2016-03-04 16:57:00

ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም)የካቲት 27 2008 ዓ.ም.(3/6/16)


ንባባት፡ 2ቆሮ 5:20-6:2፥ 1ዮሓ 5:11-5፥ ግ.ሓ. 2:38-42 (ኢዮ 2፡12-18)፥ ማቴ 6:1-19  ምስባክ፡ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሐት፥ ወተሓሰዩ ሎቱ በርዓድ፥ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር። “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት አገልግልዎ፥ ብርዓድ ከአ ስገዱሉ፥ እግዚአብሔር ከይኩሪ ንጥበብ አጽኒዕኩም ሓዝዋ” መዝ. 2፡11።

መዝሙር፦ ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብራዕድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን ነመስግኖ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና።

ዘመነ ጾም ናይ ክፍሊ ሓጋይ ካልአይ ዘመን እዩ። እዚ እዋን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ብጽሞን ጸሎትን ዘሕለፎ 40 መዓልታት የዘኻኽረና። ስለዚ ኢና ብጾምን ብጸሎትን ናብ ትንሣኤ ክንሰናዶ ዘሎና። ጾም ታሕሣሥ ናብ ልደት ንምስንዳው ከም ዝኾነ ጾመ 40 ከአ ናብ ብዓለ ትንሣኤ የሰንድወና። አብዚ ን8ተ ሰናብቲ ቤተ ክርስትያን ንጾም ዚኸውን መዛሙር አሰናድያ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ተቕርበልና። እዚ ከአ 1. ዘቅበላ፥ 2. ዘቅድስት፥ 3. ዘምኵራብ፥ 4. ዘመጻጉዕ፥ 5. ዘደብረዘይት፥ 6. ዘገብርኄር፥ 7. ዘኒቆዲሞስ፥ 8. ዘሆሣእና እናበልና ንሰምዮም።

ናይ ሎሚ ሰንበት ዘወረደ ወይ ዘድራር ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። ንአምላኽ ብዓቢ አኽብሮት ክንቀርቦ እሞ ነቲ ንሱ ዝገበረልና ምሕረት አስተማቒርና ክንክእል ንቕረቦ እናበለ አብ አምላኽ ዘቕርብ ሕይወት ክንለብስ የዘኻኽረና። ጾም ንጹም ንብጻይና ከም ነፍስና ነፍቅር እዚ ኸአ ብዝያዳ አብቲ ብመዓልቲ ሰንበት እንገብሮ ተግባር ክንገልጾ የዘኻኽረና። ጾም መለልይኡ ንስሓ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ኮይኑ ብጸሎትን ርእስኻ ብምቕጻዕን ንጸገማት ካልኦት አብ መንፈሳውን ቍጠባውን አብ ምሕጋዝ አበርክቶና ክንዕዝዝ ኢልና እናተጋደልና እነሕልፎ ቅዱስ እዋን እዩ።

አብ ጌዜ ጾም እነዘውትሮም ንባባትና ካብ ብሉይን ሓዲስን እንወስዶም ዓሚቕ ርእድኢትን ምቅርራብን ንብዓለ ትንሣኤ ክንገብር ይሕግዙና። ሓደ ካብቶም ዝንበቡ ሓደ ወይ ክልተ ወሲዱ ዕለት ዕለት ከንብብ ከስተንትን ይኽእል እዚ ኸአ ንግላዊ ምቅርራብናን ብዝያዳ ኸአ ነቲ አብ ሶሙነ ሕማማት ምስ ክርስቶስ ክንከውን ዘዘኻኽር ክሕግዘና ይኽእል።

ጾም አብ እንአትወሉ ዘሎና ካብ ነብይ ኢዮኤል ከም መበገሲ ገርና ወሲድና ክንጅምሮ። ኢዮኤል ነብይ አብ ቅዱሳት መጻሕቲ ብብዝሒ ተዘኪሩ እረኽቦ እዩ። አብ ትሕዝቶ ጽሑፉ እንተ ረአና አብ ይሁዳ አብ ጊዜ ፋርሳውያን (539-331) ዝነበረ እዩ። መብዝሕትኡ ታሪኻዊ ጥቕስታቱ ከም ዝሕብሮ አሲርያ ወይ ባቢሎን ዝብል አይ ንረክብን እዚ ከአ (400-350) ጊዜ እዩ ዘመልክት። ኢዮኤል ከም ናይ “ስርዓተ አምልኾ ነብይ” እዩ ዝፍለጥ እዚ ማለት ከአ ተልእኮኡ አብ ሕይወት ቤተ መቕደስ ብዝርኢ ስለ ዝኾነ።

