2016-02-26 09:23:00

ኣባ በንቶሊዮ፥ ማሕበረሰብን ቤተ ክርስቲያንን ንስደተይናታት


ጳጳሳዊ ናይ ገያሾን ስደተይናታትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዋና ጽሓፊ ኣባ ጋብሪኤለ በንቶሊዮ ኣብ ማሕበር ናይ ኢየሱስ ስቓይ በቲ ማሕበር “ኣባላት ማሕበር መንፈሳውያንን ስደተይናታትን ኣብ 21 ክፍለ ዘመን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዳልወ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም መላእ ማሕበረሰብን ቤተ ክርስቲያንን ንድጋፍ ስደተይናታት ኣእዳው ንምዝርጋሕ ግዲ ዝብል ሓላፍነት ለበስ ኣያቶም ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።

ሓላፍነት ኣብ ቅድሚ ስደተይና

ኣብቲ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ናይ ዘፈላለያ ገዳማት ዝተዋጽኡ ካህናትን ኣሓውን ደናግል ዘሳተፈን ናይ ተመክሮን ልምድታትን ምልውዋጥ ኣብ ዝቐረበሉ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ኣባ በንቶሊዮ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ስደተይና ሓላፍነት ዘለዎን ናይ እዋናዊ ዓለም ኩነት ብቑዕ ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ ስለ ስደተይና ግዱስ ክኸውን ናይ ግድን እዩ፡ ናይ ቅድሱ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽትታትን ጻውዒትን ሕቶታትን ብምስትውዓል ብፍላይ ድማ ዕለት 17 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት ዘመሓላለፍዎ ዓለም ለኻዊ መልእኽቶም ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምእንጋድ ስደተይና ክተግህን ቅድሚ ኹሉ ድማ ንስደት ዝዳርጉ ምኽንያታት ኣብ ምፍታሑን መልሲ ምሃብን ምትጋህ የድሊ ዝበልዎ ሓሳብ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ብቑዕን ግቡእን መልሲ ምሃብ ናይ ኩል ሓላፍነት እዩ ከምዝበሉ ጳጳሳዊ ናይ ገያሾን ስደተይናታትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዝውጽኦ መግለጺ የመልክት።

ብምሊዮናት ዝቑጸሩ ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ኣብ ቅድሚ እቶም ልዕሊ 19 ሚሊዮን ዝግመት ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ዝደተይናን ልዕሊ 38 ሚሊዮን ዝግመቱ ኣብ ሓገሮም ውሽጢ ዝተመዛበሉን ልዕሊ 2 ሚሊዮን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተቲ መልሲ ዝጽበዩ ዘለዉን ኩነት ናይ ቅድስቱ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ወንጌላውን ሰብኣውን መልሲ ዘተባብዕ እዩ፣ እዚ ማለት ድማ ንስደተይና ዘጓንፎ ሽግር ርኢኻ ሓዛኒ ምዃንን ውሽጣዊ መንፈሳዊ ሓገዝ ጥራሕ ዝብል ዘይኮነስ ምሉእነት ድጋፍ ዝብልን ቁሳውን መንፈሳውን ድጋፍ ምቕራብን ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ጸረ ስደተይና ግብርታትን ንኣይነትን ዝብል ናይ ሞት ባህሊ ብቓልን ተግባርን ምቁዋም ማለት እዩ ከምዝበሉ ናይቲ ጳጳሳዊ ቢሰት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.