2016-02-13 20:41:00

፬ ሰንበት ዘአስተርእዮ የካቲት 6 2008 ዓ.ም. (2/14/2016)


ንባባት፡ ፩ቆሮ 15፡1-11፥ 1ጴጥ 2፡11-16፥ ግ.ሓ. 3፡17-ፍ፥ ሉቃስ 5፡1-11  ምስባክ፡“እግዚአብሔር ስቡሕ በምክረ ቅዱሳን፥ ዓቢይ ወግሩም ዲበ ኩሎሙ እለ ይዓውዱ፥ እግዚኦ አምላከ ኃያላን መኑ ከማከ”።  መዝ. “ቅድመና ዝነበሩ ምጽአቱ ልደቱ ጥምቀቱ ግልጸቱ ነጊሮምና፥ መልአኽ ንማርያም አበሰራ ከምዚ ኸአ በላ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ፥ ጊዜ ምውላዳ ኸአ በጽሐ፥ ዮሓንስ አጠሚቕዎ ግን ብዛዕባ መለኮቱ ክሓቶ አይከአለን፥ ስምዖን አብ ሕቕፉ ተቐቢልዎ አብ ሕልናኡ ንሱ የማናዩን አመኻሪኡን ነቦ ክደኅነና ከም ዝመጸ ገለጸ”።

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ኩልና ቃል አምላኽ ክንሰብኽ ጽዉዓት ከም ዝኾና እዩ ዝገልጸልና። ብቀንዱ ተፈጥሮና ብአርአያን አምሳል ምፍጣርና ከም አምላኽ መሲልና ክነብር እዩ ዓላማ ተፈጥሮና። ንአና ዝረአየ ንአምላኽ ክርኢ ንአና ዝሰምዐ ቃል አምላኽ ክሰምዕ እዩ ድላይ አምላኽ። እንተኾነ ኃጢአት አብ ዓለም ምስ አተወ መልክዕና ቀይርና ዘይናትና መሲልና ክንቀርብ እንኽእል ኮና በዚ ኸአ ነቲ ሓቀኛ መልክዕና ክንመስል ጻዕሪ አድልዩና። ክርስቶስ ብሞቱ ንዘጥፋእናዮ ጸጋ መሊሱ ደቂ ድሕነት ገሩና ግን ስንብራት ኃጢአት ስለ ዘይሓደገና ምስ ዘይናትና ዝኾነ አብ ጉዕዞ ሕይወት ዝጓነፈና ክንረባረብ ጻዕሪ የድልየና። ሓቀኛ መልክዕእና ክንመስል አብ አምላኽ ክንቀርብ አሎና።

አብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ንፉዓት መዘምራን ዝነበርዎ ሓደ ጸገም አጋጢምዎም። ሓደ ካብቶም መዘምራን ሕማቕ ድምጺ ነርዎ ብዙሕ ጊዜ እኳ ቀስ ኢሉ ክዝምር እንተ ተሓተ ዓው ስለ ዝብል እቶም መዘምራን ይዘረጎም እሞ የንጸርጹሩ ነሮም። ብዙሓት እዚ ሰብ ከቋርጽ አለዎ ክነዝይም አይ ከአልናን እናበሉ ክሓቱ ጀሚሮም ገለ ኸአ ዕድል ይወሃቦ ክመሓየሽ ይኽእል እዩ ይብሉ ነበሩ ሓላፊኦም ግን አብ ቆመስ ከይዱ ነዚ ሰብ ቀስ ኢልኩም አረድእዎ ምሳና ክዝምር አይክእልን እዩ ድምጹ ምሳና አይሰማምዕን እዩ እናበለ ጥርዓኑ አቕሪቡ። አባቴ ቀስ ኢሎም ነቲ ሰብ ጸዊዖም ካብ መዘምራን አንተ አቋረጽካ ዝሓሸ እዩ ኢሎም፥ ንሱ ኽአ ስለምንታይ እናበለ ሓተቶም አባቴ ኸአ ሰለስተ አርባዕተ ሰባት መዝሙር ክትገብር አይትኽእልን ኢኻ ድምጽኻ ሕማቕ እዩ ብሰንክኻ ክሰማምዑ ይኽእሉ የለዉን ስለዚ እንተ አቋረጽካ ይሓይሽ ኢሎም። እቲ ሰብ እዚ ሓንቲ አይኮነን አባቴ አርብዓ ሓምሳ ዝኾኑ ንስኹም ስብከት ከምዘይትኽእሉ ነጊሮምኒ ኢልዎም ይብሃል። ናይ ሎሚ ንባባትና አምላኽ ከመይ ገሩ በቶም አብ ቅድሚ ሰብ ሓንቲ ክገብሩ ዘይክእሉ ዝብሃሉ ከምዝዓዩን ከም ከምዝገብርን ይነግሩና።

