2016-03-01 17:17:00

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቀዳማይ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኤጳርቅና ከረን


ብርክት ዝበሉ ውሉደ ክህነት ደናግልን ካህናትን ምእመናን መንእሰያትን ሕጻናትን ካብ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ጀሚሮም ኣብ ቅርዓት ርእሰ ኣድባራት ቅዱስ ሚካኤል ከረን ንምቅባል ቀዳማይ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም ክተኣኻኸቡ ጀመሩ። ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ልክዕ ሰዓቶም ሰዓት 10፡00 ቅ. ቀ. ከረን ኣብ ቅርዓት ርእሰ ቅ.ሚካኤል በጽሑ።

ኣቡነ ኪዳነማርያም የዕብዮ ጳጳሳት ኤጳርቅና ከረን ምስ ውሉደ ክህነቶም ምእመናኖም ናይ ባህሊ ብለንን ትግርኛብ ክዳንውንቲ ዝወደዩ ሕጻናት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቀዳምይ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም ከምኡ እውን ብሩክ ዘይመጽ በስመ እግዚኣብሔር ዝብል ጭርሖ ዘሓዙ ከማኡ እውን መስቀል ዝሓዙ ዲያቆናት ምስ ቆመስ ር/ኣ/ቅ/ ሚካኤል ኣባ ጸሓየ ክፍለማርያምን  ተቀበልዎም። ሊቀ ጳጳሳት መስቀል ተሳሊሞም ለቢሶም  ኣባኡ ብዝሰጸንሑ ተሰኒዮም ብወርውባትን ሸብሸቦን ‘‘ኖላዊ ትጉህ ሓውጸነ በምሕረት ወሳህል’’ ባርኩነ በሰፊኃ እድ’’ እናበሉ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ኣተዉ፡ ቅዱስ ኢሎም ኪዳን ምስ ኣብጽሑ ብድሕሪኡ ናይ ኤጳርቅና ከረን ጳጳስ ኣቡነ ኪዳነ ብስሞምን ብስም መላእ ኤጳርቅናኦምን ንሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዕንቋዕ ደሓን መጻኩም ድሕሪ ብምባል ብዛዕባ ዕብየት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት በዓለ ጥምቀት ጀሚራ ብርእሳ ዝሓደረትን እትመሓደርን ቤተክርስትያን ምዃናን  ዕላማ ዕድመ ሊቀ ጳጳሳት ምልክት ሓድነትናን ዕብየት ቤተክርስትያናን ሓድነትና ንምርኣይ  ምዃኑ ሓጺር መግለጽ ድሕሪ ምሃብ፡ ክበጽሑና ንዝመጹ ነመስግን ከማኡ ድማ ጽባሕ ብሓባር ንእግዚኣብሔር ከነምስግንን ብጸሎት ክንተሓጋገዝን ይዕድም እንዳበሉ ፡ ቃል  ሰላምታኦምን ቡራኬኦም ንኽህቡ ንሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስተ መድረኽ ኣረከቡ። 

        ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ምንግስተኣብ ተስፋማርያም ብወገኖም ዕንቋዕ ደሓን ጸናሕኩም ድሕሪ ምባል ንዝተገብረሎም ሙዉቕ ኣቀባብላ ኣመስገኑ።  ቅድሚ ሕጂ ሓደ ኤርትራ ሓንቲ ኤጳርቅና ምንባራ፡ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ሃስያ ነይርዎ ይብሉ። ዓርባዕተ ጳጳሳት ምርካብ ሓደ ዕብየት እዩ፡ ሕጂ ግና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ  መትሮፖሊታዊት ቤተክርስትያን ምባላ ሓደ ዕብየት እዩ። ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክም እዩ፡ ምስ ቅድስቲ መንበር ጥራሕ ዘይኮነ ርክብና ምስ ‘‘ኣመሳያ’’ጎረባብትናን ካልኦት ኣሓት ምስራቓውያን  ኣብያተ ክርስትያናት ክንሰርሕ እውን ሓላፍነት ንለብስ።  ደጊመ ንዝተገብረለይ ሙቕ ኣቀባብላ ብልቢ የመስግን ብስም እታ ዝውክላ ሰበኻይ ድማ ሰላምታይ የቕርብ ድሕሪ ምባል ቡራኬኦም ሂቦም። ዝቕጽል መደብ ርክብ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ውሉደ ክህነት ኣብ ኣደራሽ ኤጳርቅና ኣምርሑ።

