2016-03-03 14:34:00

ቤተ ክርስትያን ዝተመራሰሐ ገንዘብ ዘይኮነስ ንእግዚኣብሔር ዝተኸፍቲ ኣልባብ እዮም ዘድልይዋ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ዘቅረብዎ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶምናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ``ንቤተ ክርስትያን ዘድልያ ዝተመራሰሐ ገንዘብ ዘይኮነስ ንምሕረት እግዚኣብሔር ዝተኸፍቲ ኣልባብ እዮም’’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፣

ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትምህርቶም ንምስማዕን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንምስታፍን ተኣኪቡ ንዝነበሩ ምእመናን ሮማን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ምባልን ምብራኽን ኣብ መንበሮም ኮይኖም ብትእምርተ መስቀል ብምዕታብ እግዚኣብሔር ምስ ኵሎም ክኸውን ምስ ጸለዩ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ``ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሃሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ። ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ክጽዕዱ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ። ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተኣዘዝኩምንሲ፡ ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።”(1:16-17) ዝብል ተነቢቡ፣ ምስዚ ኣተሓሒዞም ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ብምዝካር እግዚኣብሔር መሓሪ ኣቦ ስለዝኾነ ከምቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ወላዲ ኣቦ ንውሉዱ ዝምህርን ዝቀጽዕን ዝኵስኵስን እግዚኣብሔር ከኣ ብኵሉ መንገድና ክነተኻኽል ብመንገዲ ምሕረት ይምሕጸነና ከምዘሎ ምስ ኣዘኻኸሩ ኣብቲ መባእታ ናይ ትንቢት ኢሳያስ ተመልኪቱ ከምዘሎ ከኣ ፍትሕን ምሕረትን ማዕረ ማዕረ ከምዝኸዳ ደቁ ከኣ ክሳብ ክንደየናይ ርሒቅና ከምዘሎና ንዝገንሕ ከምዘሎ ከምዚ ክብሉ ደገምዎ፣

‘‘እግዚኣብሄር ይዛረብ ኣሎ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፡ ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዐልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዐለው። ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ፡ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን፡ ህዝበይውን ኣየስተውዕልን እዩ።’’  ንዝብል ደጊሞም እግዚኣብሔር ብነብያቱ ገቢሩ እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ጥልመትን ክሕደትን ሕዝቡ እንክገልጽ ከም መሓሪ ኣቦ ከኣ ወላውን እንተሃደምናን ክንክወል እንተፈተናን ምሕረት ብዝመልኦ ኣገባብ መንገድና ክሳብ ነተዓራሪ ብትዕግስቲ ከምዝጽበየና ከምዚ ክብሉ ኣመልከቱ፣

`እነሆ እምበኣርከስ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ `መንገዲ ተጋጊኹም ኣሎኹም’ እናበለ ፍቅርን ርሕራሔን ብዝመልኦ ኣገባብ ነቲ ዝጠለመ ሕዝበይ እናበለ ይጽውዕ ኣሎ፣ ንሕና ሕዝቡ ስለዝኾነ እግዚኣብሔር ፈጺሙ ኣይሓድገናን እዩ፣ ካብ ሰባት ዝሓሰምና እውን እንተኾነ ደቁ ኢና። ወትሩ ወደይ\ጓለይ ንዓ\ዒ እናበለ ይጽውዓና፣ ምሕረት እግዚኣብሔርን ፍቅሩን ከስ እዚ እዩ፣ ከምዚ ዝበለ ኣቦ ክህልወና ከሎ ከኣ ተስፋን ምትእምማንን ይፈጥረልና፣’ ድሕሪ ቢሎም ዘሎና ጊዜ ናይ ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ስለዝኾነ ምናልባት ገሊኦም እንተስ ብሰብ ክረኣዩ እንተስ ሕልናኦም ወቂስዎም መባእ ከውድቁ ድኻ ክረድኡ ይፍትኑ ይኾኑ፣ ርቡሕ ገንዘብ እውን ክኸውን ይኽእል፣ ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም `ኮይኑ ግን እዚ ገንዘብ እዚ ካበይ ዝመጸ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይ ብዓመጽን ምዝመዛን ዝተረኽበ ክኸውን ስለዝኽእል፣ ቅድም ቀዳድም ግን ሽሕኳ እዚእውን ኣድላዪ እንተኾነ ማሕፉዳ ዘይኮነ ንእግዚኣብሔር ዘገድሶ ልብና እዩ፣ ንምሕረት እግዚኣብሔር ዝተኸፍተ ልቢ’ ብማለት ምስ ገለጹ ስክፍታኦም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

