2016-02-27 14:31:00

ሰንበት ዘማኅበር የካቲት 20 2008 ዓ.ም. (2/28/ 2016)


ንባባት፡ ሮሜ 14፡7-9፥ 2ጴጥ 1፡1-5፥ ግ.ሓ. 2፡44-ፍ፥ ማቴ 18፡15-21   ስብከት፡  1.አግረረ ለነ አሕዛበ ታሕተ እገሪነ፥ ወኃረየነ ሎቱ ለርስቱ፥ ሥኖ ለያዕቆብ አፍቀረ። 2. በማኅበር ባርክዎ ለእግዚአብሔር፥ ወለአምላኽነ በአንቅዕተ እስራኤል፥ህየ ብንያም ወረዛ በኃይሉ” መዝ. 68፡26። 

መዝሙር፡ “ያዕቆብ ዕጡቕ ሕቚኡ ክሳብ ዝመጽእ ብዙሓት ጓሶት ነታ እምኒ ካብ አፍ ዔላ ክግልብጥዋ አይከአሉን። ንሱ ከፊቱ መጓሰኡ አስተየ፥ ከምኡ ብዙሓት ነብያት መጽኡ ግን ንጥምቀት ክሳብ ዓቢ ጓሳ ዝመጽእ ክኸፍትዋ አይከአሉን፥ ንሱ አብአ ብዙሓት አሕዛብ አጥመቐ፥ ተአምራት መድኅኒና ዘደንቕ እዩ፥ ከምቲ በትሪ ካብ ዘርኢ እሰይ ብአምሳል በትሪ ያዕቆብ መጓሰ አባግዑ ዝሕልወላ ዝወጸት ንሳ ማርያም እያ። ከም ዝበሎ በትሪ ክትወጽእ እያ ዕምባባ አብአ ክርአ እዩ፥ ንሱ ሓደ እዩ ንሱ ወዲ አምላኽ እዩ።”

ክርስቶስ አብ ትምህርቱ አነጺሩ ዘስተምሃረና “ምሓሩ ክትምሓሩ፥ ንዝበደልናካ እቕረ በለልና” ዝብል እዩ። ዓለምና ሎሚ አብ መንጎ ስድራታት፥ ሃገራት፥ ጎረባብቲ አብ መንጎ ሃይማኖታት፥ ዓለታት ጽልኢ ቅትለት ግፍዒ በዚሑ ንርኢ አሎና፥ ናይ እዚ ኹሉ ምንጪ እንታይ እዩ ኢልና እንተ ሓተትና ሰብ ምስ አምላኽ ዘለዎ ርክብ ምስ አጥፍአ፥ ንጸጋ አምላኽ ብክእለትይ ብኃይለይ ብሃብተይ ብዝብል ምስ ተክኦ ዘምጽኦ ጸገም እዩ። ነዚ ዓለምና እትሳቐዮ ዘላ ከቢድ መንፈሳውን ሥጋውን ሕማም ፈውሱ አብ ነነድሕድና እቕረ ክንብሃሃል ክንምሓሓር እንከሎና ጥራሕ እዩ።

ምሕረት ክንቅበልን ክንህብን ልብና ክፉት ምስ ገበረናዮ፥ ርክባትናን ኩነታትናን ክልወጥ ምስ ዝኽእል ጥራሕ እዩ። አብ ዝተዓጽወ ልቢ፥ አብ ዝደንዘዘ ሕልና፥ ፈሪሃ አምላኽን ፍቕሪ ሓውን የለን በዚ ኽአዩ ሎሚ ሰብ ከም እንስሳ ክቕተል ክሽየጥ ክልወጥ እንርኢ ዘሎና። ሰብ መገዲ አምላኽ ሓዲጉ ባዕሉ ጎይታ ርእሱ ምስ ኮነ ንክፍአት መንፍዓት ንዓመጽ ጅግንነት፥ ንጥልመት ብልሒ፥ ንስርቂ መንፍዓት ገሩ ርእዩ አብ ዓመጽን ግፍዕን ናተይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ዘሎ።

