2016-02-13 16:23:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪልን ናይ ሓባር ዘተ ዘወንጭፍ እዩ


ኣብ ኢጣሊያ ሞደና ከተማ ናይ ኩሎም ቅዱሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ጆርጅ አርተሊ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ርክብ ኣማኣኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ይብሉ እቲ ርክብ ናይ ብዙሕ ዘመናት ትጽቢት እዩ፣ ስለዚህ ክኸውን እዩ ካብ ምባል ኣይክኸውንን እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ምእማኑ ቀሊሉ ዘምስል ዝነብረ ኩነት ተለዊጡ፣ እነሆ ኣብቲ ክፍጸመሉ ዝኸኣለ ሰዓት ምስ ተበጽሔ ኣብ ሃቫና ተረጋጊጹ። ስለምታይ ኣብዚ እዋን’ዚ ከምእተፈጸመ ድማ እቲ ርትዓዊ ምኽንያቱ ናይ ሰብ ዘይኰነስ ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ እዩ። እግዚኣብሔር ምኽንያት ኣለዎ።

ኣብ ሩሲያ ካብታ ናይ ሞስኮ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈልየት ናጻ ሩሲያዊት ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ምስ ኣትጽዋዕ እቶም ዕለት 5 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ኣለሲዮስ ካልኣይ ተዓሪቖም እዮም ኰይኑ ግና ናብቲ ዝድለ ውህደት ገና ኣይተበጽሐን እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ንውህደት ዝኣመተ ናይ ሓበር ዘተ ኣብ ውሽጥ ኦርቶዲክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ክበራታዕ ገይሩ እዩ።

ኣብ ኡክራይን ዘሎ ግሪካውን ካቶሊካውን ሕቶ ገና መዕለቢ ኣይረኸበን ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ንገዛ እርሱ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ዘተ ዓቢይ ሕቶ እዩ፣ እቲ ውህደት ዝደልዮን ዘይደልዮን ኣሎ፣ ኣብ ኢጣሊያ ልዕሊ 50 ዝዀና ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ብዝሕ ኣገልግሎት ዘይህብ ዝነበረ ንናይ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍቓድ ቅድስቲ መንበር ተወፍዩ እዩ። ኣብ ኢጣሊያ ዝቕመጡ ዜጋታት ሮማኒያ ናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ሰዓብቲ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ዝርከብሉ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን መታን ክህልዎ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልዕሊ 150 ኣቢያተ ክርስቲያን ተለጊስሉ እዩ። እዚ ኹሉ ነቲ ንናይ ሓባር ርክብ ዓቢይ ድጋፍ ኣለዎ።

ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ገና ሜጥሮፖሊታ እንከለዉ ኣብ ኩባ ንናይ ሞስኮን ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ካብታ ኣብ ኩባ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተውሃባ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃቫና ተረኺቦም ባሪዀም እዮም፣ ካብ ሩሲያ ወጻኢ ብዙሓት ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቁምስናታት ይኽፈት ኣሎ። ሕገ ቀኖናዊ ሉኣላዊ ግዝኣተይ ናተይ ናታትክ ዝብል ዝነበረ ንምፍልላይ ዝድርኽ ዝነበረ ሓሳብ እናተመሓየሸ ይኸይድ ኣሎ።

ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ በርተጠለዎስ ቀዳማይ ክምኡ እውን ንናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓስቡ ኣለዉ። ብርግጽ ሓዲኦም እውን እንተዀነ ር.ሊ.ጳ. ኣይኰነን፣ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሞውስ ቀዳማይ ሓደ ካብቶም ቀዳሜ እዮም፣ ኰይኑ ግና ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ካብ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለምዎስ ቀዳማይ ንላዕሊ ብዝሒ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመን ዘለዎም እዮም፣ ስለዚህ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዘተ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ግደ ኣለዋ ምስ በሉ እቲ ንኽካየድ ተወሲኖ ዘሎ ናይ መላእ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብዙሕ ለውጢ ከምጽእን ገና መፍትሒ ዘይተረኽበሎም ውሽጣዊ ድዩ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ዝምልከቱ ጉዳያት ከመሓይሽ እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.