ኢዮኤል 2 ዘሎ እንተ ረአና ናይ አንበጣ ምምጻእ መዓልቲ እግዚአብሔር ከም ዘመልክት እሞ አምላኽ ንሃገር በቲ እትገብሮ ከም ዝፈረዳ እዚ እዋን ናይ ንስሓ ናይ ምምላስ ጊዜ ከምዝኾነ ይገልጽ። “ብጾም፥ብብኽያትን፥ብቝዝማን” ብምሉእ ልብኹም አባይ ተመለሱ. . . ይብል። አብ ስርዓት አይሁድ አብ ዓመት ሓደ መዓልት ምሉእ ብጾምን ንስሓን የሕልፍዎ፥ እዚ ዕለት “ዮም ኪፑር” “መዓልቲ ሕድገት ኃጢአት” አብ ወርኂ 7 አብ 10 መዓልቲ ዘብዕልዎ እዩ። አብ ሌዋውያን 16፡29፥ 23፡27 ክንርእዮ ንኽእል። ብተወሳኺ አብ ጊዜ ከቢድ ጥፍአት ብዝኾነ ምኽንያት ክወርድ እንከሎ እውን የዘውትርዎ እዮም። ምስጢሩ ኸአ ኃጥእ ህዝቢ ምልክት ንስሓን ብምሉእ አብ ትሕቲ አምላኽ ኮንካ እትልምኖ እዩ።

ኢዮኤል 2፡12-13 ንጹርን ዝጸበቐ ጻውዒት ንስሓ እዩ። እግዚአብሔር ባዕሉ እዩ ተንስሑ እናበለ ዝጽውዕ ዘሎ። “ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምልኡ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደአ ቕደዱ”. . . ስለምንታይ? ምኽንያቱ አምላኽ ንዅራ ደንጓዪ ብምሕረት ከአ ምሉእ ካብ ክቐጽዕ ክርኅርኅን ኪምሕርን እዩ ዚፈቱ እሞ ናብ እግዚአብሔር አምላኽኩም ተመለሱ” ይብል።

ኢዮኤል ነብይ ዕላዊ ጻዊዕት ንንስሓ እዩ ዘቕርብ ዘሎ። ንስሓ አብዚ ብዝሓለፈ ክፉኡ ግብርኻ  ምሕዛንን ዘይኮነስ ጨሪሽካ ናይ ሕይወት ለውጢ ክትገብር ዝጽውዕ እዩ። እቲ ብዝያዳ ዝጽቀጠሉ ዘሎ አብ ውሽጣዊ ለውጢ እምበር አብ ግዳማዊ ምሕላው ወይ ምኽባር አይ ኮነን። “ክዳንኩም ዘይ ኮነንስ ልብኹም ድአ ቕደዱ” ይብል። ንአና እውን ጾም ክንጅምር ከሎና ውሽጣዊ ሕይወትና ክልወጥ አልኦ እምበር ብግዳማውን ግዝያውን ነገር ብእንገብሮ ክኸውን የብሉን። ሓቀኛ ጾም ብውሽጢ ንሕናን አምላኽናን እንፈልጦ ክኸውን እንከሎ እዩ ፍረ ዝህልዎ። ለውጢ ኲኖ ጾም አርብዓ ሓሊፉ ቀጻሊ አገባብ ሕይወትና ክንገብሮ ይግባእ። ብርግጽ ናይ ፍርሒ ጊዜ አይኮነን፥ አምላኽና ፈቃር አምላኽ እዩ። “ንሱ ንዅራ ደንጓዪ፥ ንምሕረት ከአ ምሉእ፥ ካብ ኪቐጽዕ ኪርኅርኅን ኪምሕርን እዩ ዚፈቱ”።

እዚ ብተደጋጋሚ ዳርጋ አብ ኵሉ ብሉይ ኪዳን እንርእዮ እዩ። ንአምላኽ ብዝልዓለ እምነት ክንቀርቦ ንኽእል፥ ግን ንስሓ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ዝሓለፈ በደልካ ምጥዓስን ንዝውሃብ ምሕረት ብዓይኒ ተስፋ ምጥማትን እዩ። እዚ ብዛዕባ አብ ሕይወትና ሓዲስን ምልኡን ለውጢ ምምጻእን፥ ንሕይወትና ብሓዲስ አረአእያ ምርአይ፥ ብሓዲስ መገዲ ንቅድሚት ገጽና ምጉዕዝ እዩ። ብቋንቋ ወንጌል “መታኖያ” ይብሃል እዚ ኸአ አብ ሕይወትና እነረእዮ ፍጹም ለውጢን ሓዲስ ራእዩ ገርና ሕይወትና ምምራሕ እዩ። ጉዕዞ ሕይወትና በቲ አምላኽ ክንከዶ ዝግብኣና ክንጉዓዝ ብፍላይ አብ ዝተፈተናሉ ጊዜ ጸኒዕና ደም እናጠዓመና አምላኽ ዝደልዮ መገዲ ክንሕዝ ይግብአና።