ምሕረት ፍረ ዝህልዎ ተቐባልነት ክርከብ እንከሎ እዩ፥ መሓራይ ናይ ምሕረት ኢዱ ክዝርግሕ እንከሎ እቲ በዳሊ እውን ክቅበሎ አለዎ። ነዚ አብነት ዝኾነና አብ ታሪኽ አመሪካ እዚ ዝስዕብ ተገሩ። ሓደ ጆርጅ ዊልሶን ዝተባህለ ብ1830 ንሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ቀቲሉ። ጆርጅ ብዝገበሮ አብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ብማሕነቕቲ ክቕተል ተፈሪዱ። በቲ ጊዜ ፕረስደንት አመሪካ ዝነበረ አንድሩው ጃክሶን ፍሉይ ምሕረት ገርሉ። ጆርጅ ዊልሶን ነቲ ዝተገብረሉ ምሕረት አይቅበልን ኢሉ። ቤት ማእሰርቲ እንታይ ከም ዝገብርዎ ጠፊእዎም። ጉዳይ አብ ላዕለዋይ ቤተ ፍርዲ ተመሪሑ በቲ ጊዜ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓላፊ ዝነበረ “ምሕረት ንእሽቶ ቅንጣብ ወረቐት እያ፥ እቲ ምሕረት በቲ ዝምሓር ዘሎ ሰብ ተቐባልነት እንተ ረኸበ ጥራሕ እዩ ትርጉም ዝህልዎ፥ ድሕሪ ተነጺጉ ምሕረት አይ ኮነን ድሕሪ ምባል ጆርድ ዊልሶን ክሕነቕ አለዎ ዝብል ውሳኔ አሕሊፉ። ሽዑ ጂርጅ ብማሕነቕቲ ተቐቲሉ። ወላ እኳ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንተ ተቛወምናዮ እሞ ነቲ ዝተዋህበ ምሕረት ቅቡል ዝከውን እቲ በዳሊ ክቕበሎ እንከሎ ጥራሕ እዩ። እዚ እዩ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እዩ። አምላኽ ክምሕረና እንከሎ ብወገና ነቲ ምሕረት ክንቅበሎ አሎና። ወንጌል ቀጺሉ ንምሕረት አምላኽ ከመይ አቢልና ክንቅበሎ ከምዘሎና ይነግረና። ምሕረት አምላኽ ክንቅበል “አሜን፥ ከምዝበልካዮ ይኹን” ጥራሕ ብምባል አይ ኮነን ዝርከብ ንሕና እውን ከድና ንዝበደልናዮ እቕረ ክንብል አሎና።

አብዚ ኢየሱስ ዝህበና ምሳሌ እቲ ንሓዉ ምሕረት ዝአቢ አገልጋሊ ምሕረት አምላኽ በቲ አብ ከማና ዝበለ ሰብ ብእንገብሮ ክቕየር ከም ዝክአል እዩ። ንጉሥ ንዝለመነ አገልጋሊኡ ካብ ኩሉ ዕድኡ ምሕረት ገርሉ እንተ ኾነ እቲ አገልጋሊ ደገ ምስ ወጽአ ንሓደ ሓዉ ዘልቅሖ ምሕረት ክገብር ስለ ዘይከአለ ተዋሂብዎ ዝነበረ ምሕረት ተሓዲጉ ክሳብ ኩሉ ዕድኡ ዝፈዲ አብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒን ተገሩ። አገልጋሊ ብጎይትኡ ዝተገበረሉ ምሕረት ስለ ዘየመስገነ ነቲ ዝተዋህቦ ምሕረት ብቝዕ ከምዘይ ኮነ አርእዩ። እዚ ምስቲ አምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍና ዝገብሮ ስመሳሰል እዩ። እዚ እዩ ኸአ መልእኽቲ ናይ እዚ ኢየሱስ ዝህቦ ምሳሌ። “እምብአር ንስኻትኩም ድማ ነፍስ ወከፍኩም ንኃዉ ካብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓደገሉ ሰማያዊ አቦይውን ከምኡ ኺገብረኩም እዩ” (ማቴ 18፡35) ይብለና። ብኻልእ አዘራርባ አምላኽ ወላ እኳ ምሕረቱ እንተ ሃበና ጌና ኵሉ ተገሩ ማለት አይ ኮነን። እቲ ጉዳይ ፍጻሜ ዝረክብ ንሕና እውን ከድና ንዝበደሉና እንተ ሓደግናሎም እዩ። እቲ ብነጻ ዝውሃበና ናይ ምሕረት ጸጋ ንሕና እውን አብ ልዕሊ ከማና ዝበሉ ሰባት አብ እነርእዮ ምሕረት እዩ ዝምስረት። ንኸማና ዝበሉ ከይ መሓርና ንአምላኽ ምሕረት ክንሓቶ ከሎና “አንጭዋ ክትመውት ንሕና ስሚ ንአንጭዋ ዝቐትል ምስታይ እዩ”። አብ መጽሓፍ ሲራክ ከም ዝብሎ “ጎረበትካ እንተ በደለ ኅደገሉ ንስኻ ክትጽሊ ከሎኻ ኸአ ኃጢአትካ ኺኃድገልካ እዩ” (ሲራክ 28፡2)።

