2016-02-26 09:16:00

ቅድስቲ መንበርን ኢጣሊያን፥ ዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያት በርገሳዊ ተዛምዶ


ብምኽንያት እቲ በቢ ዓመቱ ዝዝከር ኣብ መንጎ ኢጣሊያን ቅድስቲ መንበርን ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም. ዝተበጽሔ  ዝኽሪ ውዕሊ ላተራነንሰ ምኽንያት ዕለት 23 የካቲት 2016 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓርሎኒ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ማተዮ ረንዚ ኣብ ቦሮመዮ ሕንጻ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ መንግስቲ ኢጣሊያ ዘጽድቖ ዘሎ በርገሳዊ ተዛምዶ ዝምልከት ናይ ንድፊ ሕግን ከምኡ እውን ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ኣርእስታት ዘማእከለ ዘተ ከምእተኻየደ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ እቲ ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶን ሓጋጊ ባይቶን ዝዘተየሉን እቲ ኣብ መንጎ ሓደኣዊ ጾታ ዝግበር ምዝማድን ኣቶም ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም ከም ሰብ ሓዳር ብሓደ ዝነብሩ ዘኽታም ሕጻን ኸም ወለዲ ኣብ ቤቶም ከዕብዩ ይኽእሉ ዝብል ዓንቀጽ ብዙሕ ዘካትዔን ደሓር ካብቲ ናይ ሕጊ ንድፊ ዝተኣልየን ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ብመሰረቱ እቲ ኣብ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዝቐውም ምዝማድ ዘይትቕበሎ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ቅድስቲ መንበር ብዋና ጸሓፊኣ ኣቢላ ኣብ ጉዳይ ናይ ኢጣሊያ ፖሊቲካ ኢደ ኣታውነት ክትገብር ድላይ ከምዘይብላ ኣፍሊጣ እውን እንተኾነ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ’ዚ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተገብረን ገሊጾም፡ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ መራሔ መንግስቲ ረንዚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ናይ ቅድስቲ መንበርን ኢጣሊያ ርክብ ልዑልን ብሉጽን ምዃኑ ዝረጋገጸ ርክብ ምንባሩ ገሊጾም።

ብዛዕባ እቲ ብዘይ ተኽሊል ዝቐውም ሓዳር ኮነ እቲ ኣብ መንጎ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ዝቐውም ተዛምዶ ከም ሓዳር ክረአን ክሕሰብን ከምዘይብሉን ዝብል መርገጺ ድሮ ብናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከምእተቓልሔን እቲ ርክብ ኣብዚ ጉዳይ ዘተኮረ ጥራሕ ዘይምንባሩ ድማ ድሕሪ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገለጺ ሓቢሮም ዓለም ሓቆፍ ጉዳይ ኣብ ዘማእከሉ ኣርእስታት ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደ ኣፍሊጦም።

መንግስቲ ኢጣሊያ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ እትህቦ ኣገልግሎትን ህርኩት ጻዕርታትን ከምኡ እውን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ምይይጥ ዝተገብረሉ ብዛዕባ ስደተይናታትን ዘጓንፎም ጸገማትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ሓሳብ ንሓልዮት ስደተይናታትን ትሑታትን ዝተነጸሉን ዜጋታት ዝግበር ጻዕሪ ኣስተንፍሶ ምዃኑ ኣብቲ ርክብ ከምእተሰመረሉን ካብ መንግስቲ ሓገዝ ዝረኽባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ብዙሓት ድኻታትን ብፍላይ ናይ ኣእምሮን ኣካልን ስንክልና ዘጓነፎ ዜጋታት ብብዝሒ ዘእንግድ ምዃኑ ኣፍልጦ ከምእተወሃበሉ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.