2016-03-01 16:13:00

ስንብታ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ


ዕለት 29 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣገልግሎቶም ተልእዀኦም ዘጠናቐቕሉ ዕለት ምኽንያት ንምስንባቶም ኣብ ጎዳና ኮንቺሊያዚዮነ ቅድስት መርያም ዘትራስፖንቲና ናይ ራዲዮ ቫቲካን ሰራሕተይናታትን ነበር ሰራሕተይናታትን ዝተሳተፍሉ ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መላእ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን ብሓደ ዝሓቁፉ ዘቖምዎ ናይ

ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ኅየንተ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዳሪዮ ኤድዋዶ ቪጋኖን ብፁዕ ኣቡነ ሉቾ ኣድሪያኖ ሩዊዝ ብሓባር ኣባ ሎምባርዲ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝረገ ክምልከት እንከሎ፡ ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ መላእ ሰራሕተይናታትን ነበር ሰራሕተይናታት ሰብ ጡረታን ዘሳተፈን ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሃን ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ቪጋኖ ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ መእተዉ ዘረባ ቀጺሎም ቅድስቲ መንበር ወኪሎም ብስም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ትኩእ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ አንጀሎ በቺዩ ዝተሳተፍሉን ዘረባ ዘስምዕሉን ን25 ዓመት ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ዘገልገሉ ኣባ ሎምባርድን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ኣመሓዳርን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ወጻኢ ሓዋርያዊ መገሻ ኣወሃሃዲ ኣልበርቶ ጋዝባሪን ዘረባ ዘስምዕሉን ቀጺሉ ካብ ሰራሕተይናታት ራዲዮ ቫቲካን ነቶም ኣገልግሎቶም ፈጺሞም ዝሰናበቱ ዘለዉ ኣባ ሎምባርዲን ጋስባሪን ዝለገስሎም ህያባት ቀሪቡ ናይ ምሳሕ መዓዲ ብምቁዳስ ከምእተጠናቐቐ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.