2016-03-07 16:10:00

ዘናዝዙ ካህናት መጋበሪ ምሕረት እግዚኣብሔር እምበር ናይ’ዚ ጸጋ ድሕነት ዕንቅፍቲ ክኾኑ የልብሎምን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብቲ ብናይ ሮማ ሓዋርያነት ኑዛዜ ዝተሰናደወ ዓውደ መጽናዕቲ ምስጢረ ንስሓ ክሳተፉ ዝቀነዩ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ዘናዝዙ ካህናት መጋበሪ ምሕረት እግዚኣብሔር እምበር ናይ’ዚ ጸጋ ድሕነት ዕንቅፍቲ ክኾኑ የልብሎምን!’’ እንክብሉ፣ መለኮታዊ ምሕረት እግዚኣብሔር ንዘለዓለማዊ ድሕነት ነፍሲወከፍና እንተደኣ ሓቲትና ብነጻ ዝዕደል ምዃኑ ገሊጾም።

ከም ብሓቁ እንክንምልከቶ ተኽእሎ ምሕረት ንኩሉ ክፉት እዩ  እኳ ደኣ ጋህ ዝበለ እዩ፣ እቲ ንኩሉ ዘፍቅርን ንኩሎም ደቁ ምናዳከኣ ነቶም ብዙሕ ዝተጋገዩን ዝረሓቁን ደቁ ዝጽበን ልቢ እግዚኣብሔር ኣቦ ከም ሓንቲ ካብ ኩለን ዝዓበየት ማዕጾ ምሕረት ጋህ ዝበለ እዩ። ምሕረት እግዚኣብሔር ኣቦ ንነፍሲወከፍ ሰብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክረኽቦ ይኽእል ሓንትስ ገርሀይና ሕልና ኮይና ርሕውቲ ትኹን፣ እዚ ከኣ ንልቢ ዝልውጥ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ወይ እውን ሓንቲ መሓሪት ሓውቲ ወይ መሓሪ ሓው ብዛዕባ ኣብ ተመኵሮ ሕይወቶም ዘጋጠሞም ቊስሊ ሓጢኣትን ዝተቀበልዎ ሕድገት ሓጢኣትን ምሕረት ኣቦን ብምዕላል ሕልናና ንምሕረት ኣምላኽ ክኽፈት ይከኣል፣ ኮይኑ ግን እቲ ርግጸኛ መንገዲ መለኮታዊ ምሕረት ካብ ተኽእሎ ናብ ኩነት ካብ ተስፋ ናብ ርግጽነት ዘሰጋግር እቲ ‘ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክምሕር ስልጣን ዘለዎ’ (ሉቃ 5,24) ኢየሱስ እዩ፣ ነዚ ስልጣን እዚ ከኣ ድሕሪ ትንሳኤኡ ‘ሰላም ንኣካትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ፡ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡’ (ዮሓ 20,21-23) ንቤተክርስትያን ኣረኪብዋ። ምስጢረ ንስሓኸስ ምሕረት እግዚኣብሔር እተስተማቅረሉን ምስ እግዚኣብሔር ናይ ምርኻብካ ሓጐስ እትበዕለሉን ፍሉይን ክቡርን ቦታ እዩ፣

ብዙሕ ግዜ ነዚ ጉዳይዚ ብቀሊሉ ንርስዖ፣ ንኸይድ ይቅረበለልና ንብል ምሕረት እግዚኣብሔር ምስ ረኸብና ናይ ሓጐስ በዓል ምግባር ንርስዖ፣ ከምቲ ምሳሌ ጥፉእ ወዲ ናብ ቤት ኣቦ ምስ ተመልሰ በዓልን ሓጐስን ዝኾነ ምሕረት ምስ ተቀበልና ምስ ሰማያዊ ኣቦና ክንሕጐስን በዓል ክንገብርን ኣሎና፣’ ምስጢር ምሕረት ኣምላኽን እንቅበሎ ጸጋን ምስ ገለጹ ናብቶም ናይዚ ምስጢር እዚ መፍትሕ ተቀቢሎም ክኣስሩን ክፈትሑን ስልጣን ዝተቀበሉ ካህናት ምልስ ቢሎም ከዝ ነዚ ዝስዕብ ቃል ሃቡ፣