ስለምንታይ እዩ ምምሓር ዘጽግመና እሞ ብኡ ጥራሕ መገዲ ምሕረት ዝኸፈተልና ከንሱ? ብዝመስለኒ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ገዛእ ርእስና ምሕረት አምላኽ ክንርኢ ስለ ዘይከአልና እዩ።  ከምቲ ዘይእሙንን አገልጋሊ አትኩሮና አብተን 100 ዲናሪ ንሓውና እንእውዶ እምበር አብተን 10000 አምላኽ ዝእውደና እሞ ብዓቢ ምሕረቱ ዝሓደገልና ስለ ዘይነተኩር እዩ።

ሓደ እዋን ሓደ አቡን ብመርከብ ንነውሕ ሃገር ይገሹ ነሮም፥ አብ መርከብ አብ ሓንቲ ክፍሊ ምስ ሓደ ሰብ በጺሕዎም፥ አቡን ነቲ ሰብ አከዳድንኡ ከምኡ መልክዑን ኵሉ ኩነታቱን ምስ ረአዩ ዝነበሮም ወርቅን ካልእ ክቡር ንብረትን አብ መራሕ መርከብ ከይዶም አብ ጽኑዕ ማኅደር ዘልኦ ክቕመጠሎም ሓቲቶም። እቲ ዋና መርከብ ብሓጎስ ተቐቢሉ አቐሚጥሎም እቲ ምሳኹም ዘሎ ሰብ እውን ከምኡ ኢሉ አብዚ ክንሕዘሉ ሂቡና አሎ እናበለ ነጊርዎም። እዚ ንሰባት ብኸመይ ከም እንርእዮም ብሩህ ምሳሌ እዩ። ብግዳማዊ መልክዕን ኩነታትንን ንሰባት ንፈርድ እዚ ግን ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ።

ንሰባት ምፍራድ፥ ብግዳማዊ ኩነታቶም ከም ክፉአት ምውሳድ፥ ተባህለ ኢልካ ንስም ሰባት ምክፋእ ዝዓበየ ጌጋ እዩ፥ ምኽንያቱ ኸአ መጀመርያ ፍቕሪ ስለ እነጉድል ከምኡ ነቲ አምላኽ ጥራሕ ዝገብሮ አብ ልዕሊ ከማና ዝበለ ሰብ ፍርዲ ስለ እነሕልፍ ሕጊ አምላኽ ንጥሕስ እሞ ንርእስና ፍቕሪ አጥፊእና ስም ሰባት እናአካፋእና ንነብር። ብዙሕ ጊዜ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ከም እንረኽቦ አምላኽ አብ ድኻታት አብቶም ገርኄኛታትን ንዑቓትን እዩ ዝርከብ። ንሰባት ፍርዲ ከይንህብ ምጥንቃቕ የድልየና። 

ቀዳመይቲ ንባብና ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ እያ። ብምልኡ ክርድኣና ነታ ምዕራፍ ብምልአ ክነንብባ አሎና። ንጽል አቢልና ክንርእዮ ከሎና ብዛዕባ ምስ ከርስቶስ ምማት እንታይ ምዃኑ ዝዛረብ ይመስል፥ ጳውሎስ ብዛዕባ ሕይወት አብዚ ዓለም እዩ ዝዛረብ። “ካባና ንርእሱ ኢሉ ዚነብር ወይ ንርእሱ ኢሉ ዚመውት ሓደ እኳ የልቦን። ብሕይወት እንተ ነበርና ንጎይታ ኢና እንነብር እንተ ሞትና እውን ንጎይታ ኢና እንመውት ስለዚ ብሕይወት እንተ ነበርና ወይ እንተ ሞትና ናይ ጎይታ ኢና” (ሮሜ 14፡7-9)። ፈሊና ክንርእዮ እንከሎና ብዛዕባ ምስ ጎይታ ዘሎና ርክብ ዝዛረብ እዩ ዝመስል፥ አጸቢቕና ክንርእዮ እንተ ኸአልና ግና ጳውሎስ ብዛዕባ አብ ነነድሕድና ዝህልወና ርክብ እዩ ዝዛረብ። ነዚ አብቲ ናይ መጀመርያ ኁልቅ ክንርእዮ ንኽእል “ነቲ ብእምነቱ ድኹም ዝኾነ ተቐበልዎ፥ በቲ ዘካትዕ ነገር ድማ አይትንቀፍዎ” (ሮሜ 14፡1)።