ከመይ እንተ ገበርና ኢና ሕያውነት አምላኽ ብዝያዳ ክንጥቀመሉ እንኽእል? “አብ እምባ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፥ ጾም አውጁ፥ አኸባ ጸውዑ፥ ህዝቢ አክቡ፥ ቅዱስ ጉባኤ ከምዘሎ ንገሩ፥ አረገውቲ፥ ቆልዑ ጡብ ዝጠብዉን አክቡ፥ መርዓዊ ካብ ቤቱ ይውጻእ መርዓት ከአ ኻብ ሕልፍኝአ ትውፃእ. . . . ካህናት አገልገልቲ እግዚአብሔር ይለምኑ፥ ኵሎም ብሓባር ዓው ኢሎም ንምሕረትን ንሕድገትን ይለምኑ። ኵሎም ብሓባር ንስሓ የርእዩ ህዝቢ ካብ ቤቱ፥ መርዓውቲ ካብ ሕጽኖቶም፥ ካህናት መስዋዕቲ ዘዕርጉ ከይተረፉ ይለምኑ። ነፍስወከፍ ካብ መገዲ ኃጢአት ወጺኡ ክርከብ እዋኑ እዩ። ካብ ካህናት ክሳብ ሕፃናት ብዓቢ ጸጸት ክንስሑ ይድለ አሎ።

ንአምላኽ ህዝቡ ከምዝኾኑ የዘኻኽርዎ ነዚ ዝመሳሰል አብ ምህልላ ፍልሰታ “አይቴ ውእቱ አምላኮሙ ከመ ኢይቤሉና ምህልላነ ስማዕ አምላክነ” እናበልና ንጽሊ። አሕዛብ ንአምንቲ አምላኽ ዘሕፍር እንተ ረኸቡ አበይድአ አሎ አምላኾም ከይብሉ ዝምዓና። ገለ ሰባት ሓደ ዓቢ ጉድአት/ምዓት እንተ ወረደ አምላኽ ድአ አበይ አሎ ይብሉ። ብናዚ ጀርመን ህዝቡ ክሃልቁ ከለዉ አምላኽ አበይ ነሩ፥ አብ አመሪካ እተን ክልተ ማናቱ ህንጻታት ክዓንዋ ከለዋ፥ አብ ደቡብ አስያ ብሱናሚ አሽሓት ክጠፍኡ ከለዉ፥ ብምንድቕዳቕ ምድሪ አሽሓት አብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክጠፍኡ ከለዉ፥ ሕያዋያ ሰብና ብሓደጋ ማኪና ክመውት እንከሎ፥ መንእሰያትና ብዝተፈላለየ ግፍዒ ክሞቱ ከለዉ፥ ህዝብና ክሳቐ እንከሎ. . . . አምላኽ አበይ ነሩ፥ ዝብል ሕቶ ንሓትት። እንተ ኾነ እቲ ሕቶ አምላኽ አበይ ነሩ ዘይኮነ ንሕና አበይ ነርና እዩ።

አምላኽ ንኹልና አብ ግራቱ ክንዓዪ ምስኡ ክነብር እዩ ዝደልየና እዚ ክዉን ክኸውን ናይ ነፍስወከፍና ተሳትፎ የድሊ። ተአምራት ካብ ሰማይ ክመጽእ አይንጸበ ንኹሉ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክንገብር ስልጣን ሂቡና እዩ፥ ክንርድኦ ዘይከኣልና አብ ኢዱ ክንሓድጎ እምበር ከም አምላኽ ዘየሎ ወይ ከም ጨካን ጌርና ክንወስዶ ከሎና አብ ኃጢአት ኢና እንወድቕ። ሰብ ክፉእን ጽቡቕን ከለሊ አምላኽ ሕልና ሂብዎ ክመርጽ ናቱ ግደ እዩ፥ ሎሚ ንአምላኽ ክንመርጽ ብመገዲ ክንከይድ እዩ ዝድለ ዘሎ።

