2016-03-15 16:29:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መምሃራን ሰራሕ ሰብኣውነትን ሓነጽቲ ሰላምን ርክብን


ናይ 2016 ዓ.ም. ናይ ዓለም ሓቆፍ ሽልማት ብሉጽ መምህር ነተን ኣብ ናይ ፍልስጥኤማውያን መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝዓበያ ፍልስጥኤማዊት መምህር ሓናን አል ህሩብ ከምእተውሃበ እንክሕበር፥ እቲ ኣብ ዓለም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝወሃብ ትምህርትን ኣባይቲ ትምህርቲ ጉዳይን ናይ ሕጻናት ትምህርቲ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኩነታቱን ዝዕዘብ ኣብ ዓለም ትምህርቲ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ዘተባዕ ዘይመንግስታዊ ቫርከይ እተሰምየ ማሕበር ከምቲ በቢ ዓመቱ ዘካይዶ መደብ መሰረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ኤሚራት ዓረብ ከተም ዱባይ ናብ ዘካየዶ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስነ ሕንጸት ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ፥ እቲ ኣብ ዓለም ዝወሃብ መደብ ትምህርቲ ዝመዝንን ሸቶታቱ ዘጽንዕ ዘይ መንግስታዊ ማሕበር ነቲ ናይ 2016 ዓ.ም. ብሉጽ መምህር ስልማት ነተን ፍልስጥኤማዊት መምህር ሃናን ኣል ህሩብ ብቕዕቲ እንክብል ከምዝሓረየን የመልክታ።

መምህር ሰራሕ ሰብኣውነትን ሓናጺ ሰላምን ርክብን

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ኣብ ዱባይ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ መምሃራን ሰራሕቲ ሰብኣውነትን ሓነጽቲ ሰላምን ርክብን እንክብሉ ገሊጾም ማሕበር ቫርከይ ኣብ ዓለም ተቐባልነት ዘለዎ ኣድማዒ ሕብረተሰብ ንምቛም ኣሚቱን መምሃራን ዘበራትዕን እዚ ዕማማ’ዚ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ብዛዕባ ሕንጸት ዝግደሱ ማሕበራት ንኣብነት ምስቲ ኣብ ኣርጀንቲና ዝተመስረተ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ቅዱስ ኣቦና ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከልዉ ዘቖምዎ ኣብ ዓለም ምውህሃድን ሰላምን ንምርግጋጽ ርክብን ዘተን ካብ ኣባይቲ ትምህርቲ ክጅመር ዝብል ሓሳብ ዘነቓቕሕ መርበባዊ ርክብ ተመሃሮ ዘካይዶ ምትሕብባር ጠቒሶም፡ መምሃራን ኣብ ሕይወት ሰብ ዘንብርዎ ማሕታን ዘለዎም ጽልዋን ዓቢይ እዩ ስለዚህ እቲ ዘለዎም ሓላፍነት ዓቢይ ግምት ክወሃቦን ኣተሓሳሲቦም መምሃራን ኣብ ሕብረተሰብ ግቡእ ደረጃ ክወሃቦም ግድን እዩ ከምዝበሉ ፒሮ ገሊጸን።

ሕጻናት ብምዝንጋዕ እናሓነጽካ ዕብየቶም ምምራሕ

እቲ ናይ 2016 ዓ.ም. ናይ ብሉጽ መምህር ስልማት ነተን ኣብ ናይ ፍልስጥኤማውያን መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝዓበያ ፍልስጥኤማዊት መምህር ሃንና ኣል ህሩብ ዝተሃበ ምዃኑ ዝዘከሩ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እቲ መምህር ኣል ህሩብ ብምዝንጋዕ ሕጻናት ነቲ ዝነብርዎ ጽንኩር ኩነት ሰገር ድጋፍ ብምቕራብ ሓነጽቲ ሰላም ክዀኑ ዝብል ሜላ ዝመሃዛን፡ እዚ ንሰን ዘቖሞኦ ሜላ ሕንጸት ብሓቂ  ናይ ሕጻን ምዝንጋዕን ናብ ሕንጸት ዘተኰረን ሕጻን ሕጻን ኰይኑ ክዓብይ ናይ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ክኽበር ዘነቓቕሕን እዩ፡ ኣብ ብሓባር ምዝንጋዕ ማሕበራውነትን ናይ ምንባር ሓጐስን ይቕሰም ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣተሓሒዘን፥

ዘይተሓንጸን ዘይምቕሉልን ሕዝቢ ናይ ውግእን ዓመጽን ናይ ካልኦት ዝተፈላለዩ ጸገማት ምኽንያት እዩ ዝኸውን፡ እናንቆልቆለ ዝኸይድ ሕዝቢ ይኸውን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንከጠቓልሉ፥ መንእሰይ ወለዶ መምሃራን ዘለዎም ዓቢይ ሓላፍነት ከስተውዕሉን ብፍላይ ድማ መግስታት ዕብየት ሓላፍነት መምሃራን ክግንዘቡን ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምስ ዛዘሙ ናይ ሰላም ትእምርቲ ኦም ከምእተተኽለ ኢዛበላ ፒሮ ገሊጸ።








All the contents on this site are copyrighted ©.