ጳውሎስ ዝሕብሮ ዘሎ ነቲ አብ መንጎ ዘሎ ዘይምርድዳእ ማለት አብ መንጎ እቶም አብ እምነቶም ጽኑዓትን ድኹማትን እዩ። አብ መንጎ ጽኑዓትን ድኹማትን ክርስትያን ዘሎ ፍልልይ ክገልጽ እንከሎ ክልተ ፍልልያት ከም አብነት ይነግር። እቶም ብእምነቶም ጽኑዓት ዝኾነ መግቢ ይበልዑ ሥጋ ሓሣማ ከይተረፈ እቶም ስርዓት ዝሕልዉ አይሁድ ወላ ዘይትንክፍዎ፥ ከምኡ ንጣዖት ዝተሓርደ መግቢ ይበልዑ። እቶም ድኹማት ክርስትያን ካብዚ ተኸልኩሎም ሓምለመምሊ ይምገቡ። ጽኑዓት ክርስትያን ኵሉ ዕለታት ተመሳሳላይ እዩ ይብሉ ድኹማት ክርስትያን ግን ገለ ዕለት ካብ ካልእ ዕለታት ብፍሉይ የኽብሩ። ጳውሎስ ዘስተምህሮ ጽኑዓትን ድኹማትን ክርስትያን አብ ነነድሕዶም ፍርዲ ከሕልፉ አይግባእን ምኽንያቱ አምላኽ ንኹሎም ስለ ዝቕበል። አምላኽ ናይ ኩሎም ጎይታ ብማዕረ ንኹሎም ይቕበል። ስለዚ አብ ነነድሕዶም ክወናጀሉ ሓንቲ ምኽንያት ወይ መሰረት የብሎምን። ናይ ሓደ አገልጋሊ ጠባይ ብጎይትኡ ቅቡል እንተ ኾነ መን ኢኻ ንስኻ አንጻር እቲ አገልጋሊ እተጉረምርም። 

ጳውሎስ ቀጺሉ ዝብሎ እምብአር ሰብ አብዚ ዓለም ንርእሱ ጥራሕ ኢሉ አይተፈጥረን። መጀመርያ አምላኽ ክፈጥረና እንከሎ ምስኡ ክነብር ድላዩ ክንገብር ባህሪ አምላኽ አልቢሱ እዩ ፈጢሩና፥ ቀጺሉ ምስ ከማና ዝበሉ ሰባት እዩ ፈጢሩና ንሕና መሰል አሕዋትና ክንሕሉ ንሶም ከአ መሰልና ክሕልዉ እንተ ኾነ ብሰንኪ ክፍአት አብ ዓለም ምስ አተወ ካልእ ጠባይ አእቲና በዚ ኸአ ምስ ሓውናን ሓፍትናን ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንከውን ጻዕሪ አድልዩ ገለ እዋንስ መስዋዕቲ ክንከፍል ይግድደና። ጸልማት ንልቢ ሰም ምስ ጎልበቦ አብኡ ብርሃን ስለ ዘየለ ንኽፉእ ክገብር ድህር ዘይብል ኮይኑ በዚ ኸአ ኵሉ ጊዜ ንሓውናን ሓፍትናን ወላ እኳ ክፍኡ እንተ ገበሩ ክንምህር ተነጊርና። ብርግጽ ቀሊል አይኮነን እንተ ኾነ ብጸጋ አምላኽ ኩሉ ይክአል እዩ።

ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ ዘሎ ቅድስና፥ ሓቂ ወይ ጌጋ ብዛዕባ ርእስና ወይ ብዛዕባ እንታይ ከም እንሓስብ ወይ ዝስምዓና አይ ኮነን ብዛዕባ አምላኽ እዩ። ሓደ ክርስትያን ንሓደ ሰብ ብዘለዎ ፍልልይ አተሓሳስባ ወይ እውን ዓይነት ሕይወት ዝፈርድ ከም ቁራዕ ንድስቲ ጸሊም ምባል እዩ። ክልቲኦም ድስትን ቍራዕን ናይ ዋንኦም እዮም፥ ዋንኦም ከአ እዩ አየናይ ከም ዝጥቀም ዝውስን። ዋና ንቍራዕ ክጥቀመሉ እንተ ደለየ ድስቲ ከጉረምርም እንታይ መሰል አልኦ። ስለዚ ኩነታትና ጥዕናን ትሕዝቶና ብዘየገድስ ኩሉና ደቂ ሓደ አምላኽ ኢና ከም አሕዋትን አሓትን ከአ ብፍቕርን ሰላምን እና ተጸዋወርና ክነብር አሎና።

እዚ ክንብል ከሎና እሞ ክርስትያን አብ ዓለም አብ ቤቱን ከባቢኡን ክፉእ ዓመጽ እናረአየ ሱቕ ክብል አለዎ ማለት ድዩ። አይ ኮነን ጳውሎስ ብዛዕባ ምስ ዓለም ዘሎና ርክብ አይ ኮነን ዝዛረብ ዘሎ ብዛዕባ ብክርስቶስ አሕዋትና ዝኾኑ ግን ምሳና ብዝኾነ ምኽንያት ናይ አተሓሳስባ ፍልልይ ዘለዎም ወይ ከአ ርድኢትን አፍልጦን ዝውሕዶም እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ዘየካትዑን አድለይቲ ሞራላዋያን ግድነታት ክርስትያናዊ እምነትና አይ ኮነን ዝዛረብ ዘሎ፥ ንአብነት ቅትለት፥ ዘይቅንዕና፥ ዘይእሙን ስስዐን። ብዛዕባ እቶም ዘካትዑ ግን አብ ክርስትያናዊ እምነት አድለይቲ ዘይኮኑ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። አብ ዓድና ንአብነት አብ ቤተ ክርስትያን ምስ ሳእንኻ ምእታውን ዘይምእታውን፥ ጓል አንስተይቲ ስረ ክትገብር ወይ ከይትገብር፥ ብዛዕባ ሓፈሻዊ አከዳድና አብ እምነት ዘካትዕ ኩነታት ክኸውን የብሉን፥ ንኸምዚ ዝአመሰሉ ነገራት ከም ዓቢ ዓምዲ እምነት ዝፈረሰ ገርካ ምርአዩ እዩ ጳውሎስ ዝቋወሞ ዘሎ።

ቅ. ጳውሎስ ዘስተምህረና ዘሎ አብ ዳሕረዎት ዘመናት ቅ. አጎስጢኖስ ገሊጹ ከም ዘስተምሃሮ “አብ ቀንዲ ነገራት ሓድነት፥ አብ ብዙሕ ዘየድልዩ ነገራት ነጻነት፥ አብ ኩሉ ነገራት ግን ፍቕሪ”። ሎሚ ጸጊሙና ዘሎ አብቶም ዘየድልዩ ነገራት ንሰባት ነጻ ክንገድፎም ዘይምኽአልና እዩ። እዚ ማለት ከአ አብ ንአሽቱን ዘየድልዩን ነግራት አተኲርካ ዓቢ ፍልልይን ጽልእን ምትካል ወይ ፍልልይ ከም ዘሎ ገርካ ምርአዩ ንብዙሓት ገርኄኛታት አብ ጌጋ ከም ዝነብሩ ይገብር አሎ።

ሎሚ እምብአር አምላኽ ክንምሕርን ክንምሓርን መጀመርያ አብ አምላኽ ክንቀርብ ከምኡ ንሓውናን ሓፍትናን አብ ቅድሚ አምላኽ ሓደ ከም እንርኢ አሚና ክንከባበርን ክንትሓላለየን ይግብአና። አብ መንጎና ዝፈላሊ ነገራት አድላይን ዘየድልን ፈሊጥና አብቲ ቀንዲ ነገራት ክንተኩር እምበር አብ ንአሽቱ ነግራት አተኩርና ፍልልይና ክነዕብዮ የብልናን። ክርስቶስ ሎሚ እውን ንሓውናን ሓፍትናን ደጋጊምና ክንምሕር ከም ዘሎና ይነግረና አሎ። ዓጸውቲ አፍደገ ሰማይ ከይንኸውን እቕረ ንበሃሃል ሽዑ ንአምላኽ ክምሕረናን ንለምኖ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.