አብ ኢዮኤል ነብይ አምላክ ንልመናን ንስሓን ህዝቡ ሰሚዑ መልሲ ከም ዝህብ ንርኢ። “እቲ ምዓት ደው ኢሉ አምላኽ እቲ ቐናእ ንህዝቡ ይርሕርሓሎም”። አብዚ ቅዱስ እውን ጾም አብ እንጅምረሉ ዘሎና ነዚ እንነብሮ ዓለም ከምቲ አምላኽ ዝርእዮ ገርና ክንርኢ ንለምኖ። አብዚ እዋን እነንብቦም ካብ ቅዱስ መጽሓፍቲ ብዙሕ ክሕግዙና ይኽእሉ እዮም ስለዚ ዕለት ዕለት ክነንብብ ይግባእ።

ቀዳመይቲ ንባብና ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ካልአይቲ ንሰብ ቆሮንጦስ እያ ምስ እዚ እንጅምሮ ዘሎና ጾም ትሰማማዕ። ፩ይ ዘዘኻኽረና አምባሳደራት ክርስቶስ ምዃና እዩ። አምላኽ ብአና ብቃልናን ብግብርናን እዩ አብ ዓለም ዝፍለጥን ዝርአን። እዚ ዓቢ ሓላፍነት ብዓብይ ምስትውዓል ክነስተንትነሉ ዘሎና ብፍላይ አብዚ ጊዜ ጾም። ፪ይ ጳውሎስ ዘዘኻኽረና “ንሕና ብክርስቶስ ተኻፈልቲ ጽድቂ አምላኽ ምእንቲ ክንከውን አምላኽ ነቲ ኃጢአት ዘይፈለጠ አብ ክንዳና ኃጢአተኛ ገበሮ” (2ቆሮ 5፡21) ይብለና። በዚ ምኽንያት እምብአር እቲ ኃጢአት ዘይብሉ ብድላዩ ንሳዕቤናት ኃጢአት ጸሩ ብፍላይ አብ ሕማማቱ ሞቱን አብ መስቀል። ዓላማ ናይ እዚ ዅሉ “ንሕና ተኻፈልቲ ጽድቂ አምላኽ መታን ክንከውን” እዩ።

ብኻልእ አዘራርባ ንሕና እውን በቲ ክርስቶስ ዝተጓዕዞ ክንጉዓዝ ጽዉዓት ኢና ማለት ክንሳቐ ክንመው ክንሰናዶ አሎና ከምቲ ንሱ ዝገበሮ። ከምዚ እንተ ገበርና ልዕሊ ዝኾነ ነገር አምባሳደራት ክርስቶስ ምዃና ክነርኢ ኢና። ጳውሎስ ከምቲ ንሰብ ቆሮንጦስ ዝለመኖ ንአና እውን ሎሚ እዚ ዓቢ ግብሪ አምላኽ ብክርስቶስ አቢሉ ዘርአየና ፍቕሪ ኮንቱ ከይከውን ይልምነና አሎ።

ጾም አርብዓ ብዕምቆት ሕይወት ኢየሱስ ሕማሙን ሞቱን ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና ኢሉ ዝገብሮ  ክነስተንትን ዝተዋህበና ፍሉይ ጊዜ እዩ። ነቲ አብ ሕይወት ነፍሲወከፍና ዘምጽኦ ለውጥን ምልኪ ርእስናን ርኢና ክንክእል ዝሕግዘና ፍሉይ ጊዜ ቅድስና እዩ። “እታ ምሽእቲ ሰዓት ሕጂ እያ፥ እንሆ እታ መዓልቲ ምድኃን ሕጂ እያ” (2ቆሮ 6፡2)። ንሓደ ክርስትያን መዓልቲ ምልዋጥን ካብ ጌጋኻ ምምላስን ኩሉ ጊዜ ሕጂ እዩ፥ ነዚ ክተተድግብር ከአ ካብ ጊዜ ጾም ዝበልጽ ካልእ ጊዜ የለን።

ቅዱስ ጉዕዞ ጾም ንጅምር አሎና አብ ጸጋን ምሕረትን መሰረት ገርና ንጀምሮ። አብ ሕይወትናን ርክባትናን ለውጢ ክነምጽእ፥ ፍቕሪ አብ ዝጎደሎ ፍቕሪ ክነምጽእ፥ ምሕረት አብ ዘድልዮ ክንምሕር፥ ኵልና ብሓደ አምላኽ ዝደልዮ እናተጎዓዝና አብ ትንሣኤ ምስኡ ብሓዲስ መንፈስን ሕይወትን ክንትንሣእ ሎሚ ንአምላኽ ሓግዘኒ ንበሎ።

ቅዱስ ጾም ምሕረትን ዕርቅን ሰላምን ምስ አምላኽና ሓውናን ሓፍትናን ዘውርድ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    








All the contents on this site are copyrighted ©.