2016-02-23 16:17:00

ምእንቲ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ሃይማኖታትን


ንዳግማይ ውሕስነት ሰብኣዊ ምትሕብባርን ንዳግማይ ሕንጸት ሰብኣውነትን ኣሚቱ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ናይ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ማእከል ዘዳለዎ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ናይ መንግስቲ ተቛማትን ሰብኣዊ ሓገዝን ምትሕብባርን ብውግእን ተፈጥሮኣዊ ድንገታት ንዝተጠቕዔ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ሕዝቢ ዓለም ንዋታውን መንፈሳውን ኩነታቱ ብሉጽ ንምግባር ዝብል ዕላማ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚከለ ራቪያርቲ ሓቢሮም።

ኣብ ዓለም 125 ሚሊዮን ሕዝቢ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ እዩ። ካብዚኣቶም እቲ ሰለስስተ ርብዒት ጥራሕ ሓገዝ ዝረክብ ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሰብኣዊ ምትሕብባርን ድገፍን ክብ ከምዘበለ ዝምስክር እዩ። ኣብ 2014 ዓ.ም. ንናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ልዕሊ 25 ሚሊያርድ ዶላር ከምዝተሰልዔን ምስቲ መንግስታት ንናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ቀረብ ዝኣተውዎ ቃል ክነጻጸር እንከሎ ብ 40% ዝነከየ ምዃኑ ናይቲ ዝተፈላለያ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበራት ዝሓቁፍ ካሪታስ እንተርናዚዮናሊስ እተሰምየ ማሕበር ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝሓበሩ ራቪያርት የመልክቱ።

እቶም ሓገዝ ዘድልዮም ብስእነት መግቢ ዝተጠቕዔን ብመሰረታውያን ሰብኣዊ ጠለባት ስእነት ዝሳቐ ሕዝቢ ቁጽሪ ዘይኮነስ ሰባት እያቶም፣ ኣበይ ኣሎ ሰብኣውነት? መንግስታት ንናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዝሰልዕዎ ንላዕሊ ንውግእን ዓመጽን ዘውዕልዎ ሃብቲ ገንዘብ ኣዚዩ ክብ ዝበለ እዩ እንክብሉ፣ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ምኽትል ኣቦ መንበርን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ንናይ ሰብኣዊ ድጋፍ መሳለጢ ጉዳይ ካልኣይ ኣደ መንበር ክሪስታሊና ገዮርጊየቫ፦ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ድገፍን ምትሕብባርን ዝዋስኡ ኣካላት ብዝሒ ክብ መታን ክብል ምትብባዕ የድሊ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምስናፍ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሓሙሽተ ሃገራት ጥራሕ ብንጥፈት ዝተሓባበራ ከምዝዀናን ብዙሓት ናይ ግሊ ትካላት ኣብ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምትሕባር ይጐድለን ከምዝበላ ራቪያርት ገሊጸን።

ናይ ጳጳሳዊ ናይ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቛም ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሳንቸዝ ሶሮንዶ ብወገኖም ሕብራት መንግስታት ዓለም ኣብ ናይ ሰብኣዊ ደግፍን ምትሕብባርን ተእልኾኡ ናይ ኵለን ሃገራት ደገፍ የድልዮ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ምትሕብባር ዕላማ ሕቡራት መንግስታትን ሃይማኖታትን ጥምረት ክህሉን እቲ ናይ ሰብኣዊ ምትሕብባር ዝብል ዕላማ ሕቡራት መንግስታትን ሃገራትን ሃይማኖታትን ዝጥርንፍ መንፈሳውነት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራቪያርት ኣተሓሒዞም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ጋላገር ብወገኖም፦ ሃይማኖታት ንናይ ሰብኣዊ ደገፍ ዘንቀሳቕስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ይሰባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ  ዓለም ለኻዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ምሕረትን ስነ ምግባር ኩሉ ክቕበሎን ከኽብሮም እንክብሉ ዘንበርዎ ጻውዒት ዝኽተል ይኹን፣ ናይ ሃይማኖታት እምነት ነቲ ልዑል ናይ ሰብኣውነት ተግባር ምንጭን ንሰብኣዊ ድጋፍ ንዝግበር ጻዕሪ ትእምርቲ እዩ። ንብዙሓት ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሕይወት ብዝበለጸ ንምምሕያሽ ስለ ካልኦት ሕይወትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝብል ኢየሱስ ክርስቶስ ብቓልን ሕይወትን ዝፈጸሞ ናይ ፍቕሪ ተግባር ከም ኣብነት ዝስዕብ ይኹን ከምብዘሉ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.