2016-02-18 16:34:00

መገሻ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መክሲኮ ነቲ ገርሄይና ልቢ ዘወዓውዕ እምነት ዘበራብር እዩ


ንቕዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ መክሲኮ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ካብ ዘሰነዩ ጋዜጠይናታት ራዲዮ ቫቲካን ሓደ ሓላፊ መደብ ቋንቋ ስፐይን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ጉለርሞ ኦርቲዝ ብዛዕባ እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ኣመልኪቶም ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ነቲ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክሲኮ ልቢ ዘሟሙቕን ዘወዓውዕን ገርሄና እምነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ መክሲካውን ላቲን ኣመሪካውን ዘበራብር እንክብሉ ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 13 መጋቢት 2003 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ጳጳስን ሕዝብን ዝብሉ ቃላት ዘመዓራርይ ቲዮሎጊያ ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን ጳጳስ ሕዝቢ የድልዮ ሕዝቢ ድማ ጳጳስ የድልዮ ዝብሉ እዮም፣ ሕዝቢ ነዞም ሽታ ኣባጊዕ ዝምዕዙ መጋቤ ንምርኣይ ብሓቂ ደድሕሪኦም ነናብ ዝበጽሕዎ ከባቢ መክሲኮ ኣሰንይዎም እዩ። ጓሳኡ ከምዝዀነ ተለልዮ መጋቤ ህዝቡ ዘለልይ እዩ። ጓሳን መጓሰን ዘቀራርቡ ጓሳ።

ብእግዚኣብሔር ዝተለልዩ ሕዝቢ ዘድልዮ ር.ሊ.ጳ. ምዃኖም ምስ ሕዝቢ ዘካይድዎ ርክባትን ምዕዳኖምን ስብከታቶምን ዘመሓላልፍዎ ቃላትን የረጋግጸልካ፣ መክሲኮ ነዚ ትምስክር። ብፍላይ ኣብቲ ብድኽነት ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ከባብ ቻፓስ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ርክብ ምስ ቀዳሞት ተወለድቲ መክሲኮ ኣብቲ ከባቢ ዝረአይ ትሕትናን ምሕረትን ምቅርራብን ምድግጋፍን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት መለለዩ እምነቱ ዝገበረ ሕዝቢ፣ ቅዱስ ኣቦና ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔሪ ብዝብል ስም ከምዝገለጽዎ እዮም ቅዱስነቶም ድኻ ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት ዓይነት ቤተ ክርስቲያን ዝነብሩን ዘላልዩን እዮም።

ብዙሓት ነቶም ልቢ ዘሟሙቕ ገርሄይና እምነት ዘበራብሩ ቅዱስ ኣቦና ንምርኣይን ቃሎም ንምስማዕን ጸሓይ ርሕቐት ቁርን ጥምየትን ከይበለ እናሰዓበ ነናብ ዝበጽሕዎ ስፍራ ዝኽተሎም ዝነብረ ማእለያ ዘይብሉ ሕዝቢ፦ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቡዌኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል በርጐልዮ እንከለዉ “እቲ እኖ ቤተ ክርስቲያን እትኣምኖ ክትፈልጥ እንተድኣ ደሊኻ ናብ ናይ ቤት ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ተወከስ፣ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ከምእትኣምን ክትፈልጥ ምስ ትደሊ ግና ናብቲ ኣማኒ እሙን ሕዝቢ ተወከስ” ዝብልዎ ዝነበሩ ቃል ዝምስክር ሓዋርያዊ ምብጻሕን ርክብን እዩ ኔሩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.