መጸዋዕታ ሙሴ፥ ኢሳያስ ነብይ፥ ኤርምያስ ነብይ፥ ሓዋርያ ጳውሎስን ጴጥሮስን ካልኦት ሓዋርያትን እንተ ረአና ኵሎም አብ ቅድሚ አምላኽ ከምዘለዉ ምስ ፈለጡ ከከም ዝተሰምዖም ከምኡ ንመጸዋዕታኡ ዘይብቍዓት ከም ዝኾኑ ክርእዩ ከምዝኽአሉ ንርኢ። አብ ኢሳ 6፡1-8 ዘሎ እንተ አንበብና “ኸናፍረይ ዝረኸሰ ኃጥእ ሰብ እየ፥ አብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ኃጥእ ሕዝቢ ኸአ እነብር አሎኹ እሞ ወይለይ። ንንጉሥ ንእግዚአብሔር ጎይታ ሠራዊት በዕይንተይ ርእየዮ እየ እሞ ጠፋእኩ በልኩ” ዝብል ነንብብ። ቅ. ጳውሎስ ንቤተ ክርስትያን ስለ ዘሳደደ ሓዋርያ ክብሃል አይግብአንን እዩ (1ቆሮ 15፡9) ይብል። ጴጥሮስ ኢየሱስ ዝገበሮ ምስ ረአየ አብ እግሩ ተደፊኡ “ጎይታይ አነ ኃጢእ ሰብ እየ እሞ ካባይ ርሓቕ በሎ” (ሉቃ 5፡8)። አብ ቅድሚ አምላክ ክንቀውም ብቑዓት ከምዘይ ኮና ዝገልጽ መጀመርያ ስምዒት እንተ አርአና ነፍስና ንአምላኽ ክትርኢ ጀሚራ ከም ዘላ ዝሕብር ሰናይ ምልክት እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ትሕትና ቀንድን ዝበለጸት ጸጋ አብ ሓቀኛ መንፈስውነት ከም ዝኾነት ዝግለጽ። ንርእስና ጥዑያት ቅኑዓት ገርና ክንርኢ እንከሎና ወይ እውን ክእለት ዘሎና ብቝዓት ገርና ክንርኢ ከሎና ግን ምልክት ንአምላኽ ክንርኢ ወይ ክንፈልጥ ከም ዘይጀመርና ዝገልጽ እዩ። አብ ርእስና ጥራሕ ተሓጺርና ንአምላኽ ክንርኢ ዓይንና ጸልሚቱ አሎ ማለት እዩ። ንአምላኽ ክንርኢ መጀመርያ ድኽመትና ክንርኢ ካብኡ ዕብየት አምላኽ ክንርኢ ክንክእል እንከሎና ጥራሕ እዩ።

ነፍስና ኃጢአታ ክትናዘዝ እንከላን አብ ቅድሚ አምላኽ ክትቀርብ ብቕዓት ከምዘይብላ ክተለሊ እንከላ ሽዑ አብ አምላኽ ቀሪባ ከም ዘላ ዘረጋግጽ ምልክት እዩ። እግዚአብሔር ነዚ ተበግሶ ርእዩ ነቲ ንኃጢአተኛ ሰብ ይቐርቦ እሞ ካብ ኃጢአቱ አንጺሑ አብ አገልግሎቱ ከም ዝወፍር ይገብሮ። አብ ናይ ኢሳያስ ነብይ እንተ ረአና “ካብቶም ሡራፌል ሓደ ብጓህሪ ኻብቲ መሠውዒ ብጕጤት ወሲዱ አፉ ምስ ተንከዮ “እንሆ እዚ ንኸናፍርካ ተንከዮ አበሳኻ ረሓቐልካ ኃጢአትካውን ጸረየልካ” (ኢሳ 6፡7) ክብሎ ንርኢ። አብ ናይ ጴጥሮስ እንተ ረአና “አይትፍራህ ካብ ሕጂ ንድኃር ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ” (ሉቃ 5፡10) ይብሎ። አብዚ እንርእዮ ሥራሕ አምላኽ ክዓዩ ዘብቅዖም ካብ ርእሶም ዘይኮነ ካብ አምላኽ ምዃኑ እዩ። ናይ ርእሶም ተግባር ዘይኮነ ጸጋ አምላኽ እዩ እቲ ኮይኖም ዘለዉ ከም ዝኾኑ ገርዎም ዘሎ። በዚ ምኽንያት እዩ ቅ. ጳውሎስ “እቲ ኮይነዮ ዘሎኹ ግና ብጸጋ አምላኽ እየ ኾይነዮ ዘሎኹ፥ እቲ ንአይ ዝሃበኒ ጸጋ ኸአ ኮንቱ አይኮነን፥ እኳ ደአ ኃለፋ ኹላቶም ጸዓርኩ። እንተኾነ እቲ አባይ ኃዲሩ ዘሎ ጸጋ አምላኽ እዩ እምበር አነ አይ ኮንኩን” (1ቆሮ 15፡10) ዝብል።