‘ብዛዕባ ገሊኦም ገበርቲ ድማዕ ናይ ቤተክርስትያን ክሓስብ ከሎኹ፣ ደበኽ ቢሎም ኣባቴ እነሆ ነዚ መባእ ተቀበሉኒ ይብሉ . . . ኮይኑ ግን ፍረ ደም ናይ ብዙሓት ዝተዓመጹን ብዘይ ብቊዕ ደሞዝ ብባርነት ናይ ዝተመዝመዙን እንተኾይኑ ነዞም ሰባትዚኣቶም በጃኹም ገንዘብኩም ውሰዱለይ ወላ ኣቃጽልዎ ምበልክዎም፣ ከመይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ንምሕረት እግዚኣብሔር ዝተኽፍተ ኣልባብ እምበር ናይ ደም ገንዘብ ኣየድልያን፣ ከምዚ ዓይነት በዘልማድ ዝግበሩ ስርዓታት ዘይኮነ ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ ዘድሕነና’ ቢሎም።

ሽሕ’ኳ እነዘውትሮም ሰናይ ነገራትን ስርዓታትን መስዋዕትታን ሓገዝቲ እንተኾኑ ከም ፍጹማት ተቀቢልናዮም በቃ ዘበሉ ናይ ምሕረት መጋበሪ ከምዘይኮኑ ተረዲእና ካብ ፍትሒ እነምልጥ ከይምሰለና ከኣ ‘ንሓጢኣት ዝምሕር መለኮታዊ ምሕረት ኣምላኽ እምበር ካልእ ከምዘይኮነ’ ከምዚ ክብሉ ኣጠንቂቆም፣

‘ብዝበለጸ ንክትርድእዎ ሓደ ሰብ ምስ ሓመመ ናብ ሓኪም ይኸይድ፣ ሓደ ሰብ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ሕልናኡ እንተወቂስዎ ከኣ ናብ ጐይታ ይኸይድ፣ እንተዘየሎ ክንዲ ናብ ሓኪም ናብ ጠንቋሊ እንተኸይዱ ኣይሓውን፣ ብዙሕ ጊዜ ግጉይ መንገዲ ብምምራጽ ናይ ኣቋራጭ ጽድቅን ናይ ሕልና ቅሳነትን ሃሰው ንብል፣ እዚ ዝርከቦ ግን ኣብ ጐይታ በይኑ ስለዝኾነ ናብኡ እንተዘይከድናን እንተዘይደሊናዮን ክንረኽቦ ኣይንኽእልን፣ ንእግዚኣብሔር ምንጻግ ንሕይወት ባዶሽ ይገብሮ፣ እቲ ጸገም ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ ዝብሎ ወዲሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ኪዳን ምስ በተኸን ባዕለይ ርእሰይ ክኢለ እየ ቢሉ ግጉይ ናይ ርእስኻ ምኽኣል ናጽነት ምስ ኣወጀን እዩ ዝጅምር፣ ንእግዚኣብሔር ምስ ከሓድካ ካብ ኣቦነቱ ምስ ሸፈትካ ህላዌኻ መሰረቱ ይንቅነቅ ኩሉ ባዶሽ ይኸውን እዚ ከኣ ብርቱዕ ስቃይን ተስፋቊርጸትን ኣስዒበ ንሞት ክሳብ ምምራጽ የብጽሕ፣ እዚ ናይቲ ባዕልኻ ዝመረጽካዮ መንገዲ ጥፍኣት ፍረ ዝኾነ ስቃይ እዚ እንኮ መድሓኒቱ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ዘኪሩ እግዚኣብሔር ልቡ ናብ ጣዕሳን ምሕረትን ክኸፍተሉ ምስትንታን እዩ’ ምስ በሉ ነቲ ዘጸናንዕ ቃላት ነቢይ ኢሳይያስ ብምዝኽኻር ‘እግዚአብሔር ፈጺሙ ንማንም ኣይሓድግን እዩ’ ናብኡ ንመለስ እንክብሉ ትምህርቶም ኣብ ምዝዛም ‘ኣብ ድርኵዂት ኤውሮጳ ብጀላቡ ዝውሕዙ ዘለው ስደተኛታት እሞኸኣ ናበይ ከምዝኸዱ ዘይፈልጡ ዘክርዎም እስኪ ብዛዕባኦም ኣስተንትኑ፣ ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር ተኣምር ንኩሉ ሰብአዊ ሕሰም ከሸንፎ እዩ’ ቢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.