ርክብ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ውሉደ ክህነት ኣብ ኤጳርቅና እዩ።

ልክዕ ሰዓት 11፡00 ኣብ ኣዳራሽ ኤጳርቅና ከረን ውሉደ ክህነት ምስ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም ዳግማይ ተራኸብና። ኣቡነ ኪዳነማርያም ዳግማይ ንኹሎም ውሉደ ክህነት ብፍላይ ድማ ንሊቀ ጳጳሳት ዕንቋዕ ደሓን መጻኩም ድሕሪ ምባል ቀጥታ መድረኽ ንሊቀ ጳጳሳት ምስ መዝነቶምን ስርሖምን ከብርሁልና መድረኽ ኣረከቡ።

ድሕሪ ጸሎት ሊቀ ጳጳሳት፦ እንቋዕ ኣምላኽ ገጽ ንገጽ ኣረኣኣየና ድሕሪ ምባል ካብ 19/01/2015 ጀሚራ ኣብ ኤርትራ ዘላ ሜትሮፖሊታን ተባሂላ። ብቀሊል ዝተረኽበ ኣይኮነን ንቅድስቲ መንበር ንልዕሊ 10 ዓመት ተሓቲቱሉ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕን ቅዱስን ኣቡነ ፍራንቸስኮ ነዚ ተረዲኦም፡ ብርእሳ ዘሓደረት ቤተክርስትያን ብምባል መትሮትፖሊታን ቤተክርስትያን  ተባሂላ። 

 ካልኣይ ክፋል ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ምንግስተኣብ ዝተኰሩሉ ዛዕባ ስኖዶስ ስድራቤት እዩ፡-

ጸዋዕታን ተልእኾን ስድራቤታት ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ፧

እዚ መድብ እዚ ልዕሊ 270 ኣበው ጳጳሳት ምስ ርእሰ ለቃነ ጳሳትን ወከልቲ ምእናን ሰብ ሓዳርን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽቡሉ ናይ ሰለስተ ቅነ ዓውደ መጽናዕቲ እዩ ነይሩ።

ህልው ኩነታት ጸዋዕታን ተልእኾን ስድራቤታት እንታይ ይመስል፧ ብሓፈሻ ኩነታት ስድራቤታት ጽቡቕ የለን።

ስምረት፤ ሓድነት፤ የለን ዝተበታተነ ስድራቤት እዩ ዝረአ።
ስደት  
ቆልዑ ምስ ኣደ በይኖም ምዕባይ ዝያዳ ሓላፍነት ሸኸም ምኽባድ
ዝተፈላለዩ ጽልዋታት ናይ ሃይማኖት ቍጠባ፡ መራኸቢ ብዙሓን ትምህርቲ መዛኑ ወዘተ.....
ፍትሕ፡ ተኣኻኺብካ ምንባር
ውሉድ ክትወልድ ዘይ ምድላይ
ካብ ሓላፍነት ምህዳም፡ ከተገልግል ዘይምድላይ
ባእሲ ግጭት፡ ስራሕ ምስኣን  ስርቂ
ድራር ዘይብላ ስድራቤት
ስንክልና ስንኩላት ምውላድ
ማሕበርዊ ሽግራት ይብዝሕ
ሥራሕ ብምስኣን ኣብ ምንዝርና ምውፋር 
ሕማም
ናይ ሕይወት ውሕስነት ምስኣን
መጻኢ ዘይትርእየሉ ሃዋህው ተስፋ ቁርጸት ወዘተ ........

