2016-02-27 15:58:00

ዓመት ምሕረት


ዕለት 27 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት ናይ ምሕረት ዓመትብጠቕላላ ልዕሊ 7 ሺሕ ዝመቱ ማሕበር ሰብ ትካላትን ዓበይቲ ኢዳስትሪታን ወነንቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦም መርሕ ቃል ከምእተቐበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤውጀኒዮ ሙራሊ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ምሕደራ ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ካልካኞን ናይ ገያሾን ስደተይናታትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮን ከምኡ እውን ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲና ራቫዚ ከምእተረኽቡን ሙራሊ ሓቢሮም፥ ቅዱስ ኣቦና ናይ ኩሉ ምዕባለ ዘተኵር ከይዲ ልምዓትን ኢንዳስትርን ክረጋገጽን እዚ ድማ ኤኮኖሚ ናይ ኩሉ ሱታፌን ናይ ኵሉ ናይ ሓባር ዕዮ ውጽኢት ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለን ንኻልእ ዘወግድን ድኻታት ዝዝንግዕን ከም ውዳቕ ስሓስብን ባህሊ ዘወግድ መገዲ ክኽተል ኣለዎ ከምዝበሉ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጳጳሳዊ ኣጐስቲኒያኑም መንበረ ጥበብ ዘሰናደዎ ናይ ኤኮኖምን ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰኣዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ሊቃውንትን ዘሳተፈ ምንባሩን ክብቶም ተሳተፍቲ ድማ ናይ ኢጣሊያ ነበር መራሔ መግስትን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ነበር ኣቦ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ሮማኖ ፕሮዲ፡ ናይ ገያሾን ስደተይናታትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮን ከምኡ እውን ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲና ራቫዚን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ኅየንተ ብፁዕ ኣቡነ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ብምስታፍ ዘረባ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤውጀኒዮ ሙራሊ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.