2016-02-26 09:27:00

ናይጀሪያ፥ ጸረ ክርስቲያን መጥቃዕቲ


ኣብ ናይጀሪያ ካብ 2000 ዓ.ም. ልዕሊ 1,3 ሚሊዮን ዝግመት ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ከምእተመዛበለን ካብ 9 ሺሕ ክሳብ 11 ሺሕን 5 ሚእትን ዝግመት ድማ ንሞት ከምዝተዳርገን 13 ሺሒ ኣባይቲ ክርስቲያን ክምዝዓነወን ብግዲ ከምእተዓጽወን ኣባይቲ ማሕበረ ክርስቲያን ከምዝባደመን ኦፕን ዶር ክፉት ማዕጾው ኣተሰምየ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ተወቒዑ እምበር ኣይተሳዕረን ብዝብል ኣርእስቲ ኩነት ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝገልጽ ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ ከምዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ህላዌ ክርስትና ንምጥፋእ

ኣብ ናይጀሪያ በቶም መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፍነው ጸረ ክርስቲያን መጥቃዕቲ ምኽንያት ኣብ ሰሜን ከባቢ ግዛእት’ታ ሃገር ገለ ገለ ቦታታት ብዘይ ማሕበረ ክርስቲያን ከምዝተረፈን በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ብክርስትና እምነቱ ምኽንያት ብዝመዛበል ዘማሕበረ ክርስቲያን ምኽንያት ድማ ገለ ገለ ካባቢ ብብዝሒ ማሕበረ ክርስቲያን ከምዘዕለቕለቐን፡ ኣብታ ሃገር ማሕበራዊ ሰላማዊ ናብራ ኣዚዩ ንሃደጋ ከምእተቓልዔን ኣብ መንጎ ሕዝቢ እታ ሃገር ዝነበረ ሕድ ሕዳዊ ምትእማን ከይተረፈ የንቆልቁል ምህላዉ ኣቲ ክፉት ማዕጾው እተሰምየ ማሕበር ዘአውጽኢ ሰነድ ከምዝሕብሮ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ናይጀሪያ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ከይትዕጸው

ሽሕ’ኳ ጸረ ክርስቲያን ዓመጽ ኣዚዩ ከቢድን ምጻሩ ዘይከኣል እውን እንተኾነ ብእተርእዮ ሓድነትን ጽንዓትን ሕጂ እውን ናይ ደም ሰማዕትነት ትኸፍል ከምዘላን፡ ኣብ ገዛእ ርእሳ ንኸይትዕጸውን ካብ ማሕበራዊ መዳይ ገዛእ ርእሳ ከይትንጽል ፈታኒ ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ ዝሓበረ ናይ ክፉት ማዕጾ ማሕበር ሰነድ ኣስዒቡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኢፍትሓውነትን ጸረ ክርስቲያን ዓመጽ ብምቅላዕን ኣብ መላእ ናይጀሪያ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክረጋገጽ ኣብ ዝግበሩ ጻዕርታት ብቐዳምነት ትዋሳእ ከምዘላን፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ሰላም ኣብ ምርግጋጽ እተካይዶ ጻዕሪ ድጋፍ ማሕበረሰብ ዓለም ከይፍለያ እንክብል ከምዝሓተተ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.