ፈውሲ

ቅድመ ምቅርራብ ንመርዓ፡ ካብ ጊዜ ሕጻንነቶም ጀሚርካ ብፍቕሪ ምዕባዮምን ምኵስኳሶምን
ማእከላይ ዕድመ ምስ በጽሑ ነባጽሕ ምስ ዕድሚኦም ዝኸይድ ትምህርቲ ጾታ
ናይ ቀረባ ምስንዳው ኣብዚ ምናልባት ምስቲ ጊዜ መርዓ ስለ ዝኸውን ዝሰምዕ የለን ስለዚ ብኣጋ ክኸውን ኣለዎ።
ድሕሪ መርዓ እውን ሓገዝ፤ ምብጻሕ፤ ምክትታል፤ ኣውራ የድሊ።

ኣብዚ ጉዳይ ቤተክህነት ዝያዳ ምስንዳው ካብ ዘርኣክህነት ጀሚሩ ክሳዕ ክህነት ኩስኰሳ የድሊ

ተልእኾ ስድራ ቤታት ፡ተቐበልቲ ጥራሕ ዘይኮናስ ብግዲአን ኣገልገልትን ተላእክትን ንቤተክርስትያኖም ክኾኑ ኣለዎ፤ ነዝ ድማ ካህናት ህያባት ም እመናንኩም ፈልጥኩም ኣሳትፎም ሓድራ።

ኩሉኹም ካህናትን ደናግልን ሓዋርያት ስድራቤት ኩኑ፡ እናበሉ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ። ብድሕሪኡ ንዝቀረበሎም ሕቶታት መልሲ ሃቡ።

ኣብ ናይ ምሸት ክፍለ ጊዜ፡ ኣብ ከረን ኣብ ዝርከባ ገዳማትን ቍምስናታትን በጽሑ፡ ንሳተን እዘን ዝስዕባ እየን፡

ገዳምን ቤት ትምህርቲ ቅ.ዮሴፍ ዘለሳል
ገዳምን ቤት ትምህርቲ ቅ.ሓና
ቍምስናን ገዳምን ደብረ ቅ.ኣንጦንዮስ ከረን
ገዳም ደብረ ቅ.እስጢፋኖስ ዘሲታውያን ከረን
ቍምስና ደብረ ቅ.ሥላሴ ገዛባንዳ
ገዳም ደናግል ደቂ ፍቅሪ በጽሑ፡

ንጽባሒታ ሰንበት  ዕለት 27/02/2016

ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ቅ.ሚካኤል ብብፁዕ ኣቡነ ኪዳነን ቆመስን ደብረ ቅ.ሚካኤል ከረን፡ ቆመስ ቅ.ኣንጦዮንስ ከረን፡ ሓ/ቆመስ ደብረ ቅ.ሥላሴ ገዛባንዳን ካልኦት ገዳማውያንን፡ ቆመሳትን ተሰንዮም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ፡ ድሕሪ ወንጌል ናይ ዕለቱ ቃለ እግዚኣብሔር ኣስምዑ።

ድሕሪ ቅዳሴ ብቆመስ ኣብ ዝተዳለወ ቍርሲ ድሕሪ ምስታፍ፡ ኣብ ከተማ ከረን ምስ ዝርከበኡ ናይ ቍምስናታት ቤት ምኽሪ ኣብ ኣደራሽ ኤጳርቅና ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ዕላማ ምብጻሖምን፡ ኣብ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሥድራ ቤት ንዝተባህለ ሓጺር መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ ንዝቀረበሎም ሕቶታት መልሲ ብምሃብ ናይቲ ርክብ ፍጻሜ ኮነ።

ካብዚ ብምቅጻል፡ ናብዞም ዝስዕቡ ምብጻሕ ፈጸሙ፡

ናብ ደብረ ፅንሰታ ለማርያም ንኡስ ገዳም ዘርኣክህነት ከረን
ናብ ገዳም ደናግል ካፑቺነ ከረን
ናብ ገዳም ደናግል ካላሪሰ ከረን

ብድሕርዚ ኣብ ኤጳርቅና ንዝተቀረበሎም ምሳሕ ተኻፊሎም፡ ንኤጳርቅና ከረን ብዝገበረሎም ተቅባል ድሕሪ ምምስጋን፡ ንቦታኦም ብደሓን ተመልሱ።

ይሴባሕ እግዚኣብሔር!!

ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን

 








All the contents on this site are copyrighted ©.