2016-02-16 16:18:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቻፓስ


ዕለት 15 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኰ እቲ ኣዚዩ ብድኽነት ዝተጠቕዔ ቀዳሞት መበቆላዊ ደቂ ሃገር ዝነብርሉ ኣብ መክሲኮ ደቡባዊ ከባቢ ዝርከብ ክፍለ ሃገር ቻፓስ ብምኻድ ኣብ ከተማ ሳን ክሪስቶባል ደ ላስ ካሳስ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ምእመናን ዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም። ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ከተማ ሳን ክሪስቶባል ደ ላስ ካሳስ ምስ ኣተዉ ዜጋታት መበቆላዊ ቀዳሞት ተወልደቲ ዜጋታት ነቶም ኣቦ ድኽታት ፍትሕን ሰላም ማዕርነትን ዘነቓቕሑ ቢሎም ንዝገልጽዎም ድሙቕ ባህላዊ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎምን ዝሓበሩ ጓራሺ ኣስዕቦም ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፦ ናይ ዕለቱ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 19 ፍቕዲ 8 “ስርዓት እግዚኣብሔር ቅኑዕ እዩ፣ ንልቢ የሐጒስ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ንጹሕ እዩ ነዒንቲ የብርሄን” ሕግታትን ትእዛዛትን እግዚኣብሔር ሰሚዑ ኣብ ግብሪ ምውዓል መንፈስ ይሕድስን ጥበበይ ይገብርን ልቢ ብሓሴት ይመልእን የዕይንቲ የብርህን። እዚ ሕጊ’ዚ እዩ ሕዝቢ እስራኤል ካብ ሙሴ ዝተቐበሎ፣ ሕዝቢ እስራኤል ካብ መግዛእቲ ፈርዖንን ባርነትን ናጻ ዘውጽኦ ኣብ መገዲ ዘስንዮ ብርሃን ዓይኒ ኰይኑ ነጻነቱ ንኽነብር ዝድግፎ እዩ። ስቓይን ኣውያትን ሕዝበይ ረአኹ፣ ዝብል ናይቲ ሰቓይ ተኻፋሊ ኣቦ ዝዀነ እግዚኣብሔር ቃሉ ትእምርቲ ነጻነት ኰይኑ ንዝተበደለን ዝተዓመጸን ሕዝቢ ናብ ነጻነት ይመርሕ።

ናጽነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ድላይ እዩ፣ ካብ ባርነትን ዓመጽን ጭቆናን ናጻ ኰይንካ ኣብታ ቃል ዝተኣትወት መሬት ናይ ምንባር ድላይ ነባሪ እዩ። ዓመጽን ኢፍትሃውነት ዝሰዓረሉ ናጻ መሬት።

እዚ ድላይ ነጻነት’ዚ ድማ እግዚኣብሔር በቲ ሓደ ወዱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ወትሩ ኣባና የበራብሮን ብኣኡ ኣቢሉ ይመርሖን። ኣብ ኢየሱስ ናይቲ ኣብ ጐድንና ኰይኑ ብሓባር ምሳና ዝጓዓዝ ናይ እግዚኣብሔር ምትሕባር ንረክብ። ኣብኡ እቲ ፍጹም ዝዀነ ስጋ ዝለበሰ ሕጊ ሓቅን መገድን ሕይወትን ኰይኑ ናይ መደምደምታ ቃል ጸላም ዘይኰነ ወጋሕታ ሕይወት ምዃኑ የረጋግጸልና።

ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ድላይ ናጽነት ከሰንብድን ክዓብጥን ከጥፍእን ዝተፈላለየ ነፍሲ ዘደንዝዝ ናይ ብዙሓት መንእሰያትን ሕጻናትን ሕይወት ዘታኽስ ስርዓት ተራእዩ እዩ ሕጂ እውን ዝረአይ እዩ፣ ስለ እቲ እንርእዮ ግብረ እከይን ስለ እቲ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ እነስዕቦ መከራን ዝተሃበና ሓላፍነት ካብ ምኽባር እናቦኸርና ተፈጥሮኣዊ ትዕድልቲ ክንምዝምዝን ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ስርዓት’ዚ ድማ ድምጺ ፈጣሪ ብዓውታ ይስማዕ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ምዕ. 8 ፍቕዲ 22 ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ከም ዘስቆርቁርን ቅልውላው ከምዝሓዞን ንፈልጥ ኣሎና ዝብሎ እዩ። እዚ ድምጺ እግዚኣብሔር’ዚ ድማ ነቲ ብድሆ ምህዳር ዝምልከት እዩ፣ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ኣብ ታሪኽ ዘይተራእየ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ፊት ሱቕታ ክንመርጽ ዘይከኣል እዩ። ርኢና ከምዘይረኣና ክንከውን ዘይከኣል እዩ። ንስኻትኩም ቀዳሞት ደቂ ሃገር ኣብዚ መዳይ ኣተስተምህሩና ብዙሕ ነገር ኣለኵም ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፦ ነቶም ዜጋታት ዝርድኦም ዘይረኸቡን ክንጸሉን ተፈልዮም ንኽነብሩ ዝተገደዱ እንክብሉ ብምግላጽ፣ ብዙሓት ነቶም ቀዳሞት ተወለድቲ ባህሎምን ዘለዎምን ዝነብርዎን ክቡራት ዋጋታትን ትሑቲ ሰብ ቢሎም ዝገልጽዎምን እቲ ብስልጣንን ሃብቲ ናይ ንግድ ሕጊ ዘዓወረ ዓለም ናይቶም ደቀባት መሬት ቧሕጒይጉን ነቲ ከባቢ ዘለዎ ምህዳራዊ ጽባቔ ኣዕንዩ እዩ፣ ኩላትና ናይ ሕልና መርመራ እንተንገብር ክንደይ ምሓሸ፣ ይቕረ ግበሩልና በዲልናኩም ኢና ምባል እዩ ዘድሊ። ኣሕዋትና መሓሩና፣ እቲ በቲ ንኻልእ ከም ውዳቕ ዝሓስብን ዝንጽልን ባህሊ ጥራሕ ዝባኑ ንዝተርፍ ዘሎ ዓለም ተድልይዎ ኢኻትኩም፦

