2016-02-16 16:08:00

ቅዱስ ኣቦና ርክብ ምስ ኢየሱሳውያን ካህናት


ዕለት 15 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ርእሰ ከተማ መክሲኰ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ሓዋራያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ መክሲኰ ምስ ዝርከቡ ሽድሽተ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ካህናት ከምእተራኸቡን ኵሉ ከምዝፈልጦ ቅዱስ ኣቦና ካህን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ከምዝነበሩ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሓቢሮም፦ እቲ ርክብ ኣብ መደብ ዘይነበረ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክድብ ናይቶም ኣብ 1927 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ብዝነበረ ጸረ ካህናትን ካቶሊካውያንን ርእየትን ተግባርን ዘተባብዕ ብዝነበረ መንግስቲ ፕሉታርኮ ኤሊያስ ካለስ ምኽንያት ዝተቐትሉ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝኸፈሉ ኣብ ጓዳሉፐ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ካህን ብፁዕ ሚገል ኣውጉስቲን ፕሮ ቅዱስ ትሩፋት ከምዝለገሱሎም ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.