2016-03-01 16:18:00

ብፁዕ ኣቡነ በቺዩ፥ ብድሆ ንራዲዮ ቫቲካን ብዕደ ጥበብ ዘይተራቀ ከባቢ


ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም እቶም ብዕደ ጥበብን ብስነ ኣሃዝን ዝተራቐ መጋበሪያ መራኸቢ ብዙሃን ዘይብሉን ዘይበጽሓሉን ከባቢ ንራዲዮ ቫቲካን ብድሆ እዩ። እዚ ማለት ድማ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ምድሓን ቃል ኣምላኽን ስልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስን ዘመሓላልፍ ብምዃኑ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ መጋበርያ ምዃኑ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ንምስንባት ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ትኵእ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣጀሎ በቺዩ ገሊጾም፥ ራዲዮ ቫቲካን ነቲ ኣብ ዓለም ዝኽሰት ኩሉ ብዓይኒ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመዝንን ዘስተውዕልን ዝትንትንን ራዲዮ ምዃኑ ገሊጾም።

ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሃን ኩለን ኣብዚ መዳይ ዝዋስኣ ናይ ቫቲካን ናይ ምስማዐ ርእየት ጣቢያን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣን ራዲዮ ቫቲካንን ቤት ማሕተም ቫቲካንን ቤት ስእልን ቀረጻ ስእልን ቫቲካንን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ መርበብ ጉዳይ ቤት ጽሕፈትን ካብ  ዝነበሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ምሕደራ ተኣልዮ በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃንን ቤት ጽሕፈት ኅየንተ ክጥርነፍ ዝብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሕዳሴ ዘተኣታትዎ ዘሎ ለውጢ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝጀመረን፡ እቲ ሕዳሴ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራት ቅዋመ ዝምልከት እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ራዲዮ ቫቲካን ናይቲ ሕዳሴ ክፍሊ እውን እንተዀነ ተልእኾኡ ኣስፍሆተ ወንጌል ብምዃኑ ዕላማኡ ትማልን ሎምን ጽባሕን ዝቕየር ኣይኰነ። ብመንጽር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮን ቅድስቲ መንበርን ኩነት ዓለም ዘንብብን ዝትንትንን እዩ፡ ተኣማኒ ንወጌልን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን እዩ ኢሎም።

እቲ ሕዳሴ ንቫቲካን ረዲዮ ናይ ለውጥን ሕዳሴ እዋን እዩ። ዝውሰኹን ዝቕየሩን ብዙሓት ነገራት ክህልዉ እያቶም። ዕላማዉ ኣስፍሆተ ወንጌን ምስፋሕ መልእኽቲ ክርስትናን ብምዃኑ ዝቕየር ኣይኰነን ቢሎም ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ መሰረት ኣብ ዓለም ዝረአይ ውግእን ጽልእን ዓመጽን ስደትን ክውገድን ፍትሕን ሰላም ዕርቅን ክረጋገጽን ምእንቲ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍትሕን ነጻነትን ዘገልግል እዩ ኢሎም።

ብፁዕ ኣቡነ በቺዩ ኣባ ሎምባርድን ከምኡ ኣውን ጋስባሪ ነዊሕ ክፍሊ ዕድመኦም ብራዲዮ ቫቲካን ኣቢሎም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዘሕለፉ ምዃኖም ዘኪሮም ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ምክልኻል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተጸምዱን ብዙሕ እዋን ብስራሕ ምኽንያት ምስኣቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣዋን ዘካይድዎ ርክብ ብሓቂ ንቤተ ክርስቲያንን ራዲዮ ቫቲካንን ሰራሕተይና ራዲዮ ቫቲካን ዘለዎም ፍቕሪ ዝምስክር ምንባሮም ድማ ብሓቂ የድንቖም ቢሎም እዚ ንኣኻትኩም ሰራሕተይናታት ራዲዮ ቫቲካን ክምስክረልኩም እፈቱ።

ራዲዮ ቫቲካን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስን ምስ ዓለም ሃገራትን ከባቢታትን ዘራኽብ መጋበርያ ወንጌልን ድምጺ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን እዩ፡ ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ወንጌል ኣበስሩ ዝብል ተልእኾ ዝተቐበለን ነዚ ተልእዀ ዝነበር እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም ራዲዮ ቫቲካን ምስቲ ምዕቡል ዓለም ማዕረ ማዕረ እናማዕበለ ከከም እዋኑን ምዕባለ ዕደ ጥበብ ኩነት ዓለም ብዓይኒ ቃል ኣምላኽን ስልጥናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዝትንትን እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.