ዝዓነወን ዝተመዝመዘን ዝተዘርፈን መሬት

እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ነቲ ዝተፈላለየ ባህሊ ዝገልጾን ሃብትታት ባህሊ ዝተዓደለ ሓድሽ ወለዶ ካብቲ ሃብቲ ንምንጻልን ሓደ ዓይነት ቀለም ንምልካይ ንዝፍትን ዓለም ሓደራ ኢዶም ከይህቡ ናይ ኣቦታቶም ባህልን ዝሓለፉ ኣበው ዘመሓላለፍሎም ጥበብ ክዕቅቡ ሓደራ። እቲ ከባቢ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ጽቡቕን ማራኽን ብሃብቲ ተፈጥሮ ዝተዓደለ ከባቢ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና እታ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ምህዳር ዘማእከለት ዓዋዲት መልእኽቶም ጠቒሶም፣ እታ ሓብትና መሬት ነቲ ኣብ ልዕሌኣ እነውርዶ ማህሰይትን ግብረ እከይን እቲ እግዚኣብሔር ኣብኣ ዘንበሮ ሃብቲ ንምምዝማዝን ኣልቦ ሓላፍነት ብዝዀነ ግብሪታትና ምኽንያት ተቓውሞኣ ተስምዕ ኣላ። ክንምዝምዛ ሓላፍነት ዘሎና ገዛእታን ወነንታን ኢኻትኩም ብዝብል ኣተሓሳባ ዝዓበና ኢና፣ እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ዓመጸይናነት ብሓጢኣት ዝደመየ ኣብ ልዕሊ መሬትን ሃብቲ ማያትን ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን ሕያዋንን ዝተፈላለየ ሕማም የስዕብ ኣሎ፣ ምእንቲ’ዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ድኻታት ዝፍጸም ኣብ ገዛእ ርእሶም ብምሕዳግ ምዝመዛ ዝወርዶም ዜጋታት እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ልዕሊ መሬት እውን ዝፍጸም እዩ። ተፈጥሮ ሕማም ሕርሲ ከምእተተሓዘት ትቕንዘውን ትሳቐን ትነብዕን።

እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣዚዩ ብቕልውላው ምህዳር ዝተጠቕዔ እዩ

እቲ ቕልውላው ምህዳር ዝምልከተናን መንቀሊኡ ድማ ፍጡር ሰብ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝወረደ ዓመጽ ንኹላትና ዝትንክፈና ዓቢይ ሕቶ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ምህዳር ሱቕታ ክንመርጽ ዘይከኣለና እዩ። ካባኻትኩም ኣብዚ ኣብ መዳይ ምኽባር ፍጥረትን ተፈጥሮን ብዙሕ ኢና እንመሃር፣ ኣብ ምኽባር ተፈጥሮን ፍጥረትን ብዙሕ እትብሉና ኣለኩም፣ ኣብነት ኢኻትኩም። ከምቲ ናይ ላቲን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ዝበልዎ ምስ ተፈጥሮ ውሁድ ቅንይት ዘለኩም ኢኻትኩም ጥዑይ ርክብ ምስ ተፈጥሮ፣ መሬት ዓንጋሊትን ቤት ኩልናን ናይ ተኻፊልካ ምንባር መንበረ ታቦትን እያ።

ብናይ ደቀባት ቋንቋ ዝፍጸም ስርዓት ሊጡርጊያ ተፈላጥነት ክወሃቦ

ሕውነትን ምትሕብባርን ሰላምን ዝብሉ ቃላት ብቛንቋ ቀዳሞት ተወለድቲ ዜጋታት ደጋጊሞም ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ብቋንቋ ቀዳሞት ተወለድቲ ብዝጥቀምሉ ቋንቋ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴን ምጥቃም ቛንቋ ቀዳሞት ተወለድቲ  ኣብ ስርዓት ሊጡርጊያ ፍቑድ ዝብል ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዘረከቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጓራሺ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.