውሮጳ ክስደዱ ዝሀቀኑ በሽሐት ዝቁጸሩ ስደተኛታት አብቲ ቱርክን መቀዶንያን ዘዳውብ ቦታ  ተዓጊቶም  ከም ዘለዉን ኩነታቶም  ሕማቅ ከም ዝኾነን ክፍለጥ እንከሎ ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጉዳይ ስደተኛታት ይዛተዩ ከም ዘለዉ ተነጊሩ። ጠንቂ ናይዚ ድሕሪ ካልአይ ውግእ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ካብ ሀገራት ኤስያን አፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ንምዕራባዊ ዓለም  ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ግህሰት ሰብአዊ ክብሪ  ድኽነት ውግእን  ከም ዝኾነ ይምልከት።

ርእሰ ሊቃነ ፓጳሳት ፍራንቸስኮስ በሽሐት ዝቁጸሩ ስደተኛታት አብ መንገዲ ሕይወቶም ከም ዝስእኑን እቶም ዝተረፉ ከም ዝሳቀዩን  ክሳዕ ተስፋ ምቁራጽ ከም ዝበጽሑን  ጠቂሶም ገሊኦም እግዚአብሔር  አበይ አሎ  ኢሎም ከም ዝሐቱን  አመልኪቶም እግዚአብሔር ወትሩ ህያው ከም ዝኾነ ብግዜ ሽግርን ጸበባን  ዝሕተት ሕቶ ከም ዝኾነ አተሐሳሲቦም። ኩሉ ዝስአነ ዝጸበቦ ሰብ እግዚአብሔር ረሲዑኒ ኢሉክሐስብ ከም ዝኽእል ኮይኑ ግን ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር ወትሩ ምስና ከም ዘሎ ምስና ከም ዝጓዓዝ መሐሪ ከም ዝኾነ  ምግንዛብ ከም ዘድሊ አገንዚቦም።

ኩሉ ሰብ ብፍላይ ህዝበ ክርስትያን ንአብ ሽግር ዝወደቀ ህዝቢ ንዝተጸገመ አላዪ አልቦ ዝተረፈ አብ ስደት ምስ ዝርከብ ህዝቢ ከተሐባበር ሞራላውን ንዋታውን ሐገዝ ከበርክት ትሑዝ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ልቢ ሰብ ዕጹው  ክኸውን ከም ዘይግባእ  ሰብአዊ ርሕራሔ ክህሉ ከም ዝግባእ  ጠቂሶም ክአ ክፉት ልቢ ማዕጾ  ይኸፍት ከማኻ ወዲ ሰብ አብ ጸበባ አብ ሽግር  ወዲቁ እናረአኻ  ከም ዘይርአኻ  እናሰማዕካ ከም ዘይሰማዕካ  ምኳን  ሰብአዊን  ክርስትያናዊ  ተግባርን  ከም ዘይኮነ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አጽኒዖም አተሐሳሲቦም። ብዙሐት ሀገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ንስደተኛታት ተቀቢሎም ዑቅባ ክህቡ ከተአናግዱ ከም ዝርአዩ  አመልኪቶም  ንመራሕተን ወዲሶም  አመስጊኖም። ኩነታት ስድተኛታት ጠቂሶም ክአ ብዓቢኡ እግዚአብሔር ህያው ከም ዝኾነ አመልኪቶምንነቢዪ ኤርምያስ  ጠቂሶም ምድረ ተስፋን ሐዲሽ ተስፋን ከም ዘሎ  ድሕሪ ብርቱዕ ጻዕርን ድኻምን ስቃይን  ትንሳኤ  ከም ዘሎ  አተሐሳሲቦም ።  ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተኸታተለ  ህዝበ ክርስትያን ሐዋርያዊ  ቡራኬ  ሂቦምን  ሰናይ መዓልቲ ተመንዮምን  ተፋንዮምዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ  አብ እስጳኛ ንሰበካ Mondoñedo-Ferrol ጳጳስ ከም ዝሰየሙን  እቶም ሐዲሽ ጳጳስ  ብጹዕ  አቡነ Ángel De Las Heras Berzal, ሐለቃ ማሕበር ክላረትያን  ከም ዝኾኑ  ብቫቲካን ዝተዋህበ መግለጺ   ሐበሬ ሂቡ ። ከምኡ ክአ አብ ብራዚል ንሰበካ São Paulo   አብ ሰበኻ  ሐጋዚ  ጳጳስ ከም ዝሰየሙን  ሐዲሽ ሐጋዚ ጳጳስ  አባል  ሰበካ São João da Boa Vista  ጥቀ ክቡር ካህን አባ Luiz Carlos Dias ከም ዝኾኑ  እቲ መግለጺ  አመልኪቱ ።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ድሕሪ ሚስጢረ ንስሐ ሐይሉን ዝተሐደሰ  ህይወት  እምነትን  ንጐናጸፍ  ብማለት  ብትዊተር@Pontifex  ዘርጊሖም።








All the contents on this site are copyrighted ©.