አብ ኵሎም አብ ዕዮ አምላኽ ዝወፍሩ አብ ቅድሚ አምላኽ ዘይብቝዓት ምዃኖም ሓቂ እኳ ይኹን እምበር ኲንኡ አብ ኩሎም ዝርአ ሓባራዊ ዝኾነ ነገር አሎ፥ ንሱ ኽአ ንድላይ አምላኽ ክትገብር ከም እትኽእልን ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ወይ ዝሕብሮ ክትምራሕ ፍቓደኛ ምዃንን። ኢሳያስ ተቐላጢፉ ንድምጺ አምላኽ ምስ ሰምዐ “ንመን ክልእኽ መንከ ክኸደልና እዩ ‘ክብል ከሎ ሰማዕኩ አነውን እኔኹ ልአኸኒ በልኩ” (ኢሳ 6፡8) ይብል። ጴጥሮስን ብጾቱን ነቲ ኩሉ ዝኾነ ምስ ረአዩ “ንሳቶም ከአ ጃላብኦም ናብ ምድሪ አውጺኦም ንዅሉ ኃዲጎም ስዓብዎ” (ሉቃስ 5፡11) ዝብል ነንብብ። ጳውሎስ እውን ብምሉእ ልቡን ኃይሉን አብ ሥራሕ አምላኽ ተጸሚዱ ልዕሊ ኩሎም ከም ዝዓየየ ይምስክር እዚ ኸአ ብጻጋ አምላኽ ከምዝኾነ ክገልጽ እንከሎ “እቲ አባይ ኃዲሩ ዘሎ ጸጋ አምላኽ እዩ እምበር አነ አይኮንኩን” (1ቆሮ 15፡10) ይብል። ግዳማዊ ጠባይ ብቃላት ጥራሕ ዝተሰነየ ትሕትና ወይ ብቝዕ አይኮንኩንኩን ዝብል አብ ሥራሕ አምላኽ ክም ንጽመድ አይገብረናን እዩ። አብ ሕይወትና ንአምላኽ ክንልአኽ ፍቓደኛታት ከምዝኾናን ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ገርና ክንሰብኽን ክንምስክር ምዃና ዝገልጽ ብግብሪ ክነርኢ የድሊ። ባህግን ትምኒትን እዅል አይኮነን። ኵሉ ሕይወትና ንአምላኽ ክንልአኽን ክንሰምዕን ክፉት ክንገብሮ እንከሎና አምላኽ ጸግኡ ሂቡ ይልእኸና። 

አምላኽ ንዝህበና መምርሕን ምልክትን ክንክተል ከሎና ንአእምሮና ዘብርሆን ንቅንዕናን ሓቅን ከም ዝቕበልን ዝርእን ይገብሮ። እዚ እዩ አብ ጴጥሮስ ነቲ አብ ምግፋፍ ዓሣ ዘረአዮ ተአምራት ክርኢ ዘኽአሎ። ንሱን ብጾቱን ለይቲ ምሉእ ክገፉ ሓዲሮም ግን ወላ ሓደ አይሓዙን፥ አብ ገዛእ ርእሶም አብ ዝነበሮም ተመክሮ ምግፋፍን አበይን ከመይን ብዝብል ብምሕሳብ ሰክዐቶም ተአማሚኖም ይዝርግሑ ነሮም። ውጽኢት ሥርሖም ብሓንቲ ቃል ፍሽለት እዩ ነሩ። ናይ ኢየሱስ መምርሒ ምስ ሰምዑን ምስ ተኸተሉን ብናይ ሰብ ርድኢት ዘይ ከውን ነገር ዝመስል ውጽኢቱ ግን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክሕዙ ክኢሎም።

