2016-03-12 16:20:00

ናይ ዓቢይ ጾም መልእኽቲ ናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን


ናይ ከባቢ ምስራቕ ዓለም ማሕበረ ክርስቲያን ዝዓበየሉ ባህሊ ብርግጽ ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተሰዲዱ ዝነብሩሉ ምዕራባዊ ከባቢ ዓለም ዝተፈልየ እዩ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ምዕራብ ዓለም ተወሃሂዶም ንምንባር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘጋጥሞም ኩነት የረጋግጾ። ነዚ ፍልልይ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ማሕበረ ክርስቲያን ምስራቕ ዓለም ብብቕዓት ኣብ ዝርከብዎ ባህልን ሕዝብን ቋንቋን ምዕራብ ዓለም ብግቡእ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ዝኽእሎም ባህሎም ምዕቃብ ምዃኑ ተኣሚኖም ገዛእ ርእሶም ኣላልዮምን ምስ ናይ ዘእንግዶም ሃገር ባህሊ ክላለዩ ሓደራ ዝብል ሓሳብ ዘጠቓለለ ብምኽንያት ምጅማር ዓቢይ ጾም ናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ማር ኢግናዚዩስ ቀዳማዊ አፍረም ዳግማዊ ዓዋዲ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ኤውሮጳ መዕቆቢ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ዝፍጠር ኣድልዎ

ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኢግናዚዩስ ቀዳማዊ አፍረም ዳግማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዓዋዲ መልእኽቲ፥ እቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዝርከቡለን ሃገራት ዘጋጥሞም ጽልአ ዓሌን መስረት ዝገበረ ዝረአይ ዕጹውነትን ሽሕጣንን ነቲ ኣብ ዓለም ዝኽሰት ጸኣት ስደተይናታት ዝወሃብ ዘሎ መልሲ ምዕራባውያን ሃገራት ተንቲኖም ገለ ገለ ስደተይናታት ነተን ዘእንገድኦም ሃገራት ፈጠርቲ ሓደጋን ጸገምን ኰይኖምን ኣብተን ዝተአንገዱለን ሃገራት ንናይ ምስፋሕ ጽልአ ዓሌትን ስደተይናታት ምኽንያት ኰይኖም ኣለዉ። እዚኣቶም ግና ነቶም ኰሎም ስደተይናታት ዝውክሉ መመዘኒ ስደተይናን ተመዛበልትን ኣይኰኑን፡ ገለ ገለ ኣአንገድቲ ሃገራት ናይ ሓለዋ ጸጥታዊ መስርሕ ብምስዓብ ኣብ ልዕሊ እተን ስደተይናታት ዝነቕሉለን ሃገራት ጸቕጢ ክገብራ ይረአያ ኣለዋ። እዚ ግና ነቲ ስደትን ምዝብልናን ዝፈጥሮ ሽግር መፍትሒ ኣይኰነን፡ ነቶም ስደተይናታት ምእንጋድ እዩ ዘድሊ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ፡

ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝርአይ ኣድልዎ ክዅነን

ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኢግናዚዩስ ቀዳማይ ኣፍረም ዳግማዊ ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቆቢ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝረአይ ኣድልዎን ዓመጽን ኰኒኖም ሃይማኖታውን ዓሌታውን ፍልልያት ዘሀብትም ህብረኣውነት ደኣ እምበር መሰረት ዓመጽን ኣድልዎን ኣይዅን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፡፡    








All the contents on this site are copyrighted ©.