2016-03-05 16:49:00

ናይ ስዊዘርላንድ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ዘካይዱ ንዘለዉ ናይ ስዊዘርላንድ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ክቡር መጋቤ ጐትፍራይድ ሎኸር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም እውን ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጐስቲኖ ቫሊኒን ኣብ ፓናማ ናይ ኤሎ ስዩመ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንድረስ ካራስኮሳን ከምኡ እውን ድሕሪ ቀትሪ ዕለት 4 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ኩባ ናይ ሰበኻ ቅዱስ ክርስቶባል ደ ላ ሃባና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲና ኻይመ ሉካስ ኦርተጋይ ኣላሚኖን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.