አብ ጉዕዞ ሕይወትና ወላ እኳ ብርድኢትናን ዓቕምናን ክንበጽሖ አይክአል እምበር ጉዳይ አምላኽ ክኸውን እንከሎ ሕራይ ኢልካ ምግባር በረኸት ጸጋ እዩ ዘብዝሓልና። ክርድአና አይክእልን ይኸውን አምላኽ ባዕሉ ስለ ዝኾነ ዋንኡ ክንገብሮ ክንሰምዕ እዩ ዝግብአና። እሞ ሎሚ አምላኽ ንሱ ዝብሎ ክሰምዕ ክእዘዞ ዝደልየኒ እንታይ አሎኒ ኢልና ክንሰምዖን ትእዛዙ አብ ግብሪ ክነውዕል ፍቓደኛታት ንኹን። 

ሎሚ ከም ቀደም እቲ ሕያዋይ አምላኽ ዝሓቶ ሕቶ አለዎ። “ንመን ክልእኽ እየ፥ መንከ ክኸደልና እዩ” ይብል አሎ። አምላኽ ዝልአኽዎ ደቂ ተብዕትንዮን ደቂ አንስትዮን ከም ኢሳያስ አብ ቤተ መቕደስ ሰናይ ዜና ዘበስሩ፥ ፍቕሪ አምላኽ ዝነግሩ፥ ከም ጳውሎስ አብ ዓዲ ጓና ክሳብ መጭረሻ ዓለም ዝሰብኩ፥ ከም ጴጥሮስ አብ ስርሖም ከለዉ ምስ መሳርሕቶምን መሻርኽቶምን ኮይኖም ግብሪ አምላኽ ርእዮም ሰሚዖምን ዝምስክሩ ይደሊ አሎ። ምናልባት ልኡኽ አምላኽ ክኸውን ብቝዕ አይ ኮንኩን ዝብል መንፈስ እንተ አሎኩም አስተውዕሉ አምላኽ ነቶም ትሑታትን ብዙሕ አፍልጦ ዘይብሎም እዩ መጋበሪ ዝገብር። አብዚ ብዙሕ አብነት ክህልወና ይኽእል ሙሴ ማንም ሰብ ጓሳ ዝነበረ ንእስራኤል ካብ ባርነት ከውጽእ ልኢኽዎ፥ ንዳዊት ካብ ኩሎም አሕዋቱ መሪጹ ዝዓበየ መራሕ ህዝቡ ገርዎ፥ ንኤርምያስ ነብይ ብንእሱ ነቢ ኮይኑ ክልአኾ ጸዊዕዎ። ንሳሙኤል ንእሽቶይ እንከሎ ንአገልግሎት ሓርይዎ፥. . . ንማርያም አደ ወዱ ክትከውን መሪጽዋ፥ ንሓዋርያት መብዝሕትኦም ትሑት ናብራን አብ ሕብረተ ሰብ ሓንቲ ቦታ ዘይነበሮም ንዝልዓለ ተልእኮኡ ክቕጽሉ መሪጽዎም፥ ድሕሪኦም በበእዋኑ ንቤተ ክርስትያኑ ዝመርሑን ዘገልግሉን መሪጹን ይመርጽ አሎ። ነፍስወከፍና እውን መሪጹና እዩ በበቲ ዘሎናዮ ሕይወት ክነገልግሎ ክንልአኾ ሓርዩና እዩ።

አምላኽ ካብ ነፍሲ ወከፍና ሓንቲ ነገር ጥራሕ እዩ ዝደልሊ “እነኹ ልአኸኒ ጎይታይ”፡ ክንብሎ ዝተረፈ ባዕሉ እዩ ዝዓዮ፥ ዓቕሚ የብለይን ክገብሮ አይ ክእልን እየ ዝብል አብ መጸዋዕታ አምላኽ ቦታ የብሉን፥ ከምቲ ምስ ኢሳያስ ምስ ጳውሎስን ጴጥሮስን ዝገበሮ ምስ ነፍሲ ወከፍና እውን ክገብሮ እዩ።