‘ነሕዋትናን ኣሓትናን ክንቅበል ኣብ መንበረ ኑዛዜ እንክንቅመጥ ቅድሚ ዝኣገረ ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር መጋበሪ ምዃና ክንዝክር እሞ ነዚ ምሕረትዚ መተሓላለፍቲ እምበር ዓንቀጽቲ ኰና ከይንርከብ ምጥንቃ የድሊ፣ እቲ ዘናዝዝ ባዕሉ ሓጢኣተኛ ከምዃኑ ወትሩ ምሕረት ኣምላኽ ንኣኡ እውን ከምዘድልዩ ብምዝካር ከምቲ ዝተማሕሮ ነዚ ምሕረት ኣምላኽ ንካልኦት ክህብ ዝተሓርየ ብምዃኑ ከምቲ ዝተቀበሎ ንሱውን ይሃብ። ነፍሲወከፍ ውሉድ ንስሓ ናብ ካህን ተናዚዙ ፍትሓት ምስ ረኸበ ብዓይኒ እምነት ኩሉ ሓጢኣቱ ከምዝተደምሰሰ ርግጽነት ይረክብ፣ እግዚኣብሔር ከኣሊ ኩሉ ስለዝኾነ ንሓጢኣቱ ከምዝደምሰሶ ርጉጽ ይኸውን፣ ንኣይ ኣዚዩ ደስ ዝብለኒ ሓንሳብ ምስ መሓረኒ እግዚኣብሔር ንሓጢኣተይ ዝርስዖ ምዃኑ እዩ።  ነፍሲወከፍ ፍትሓት ናይ ልቢ ኢዮቤል ኮይኑ ነቲ ምእመን ጥራይ ዘይኮነ ንቤተክርስትያን እውን ዘሐጒስ እዩ ልዕሊ ኩሉ ግን ንእዚኣብሔር የሐጕስ፣ ብድሕሪዚ እቲ ውሉድ ንስሓ ነቲ ዝነበሮ ናይ ሓጢኣት ክብደትን ተጽዕኖን ኣናጊፉ ነቲ ሓራ ዘውጽኦ ተግባር እግዚኣብሔር ብምስትምቃርን ብምምስጋንን ነቲ ዝገበሮ በደል ክኽሕስን ነሕዋቱ ብሕያዋይ ልቢ ክረኽቦምን ክሕግዞምን ይብገስ፣ ኣብዚ ግዜና ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብዚ ብነኣይ ይጥዓመኒ ተዓብሊሉ ዘሎ ግዜና ግን ናብ ኑዛዜ ዝኸይድ ምእመን ምርኣይን ክናዘዙ ንዝመጹ ምቅባልን ዓቢ ጸጋ እዩ፣ ሓደራ ክብሎ ዝደሊ ናይዚ ጸጋዝን ናይ ዓባግዕን ሓለውትን ጓሶትን እምበር ዋናታትን ጐይቶትን ከምዘይኮና ንዝክር’ ብማለት ምስ ኣተምሃሩ ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ሕቶ ባዕሎም ይቅርቡ እሞ ከምዚ ክብሉ ይምልሱ፣

`ከም መናዘዚ ካህን ጸገም እንተጓኒፉኒ ፍትሓት ክህብ እንተዘይክኢለ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፣ ቅድሚ ኩሉ መንገዲ እንተሎ ሃሰስ ምባል መብዛሕትኡ ጊዜ ተገዲስካ እንተደለኻ ይርከብ እዩ፣ ብካልኣይ ደረጃ ኣብ ቃላት ጥራይ ከይተሓጸርካ ኩነታቶም ምርኣይ፣ ሓንሳብ ሓንሳብ ገሊኦም ክዛረቡ ኣይእክእሉን ግን ጣዕሳኦምን ስቃዮምን ኣብ ኩነታቶም ክትዕዘቦ ትኽእል፣ ብሳልሳይ ደረጃ ፍትሓት ክትህብ እንተዘይክኢልካ ከም ኣቦ ተዛረብ፣ ንኣብነት `በዝን በዝን ፍትሓት ክህበካ ኣይክእልን ኮይኑ ግን ከረጋግጸልካ ዝደሊ እግዚኣብሔር የፍቅረካ ይጽበየካ እውን ኣሎ፣ ሓቢርና ንጸሊ ምናዳ ወላዲተ ኣምላክ ማርያም ክትሕልወካ ንለምና፣ ቀልጢፍካ ተመለስ ከምቲ እግዚኣብሔር ዝጽበየካ ኣነውን እጽበየካ ኣሎኹ ቢልካ ቡራኬ ትህቦ፣ ብኸምዚ ካብ ቆይቊን ዘየድሊ ዘረባን ዝደሓነ ሰብ ካብ መንበረ ኑዛዜ እንክምለስ ብልቡ ‘ኣቦ ረኺበ ኣይገረፈንን’ ክብል እዩ። እስኪ ክሓተኩም ‘ኣነ ናብዚ ካህንዚ ክናዘዝ ኢለ ፈጺመ ኣይከይድን ከመይ ሓደ ግዜ ከይደ ተቋዪኲኒ’ ዝብሉ ክንደይ ግዜ ሰሚዕኩም ትኾኑ፣ ሓደራኸስ ወላውን ፍትሓት ክትህቡ እንተዘይከኣልኩም ፍቅሪ ኣቦ ክተርእዩ ቡራኬ ክትህቡ እላበወኩም፣ ንክምለስ ዓድምዎ ምስኡ ሓቢርኩም ጸልዩ፣’ እንክብሉ ዘናዝዝ ካህን ባህርይ ኣቦነት ክለብስ ሓድራ ብማለት ተማሕጺኖም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.