2016-02-16 15:57:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ቤት ሕክምና ሕጻናት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመደብ ኣብ መክሲኮ ዘካይድዎ ዘለዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት መሰረት ዕለት 14 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ መክሲኮ ኣብ ዝርከብ ፈደሪኮ ጐመዝ ቤት ሕክምና ሕጻናት በጺሖም ብናይቲ ቤት ሕክምና ኣመሓዳርን ገበርቲ ሰናይ ቤት ሕክምና ሕጻናትን በቶም ቤት ሕክምና ክንክን ጥዕና ዝወሃቦም ሕሙማን ሕጻናት ኣባይቲ ስድራኦምን ኣብቲ ናይቲ ቤት ሕክምና ኸሱስ ኩማተ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንኹሎም ሕጻናት ሰላም ቢሎም ምስ ኣብቅዑ፦

ንዝተገብረሎም ኣቀባብላን ዝተገልጸሎም ፍቕርን ነቶም ህሙማን ሕጻናት ዝኣልዩ ሰብ ሙያ ሕክምናን ድማ ስለ እቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ልዑል ኣገልግሎት ኣመስጊኖም ግቡእ ክንክን ጥዕና ከምዝወሃበካን ከም እተፈቐርካ ክስምዓካ ክንደይ ባህ የብል፣ ነቶም ሕጻናት ዝኸናኸኑ ብሓቂ ብልቢ የመስግን ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ቡራኬ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ሕጻንን ኣብ ልዕሊ እቶም ናይቲ ቤት ሕክምና ኣባላት ክንክን ጥዕናን ወለዲ ህሙማንን ገበርቲ ሰናይን እምሕጸን፣ እግዚኣብሔር ይባርኽኩም  ከምእተፈቐርካን ብፍቕሪ ዝተሰነየ ሕክምና ንገዛእ ርእሱ ፈውሲ እዩ። ሰለዚህ እቲ ዝወሃብ ክንክን ጥዕና ኣዕጋቢ ውጽኢት ዝህልዎ ብፍቕርን ሓልዮትን ዝተሰነየ ምስ ዝኸውን እዩ፣ ምስ በሉ እቶም ህሙማን ሕጻናት ዓይኖም ሰም ከብሉን ኣልባቦም ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ክኸፍቱ ሓቲቶም ኣደ ኣላትና ወዳ ኢየሱስ ክተቕርበልና ንለምና፣ ኣብዛ ሰዓታ እዚኣ እቲ ልብና ዝምነዮን ኣብ ልብና ዘሎ ሕቶ ንኣኣ ነቕርብ ቢሎም ናይ ጽሞና ጸሎት ምስ ፈጸሙ ንኹሎም ሓዋርያዊ ቡርኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኰ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.