2016-03-05 16:45:00

ሳልሳይ ስብከት ዓቢይ ጾም


ኣባ ካንታላመሳ፥ ክርስቶስ ብምሉእ ሓይሉ ዘበስር ክርስቶ ዘፍቅር ጥራሕ እዩ

“ብዘይ ናብ ማለት ካብ ገዛእ ርእስኻ ብዘይምውጻው ተልእኾ ምንባር ኣይከኣልን። እቲ እንወጻሉ ቀዳማይ ማዕጾ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዘይኰነስ እንታይ ድኣ እቲ ማዕጾ ናትናን ኣንነትናን እዩ” ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ሮማዊት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ምሕደራ ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ዘሳትፍ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ እመ መድሃኔ ዓለም ቤተ ጸሎት ኣብ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ስብከት ዓቢይ ጾም ከምዘስመርሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

በቲ እንመሓላልፎን እንብሎን እነካፍሎን ምሱጣት እንድኣ ዘይኰንና ኣሙን ተራኽቦ ክህልወና ዘይከኣል እዩ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ደረት ኣልቦ ፍቅሪ እንተድኣ ዘስምዓናን ዘይብልናን ኰይኑ እቲ እነመሓላልፎ መልእኽቲ ዘይእምንን እቲ እንብሎ ዘይተኣማምን እዩ ዝኸውን ዝበሉ ኣባ ካንታላሜሳ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕመረት ዕላማ ግደ መንፈስ ቅዱስ ኣዩ።

እቲ መልእኽቲ መንፈስ ቅዱስ እዩ

ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሃን ሊቅ ማርሻል መሉሃን፥ መጋበርያ ንገዛእ ርእሱ መልእኽቲ እዩ ዝበልዎ ቃል ኣባ ካንታላሜሳ ጠቒሶም እዚ ድማ ፍልማዊን ባህርያውን ናይ መራኸቢ መጋበርያነት እስትንፋስ እዩ። እስትንፋስ እቲ ቃልን ሓሳብን ኣምርን ኰይኑ ካብ ኣፍካ ዝወጽእ ክኸውን እንከሎ። ብዓይኒ ኣስፍሆተ ወንጌል ክረአይ እንከሎ ድማ እቲ ምርኻብ ተራ ድምጽታት ብባህርያዊ ተለምዶ ምትሕልላፍ ንዝብል ተግባር ሰገር እዩ፡፡ ሰብኣዊ ዜናታት ብህያው ድምጺ ወይ ብራዲዮን ሕትመትን መርበብ ሓበሬታን ብዝኣመሰሉ መጋበርያታት ይመሓላለፉ። እቲ መለኰታዊ ዜና መለኰታዊ ብምዃኑ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ዝመሓላለፍ። እቲ ናይቲ ዝመሓላለፍ መለኰታዊ ዜና ሓቅነቱ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ እቲ ዝመሓላለፍ ቃል ብስራት ግልጽን ንጹርን ኣይምዀነ፡ ናይ እግዚኣብሔ ቃል መንፈስን ሓቅን እዩ። ስለዚህ እተእንግዶን እተመሓላልፎን ብመንፈስ ቅዱስ እዩ።

እተበስር ምስ እተፍቅር ጥራሕ እዩ

ንኽርስቶስ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከተበስሮ ዝከኣል እዩ፡ ካብ ሃይማኖት ንኸተስድዕ ቢልካን ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ሕጋውነት ንኸተልብስ ቢልካን ከተበስር ዝከኣል እዩ፡ ሓደ ልኡካነ ወንጌል ክዝንግዖ ዘይግብኦ ነገር እንተሎ፡ እቲ ናይ ፍቕሪ ወንጌል ስለ ፍቕሪ ዝብሰር ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ስለ ፍቕሪ ዘርኢ ሰብ፡ ከምኡ እውን ብዝለዓለ ደረጃ ምእንቲ ፍቕሪ ንኽርስቶ እዩ፡ እቲ ንኽርስቶስ ዘሎና ፍቕሪ እዩ ክድርኸና ዘለዎ። ኢየሱስ ንጴጥሮስ ንስኻኸ ተፍቅረኒ ዶ ቢሉ እዩ ዝሓቶ፡ ኣባጊዔይ ሓልው ድማ ይብሎ። ንኢየሱስ ምፍቃር የድሊ፡ ምስ ኢየሱስ ፍቕሪ ዝሓዞ ጥራሕ እዩ ብምሉእ ውስጣዊ እምነት ንዓለም ከበስሮ ዝኽእል።

ወትሩ ናብ ምባል (ምውጻእን ክፉት ማዕጾን)

ኣባ ካንታላሜሳ ቅዱስ መጽሓፍን ዝተፈላለዩ ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍና ናይ ዝተፈላዩ መጽናዕታት ሊቃውንቲ ኣምር እናጠቐሱ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፤ እቲ ልዑል ኣተኵሮ ዝገበርሉ ሓሳብ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣርኣያ ኣብራሃም እዩ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ እግዚኣብሔ ንኣብራሃም ካብ ዓድኻ ውጻእ እሞ ኪድ እንክብል ኣብ ዘቕረበሉ ጻውዒት ዝተወከሰ ሓቂ እዩ፡ ብዙሕ እዋን ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ቢልና ንዛረብ፡ ከነስተውዕሎ ዝግብኣና እምበኣርከስ እታ ቀዳመይቲ ማዕጾው ከፊትና እንወጻሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማዕጾ ኣይኰነን እንታይ ድኣ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ኣንነተይ ማዕጾ እዩ፡ ሓደ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምውጻእ ማለት እግዚኣብሔር መታን ማእከል ክኸውን ካብ ኣነነት ማእከላውነት ምውጻእ ቢሎም ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘቓልሕ እዩ። ንእግዚኣብሔር ቦታ ክህብ ኣነ ካብ ገዛእ ርእሰይ ክወጽእ።

ናይ ጸሎት ወሓዚ ማይ

ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል እቲ ክተርፍ ዘይግብኦ ኣዚዩ ኣገዳሲ ድማ ጸሎት እዩ፡ ቀናእ ልኡካነ ወንጌል ምዃኑ ይከኣል። ምስ ኣግዚኣብሔ ብዘይምርኻብ ግና፥ ናብ ውድቀት ዘምርሕ እዩ ዝኸውን፡ ኣገልግሎት ኣዚዩ ምስ ዝሰፍሕን ዝብርትዕን ማዕረ ማዕረ ድማ ጸሎት ኣዚዩ ክብርትዕ ኣለዎ ደኣ እምበር ተልእኾ በርቲዑኒን ሰፊሕ ኰይኑኒ እሞ ጊዜ የብለይን ንጸሎት ምባል ባዶነት ኣዩ ዘስዕብ፡ ቤት ሃል ሃል ክብል ካብቲ ዝቃጸል ዘሎ ቤት ምውጻእ ልሙድ እዩ፡ ጸሎት ድማ ከምኡ፡ መጥፋእቲ ሓዊ ዝተቃጸለ ቤት ከድሕኑ ምስ ዝወጹ ኣብቲ ዝቃጸል ዘሎ ቤት ምስ በጽሑ ኣብታ ናይታ ዝተጋዕዙላ መኪና መጥፍእቲ ሓዊ ዘሎ መዕቆሪ ማይ ማይ ዘይብሉ ምዃኑ ምስ ዝርእዩ እንታይ ይስምዖም። እዚ ድማ ብዘይ ጸሎት ናብ ኣስፍሆተ ወንጌል ክትጐዪ እንታይ ማለት ምዃኑ የገንዝበና እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከዘጠቓለሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.