2016-02-18 16:37:00

ዓውደ መጽናዕቲ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምቛም ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት


ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 15 መስከረም 1965 ዓ.ም. Apostolica Sollicitudo - ሓዋርያዊ ሓልዮት ብዝብል ኣርእስቲ ምቛም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ፍልዩ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ስልጣን መሰረት ዘቖምዎ ስርዓት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 9 ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን መናብርተ ጥበብን ናይ ዝተፈላለዩ ክፍለ መጽናዕቲ ቲዮሎጊያን ካልኦት መጽናዕትታት ዝተዋጽኡ ሊቃውንቲ ዘሳተፈን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ስለ እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቅዋመ ኣመልኪቶም ዝቕረብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ዘምረሔ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ቤት ጽሕፈት ዘነቓቐሖ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፦

ሲኖዶስን ሲኖዶሳውነትን

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ሲኖዶስ ብዓይኒ ቤተ ክርስቲያናዊ ሲኖዶሳውነት ክርአይን ክትንተንን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ሕጹጽ ምዃኑ ብምልላይ፣ እዚ ድማ ምስ ናይ ቅድስቲ ስላሴ ቲዮሎጊያ ብተመሳሳልነት ዝግለጽ ኰይኑ፣ ሲኖዶሳዊ ስልጣን ኣገልግሎት ንሕዝበ እግዚኣብሔር ብዝብል መለለዪ ክፍለጥን ክንበርን፣ ነቲ ብጸጋ ምስጢረ ጥምቀት ዝጽገው ክህነታዊ ክብሪ ኣፍልጦ ዝህብ ክኸውን ኣለዎ፣ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመረሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት እንክዛረቡ ነፍሲ ወከፍ ኣቡን ናይ ሰበኻኡ ቤት ክርስቲያን ዝውክልን ብሁባሬ ማለት ብጳጳሳዊ ጉባእያውነትን ኣብ ጉባእያውነትን ድማ ንመላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝውክል ምዃኑ የመልክቱ፣ እዚ ድማ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉብኤ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘቃልሖ ኣፍሊጡ።

ጉባእያውነትን ሕዝበ እግዚኣብሔርን

ጉባእያውነት ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ምስታ ብሓዋርያዊ ሓላፍነት ዝመርሓ ቤተ ክርስቲያንን ብሓባር ምስ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዝነብሮ እዩ፣ እዚ ድማ ናይ ሮማ ጳጳስን ኤጰስ ቆጶሳትን ምእመናንን ዝምልከት ኣገላልጻ እዩ። ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ከምቲ ቅዱስ ቀጵሪያኖስ ከምዝብሎ ጳጳስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ ጳጳስ ትርከብ” ምዃኑ ዝገለጸ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣስዒቡ፣ ናይ ከባቢ ፍልያት ብዘየገድስ ቤተ ክርስቲያን ካብ ቁምስናታት ዝተበገሰ ሲኖዶሳውነት ባህርይ እያ እትነብር። ሰበኻን ናይታ ሰበኻ ቁምስናታትን ዝነብርኦ ሲኖዶሳውነት እዩ። እዚ ድማ ብናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ይጠቓለል፣ እቲ ሲኖዶሳውነት ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ዓበይቲ ኣካላት ብፁዓን ጳጳሳትን ብፁዓን ካርዲናላትን ኣብ ዝምራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ዝንበር እውን እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የረጋግጽ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሲኖዶሳውነትን

ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዝሕብሮ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምቛም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ስርዓት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክበሃል እንከሎ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ጽን እትብልን እዚ ድማ ካብ ልማዳዊ ምስማዕ ዝተፈልየ ጽንታ እዩ ይብሉ። ሕዝበ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያኑ ጽንታ ይህብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ጽን ትብል፣ ስለዚህ እዚ መንፈስን ተግባርን ጽንታ ሕዝበ እግዚኣብሔርንን ጉባኤ ጳጳሳትን ናይ ሮማ ጳጳስን ዝነብርዎ ሲኖዶሳውነትን ጉባእያውነት ምዃኑ ዘነጽር ምዃኑ ዘረጋግጽ ዓሚይቕ ትንታኔ ከምዝሃበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.