ኢየሱስ ንጴጥሮስ “አይትፍራ” ኢልዎ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ አይትፍራህ ትብል ቃል 365 ጊዜ ተደጋጊማ ንረኽባ። ሓደ እዋን ሓደ ከም ዝበሎ “አምላኽ አባኻ መጺኡ እሞ ከምዚ እንተ ዝብለካ ‘አይትፍራህ’፥ ክትስከፍ ጀምር ምኽንያቱ ንሓደ ዓቢ ተልእኮ ተመሪጽካ ከም ዘሎኻ ምልክት እዩ። እቲ ጽቡቕ ነገር ናይ “አይትፍራህ” ዝብል አምላኽ ኃጢአተኛታት እንከሎና ክልእከና መሳርሕቱ ክንከውን ከም ዝደልን እዩ። ንሱ ደጋጊሙ ዝብለና “አይትፍራህ፥ ተነሳሕ” እዩ ዝብለና፥ እወ ሕጉስ እየ ነዚ ተልእኮ እዚ ክልእከካ/ኪ እዩ ዝብለና።

ኵልና ልኡኻት አምላኽ ኢና ክንብል እንከሎና ብፍሉይ ጸጋ አምላኽ ንድላይ አምላኽ አብ አህዛብን አብ ቦታታትን ክነብጽሕ ልኡኻት ኢና ሽዑ እታ ዝበጻሕናያ ክፍሊ ዓለም ዝበለጸት ቦታ ትኸውን። ኢሳያስ ጳውሎስን ጴጥሮስን ልኡኻት አምላኽ እዮም ነሮም። ንሕና እውን ከምኦም ልኡኻት ኢና ስለዚ ኩሉ ጊዜ ክንልአኽ ስንድዋት ኮና ንጽናሕ። ምናልባት አብ ኻልእ ዘይንፈልጦ ዓዲ ጥራሕ ከምዝልእከና ገርና ክንሓስብ የብልናን። አብ ዘሎናዮ ቦታን ህዝብን ክልእከና ይኽእል እዩ ንአብነት ብኡሳት ክንዓርቕ፥ ጽጉማት ክንሕግዝ፥ አብ ምምሃር ትምህርቲ ክርስቶስ ተጊህና ክንሰርሕ፥ ክንጽሊ፥ አብ ስራሕና ጽቡቕ አብነት ክንህብ፥ ንሰባት ሰናይ ክንመክር. . . .  እንልአኾ ግራት አምላኽ ሰፍሕ እዩ።

ዝኾነ ሰብ ምስ አምላኽ ክራኸብ እንከሎ ኩሉ ጊዜ ዘይብቑዕ ምዃን ስምዒት እዩ መጀመርያ ዝመጽኦ ብወገን እቲ ሰብ። ሙሴ አብቲ ዝነድድ ዝነበረ ቍጥቋጥ ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎ። ኢሳያስ ጳውሎስ ጴጥሮስ ኩሎም እዚ እዩ ተሰሚዕዎም። ስለምንታይ እዩ እዚ እንተ በለና ኵሉ ጊዜ ምስ አምላኽ/መለኮት ክንራኸብ ከሎና ነቲ ዓቢ ህያብ ግልጸት አምላኽ ስለ እንርኢ ኵሉ ተርእዮና ርድኢትና ስለ ዝቕየር ንዕብየት አምላኽን ኩነትና ስለ እነወዳድር ኢሚንት ከም ዝኾና ንርኢ፥ ግን ነቲ አምላኽ ዝህበና ስለ እንርኢ ኸአ ሕራይ ንብል። መጠን አብ አምላኽ ዝቐረብናሉ መጠኑ ማዕረ ክንደይ ድኹማት ከም ዝኾና ኢና እንርኢ ሽዑ ብኹሉ አብ አምላኽ ንጽጋዕ። ልኡኽ አምላኽ ዝዕወት ኩሉ ነገሩ አብ አምላኽ ገሩ እንተ ኸአለ ጥራሕ እዩ።

አነ ሎሚ መልእኽቲ መን እየ ዘብጽሕ ዘሎኹ ኢልና ንርእስና ክንርኢ አሎና። ብዙሕ ጊዜ ልኡኻት ከማና ሰባት፥ ልኡኻት ሰይጣን፥ ልኡኻት ሓደ “ስነ ሕሳብ”፥ ልኡኻት ስምኢትና ጥራሕ ኮና ንነብር ሽዑ ብቐትሩ እንከሎ አብ ጸላም ንነብር። እሞ ሎሚ አብ ዓዳል ብርሃን ዝኾነ አምላኽና ንመለስ፥ ብርሃንካን ጸጋኻን ሃበኒ ክልአኸካ ንበሎ።

ብጸግኡ እሙናት ልኡኻቱ ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

     








All the contents on this site are copyrighted ©.