2016-02-20 16:55:00

ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም፣ ኣባ ካንታላመሳ፦ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ ኢየሱስ ህልው እምበር ተዘክሮ ኣይኰነን


ሊጡጊያ ናይቲ ህላዌ ኣብ ሕይወት እምነት ክርስትናን ውዕዉዕ ህላዌ ዝዀነ ብዙሕ እዋን ዘይልለይ ኰይኑ ዝሕሰብ መንፈስ ቅዱስ ዳግም ዘንብርን ዘረክብን ይኹን። ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሃው ካፑቺን ኣባ ራኔየሮ ካንታላሜሳ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ሮማዊት ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣስካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ አመ መድሃኔ ዓለም ቤተ ጸሎት ዕለት 19 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም ከምስመርሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

መንፈስ ቅዱስ ዳግማይ ርኽበት ይወሃበሉ እምበር ገና ምሉእ ብምሉእ ርኽበት ኣይተወሃበሉን፣ ኣብ ሊጡርጊያ እውን እውን እንተዀነ። ኣካል ቅድስቲ ስላሴ ምዃኑ ዘይፍሉጥ ኣይኰነን፣ ምስጋና ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ናይ መንፈስ ቅዱስ ህላዌን ተግባርን ንጹርን ዘየማትእን ኣፍልጦ ክህልዎ ክትሓንጽ እንክብል የተሓሳስብ።

መንፈስ ቅዱስ እንዝንግዖ ቀንደይና ተዋሳኢ

ዓቢይ ተራ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን እምነት ክርስትናን ሎሚ እውን እንተዀነ ግቡእ ኣፍልጦ ዝወሃቦ ኣይመስልን፣ እዚ ዓቢይ ጸገም እዩ። እዚ ድማ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ሊጡርጊያን ስርዓት ኣምልዀን ዝብል ውሳኔኡ፦ “ዝዀነ ስርዓት ሊጡርጊያ ናይ ክርስቶስ ካህንን ኣካልን ማለት ‘ቤተ ክርስቲያን’ ተግባር ክሳብ ዝዀነ ካብዚ ንላዕሊ እንታይነት ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ ሓደ’ኳ የሎን። ብዙሕ እዋን ክልተ ተዋሰእቲ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽን ዝዝከርን፦ ክርስቶስን-ቤተ ክርስቲያንን ቀንደይና ተዋሳእነት መንፈስ ቅዱስ ዝዝንጋዕ እዩ ዝመስል።

ኣገዳሲ ቀለበት

ንቅድስቲ ስላሴ ፈላሊኻ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ቅድስት ስላሴ ደጋፊ ምዃን ዘይኰነስ፣ ብዙሕ እዋን ዝረአይ እውን እንተዀነ። ኣብ ሊጡርጊያ ስላሴኣዊ ውዕዉዕነት ምዕቃብ የድሊ፣ ቅዱስ ባዚሊዮስ ከምዝገልጾ፦ “ከምቲ መለኰታውያን ነገራት ካብ ኣብ ብወልድን ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዝበጽሓና ከምኡ ድማ ሰብኣውያን ነገራት ናብ ኣብ ብወልድን ብመንፈስ ቅዱስ ይበጽሑ” ስለዚህ ይብሉ ኣባ ካንታላሜሳ፦ መንፈስ ቅዱስ ሓሓሊፍካ እትዝክሮ ዘይኰነስ ቀንደይና ኣገዳስነት እዩ። ስለዚህ ኣብ ግብረ ምፍጣር እግዚኣብሔር፦ ካብ እግዚኣብሔር ዝወጽእ ፍጥረት ኣብ ዝፍጽሞ ናይ ምውጻእ ከይዲ ኰነ ፍጥረት ናብ እግዚኣብሔር ኣብ ዝገብሮ ናይ ምምላስ ጉዕዞ ዘለዎ ዓቢይ ዝዀነ ኣገዳስነት ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ። እቲ ኣብ መንጐናን ኣብ ናይ ታሪኽ ኢየሱስ ዘሎ ናይ ህልውና መዕለቢ ርእየት ዘይርከቦ ጉድጓድ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተኻኸልን ዝመዓራረይን፣ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ስርዓት ሊጡርጊያ ኩሉ ተዘክሮ ኰይኑ ምተረፈ። እቲ ኩሉ ዝኽእል ህልው እውን እዩ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

መንፈስ ቅዱስ ሐደስቲ ነገራ ዝገብር ዘይኰነስ ነገራት ዝሕድስ እዩ

ብመንፈስ ቅዱስ ህያው ዝዀነ ሊጡርጊያ ንነፍሳት ይቕድስ፣ መንፈስ ቅዱስ ሓደስቲ ነገራት ክፍጠሩ ዝገብርን ዘኽእልን ዘይኰነስ ነገራት ዝሕድስ እዩ፣ ንሱ ፍሉዩ ነገራት ዝሕድስ ንዝተፈላለዩ ሊጡርጊያታት ሕይወት ዝህብ እዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ መንፈስ ቅዱስ ነገራት ዝሕድስ ደኣ እምበር ገባሬ ሓደስቲ ነገራት ኣይኰነን።

ናይ ብመንፈስ ጸሎትን ስግደት

መንፈስ ቅዱስ እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሊጡርጊያዊ ጸሎት ሕመረት ዝዀነ ኣምልዀን ስግደትን ህያው ዝገብር እዩ። ፍልይ ዝበለ እቲ ንመለኰታውያን ኣካላት ዘሎና እንኰን ፍልዩን ስምዒትን ጦብላሕታን ዝዕንግል እዩ። ስለዚህ ከምቲ ብዙሓት ዝሓስብዎ ዘይኰነስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነኽብራ ደኣ እምበር ኣይነምልኻን።

ኣማላዲ መንፈስን ጸሎትን

ኣባ ካንታላሜሳ ዘቕርበዎ ስብከት፦ መንፈስ ቅዱስ ስሌና ይምሕጸንን የማልድን ስለ ክልኦት ክንምሕጸን ይምህረና፣ ምልዶን ምሕጽንታን ናይ ሊጡርጊያዊ ጸሎት ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ተማልድን ትምሕጸንን። ስሌና ስለ ዓለም ስለ ቅኑዓትን ሓጥኣንን ህያዋንን ምዉታንን ተማልድን ትምሕጸንን። ብእግዚኣብሔር ቅቡል ድማ ይኸውን ስለምንታይ ንገዛእ ርእሳ ዘይኰነስ ስለ ካልእት እትሓስብ ብምዃና እዩ።

ናይ ምልዶ ጽሎት ብእግዚኣብሔር ቅቡል እዩ፣ ስለምታይ ካብ ንኣይነትን ውልቃውነትን ናጻ ስለ ዝዀነ። ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድን መለኰታዊ ምስጋና ብቐረባ ዘንጸባርቕ እዩ። ፍቓድ እግዚኣብሔር ድማ ኩሉ ክድሕን ዝብል ብምዃኑ። እግዚኣብሔር ሕያዋይ ኣቦ ናይ ምቕጻዕ ሓላፍነት እውን ዘለዎ እንተዀነ ኩሉ ክድሕንን ሕጉስ ክኸውንን ስለ ዝደልይን ከምቲ ኣሕዋት በደለይና ይቀጻዕ ዝብልዎ ዘይኰነስ ምድሓን ዝብል እዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.