2016-02-13 19:20:00

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ላቲን አመሪካ አብ መክሲኮ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ላቲን አመሪካ አብ መክሲኮ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ ትማሊ ዓርቢ ካብቫቲካን ከም ዝነቀሉ ይፍለጥ። ካብ ሮማ ለኦንርዶ ዳ ቪንቺ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ክነቅሉ እንከለዉ ናይ ፖሮ ሳንታ ሩፊና ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ጂኖ ረአሊን ላዕሎዎት ሰበስልጣናት ቤተ ክህነትን አፋንዮምዎም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድሚ ንመክሲኮ ምኻዶም አብ ደሴት ኩባ ኾሰ ማርቲ መዕረፍ ነፈርቲ ከምዝወረዱን ናይታ ደሴት መራሕ መንግስቲ ራውል ካስትሮ አብ ኩባ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ብጹዕ አቡነ ጆርጆ ሊንጓ ናይ ሳን ክሪስቶባል ደላ ሃቫና ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ካርዲናል ኻይመ ኦርተጋ ኢ አላሚኖ፡ማይሳንትያጎ ደ ኩባ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ዲዮኒስዮ ጋርሲያ ኢባነጽ ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎምዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ንመክሲኮ ምኻዶም አብ ደሴት ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ጠጠው ዝብሉሉ ምኽንያት ምስቶም ኩባ ዝበጽሑ ዘለዉ ናይ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ምስ ብጹዕ ወቅዱስ ክሪል ንምርኻብ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

በቲ ሐዋርያዊ ምብጻሕ መክሲኮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝወጸ መርሀ መደብ መሠረት 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ኾሰ ማርቲ ሀቫና ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ምስ ወረዱ ናይ ኩባ መራሕ መንግስቲፕረሲዳንት ራውል ካስትሮ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ አብኡ ዝርከብ መቀበል አጋይሽ አብጺሖምም፡ አብኡ ክአምስ ብጹዕ ወቅዱስ ክሪል ተራኺቦም ንክልተ ሰዓታት ብብሕቲ ብአስተርጎምቲ ተመያይጦም። 

ናይ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን ፓትርያርክ ክራኸቡ እዚ ናይ መጀመርያ ግዜ ከም ዝኽነ ይፍለጥ ።

ስለ ዝኾነ ክአ እዚ ትማሊአብ ደሴት ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ኾሰ ማርቲ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ አብ ሞንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ብጹዕ ወቅዱስ ክሪል ፓትርያርን ሞስኮን ዝተኻየደ ርክብ ታሪካዊ ርክብ ኢዩ ኔሩ። 

አብቲ አብ ሞንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ሃይማኖት ዝተኻየደ ርክብ ብወገን ቅድስቲ መንበር ንሐልዮ ሕድነትክርስትያን ዝቆመ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ 

ብወገን ፕትርክና ሞስኮ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዋና ሐላፊ ሜትሮጶሊጣን ሂላርዮን ተረኺቦም ኔሮም። ድሕሪ”ቲ ርክብ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብጹዕ ወቅዱስ ክሪልን ናይ ሐባር መግለጺ ሂቦም አብቲ ናይ ሐባር መግለጺ ክአክታሞም አቀሚጦምሉ ቅዳሕ ክአ መግለጺን ገጸ በረከትን ተለዋዊጦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብጹዕ ወቅዱስ ክሪልን ድሕሪ”ቲ ዝሀብዎ ናይ ሐባር መግለጺ ተሐቃቂፎም ተሰዓዒሞም ብምርኻቦም ዝተሰምዖም ዓቢ ሐጎስ ክአ ገሊጾም።

አብ ቅድስቲ መንበር ንሐላዮ ሐድነት ክርስትያን ዝቆመ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ነቲርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ፓትርያርክ ክሪልን ዘካየድዎ ርክብ አመልኪቶም አብ ዝሀብዎ ርእይቶ እቲ ርክብ ታሪኻዊ አብ ልዕሊ ምኳኑ ንሐድነት ክርስትያን ዓቢ ዝላ ንቅድሚት ከም ዝኾነ ጠቂሶም እዚ ርክብ”ዚ ምእንቲ ገሀድ ክኸውን ንዓመታት ዲፕሎምሲያዊ ጸዓት ከም ዝተኻየደ አገንዚቦም። 

እነሆ እቲ ርክብ ክአ ብሐልዮን ጸጋን እግዚአብሔር ተረኺቡን ተካይዱን ክብሉ መግለጺ ሂቦም።እዚ ትማሊ አብደሴት ኩባ ርእሰ ከተማ ሀቫና አብ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ኾሰ ማርቲ አብ ሞንጎ ናይ ቅድስቲ ካቶሊካዊትቤተ ክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ፓትርያርክ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን ዝተኻየደ ርክብ ስለምንታይአብ ኤውሮጳ ዘይተኻየደ ዝብል ሕቶ ከም ዘስዓበ ክምልከት ከሎ ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ነዚ ክምልሱ እንከለዉ ቅድሚ ሎሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ቱርኪ ቁስጢንጢንያ በጺሖም ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ክምለሱ እንከለዉ ፓትርያርክ ክሪልአብ ዝደለይዎ ግዜን ቦታን ምስኦም ክራኸብ ስንዱው ኢየ ኢሎም ገሊጾም ከም ዝነበሩ አዘኻኺሮም በዚ መሠረት ከም ዝተኻየደ አገንዚቦም።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ፓትርያርክ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ክሪልን  ናይ  ሐባር መግለጺ ትሕዝቶ፡

“ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ናይ ሞስኮን መላእ ሩስያን ፓትርያርክ ቄርሎስን ሓባራዊ መግለጺ

“ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።” (2ቆሮ 13፡13)

ብፍቃድ እቲ ኩሉ ሠናይ ካባኡ ዝመጽእ እግዚአብሔር አቦን ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብረድኤት መጸናን ዒና ዝኾነ መንፈስ ቅዱስን ንሕና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ናይ ሞስኮን መላእ ሩስያን ፓትርያርክ ቄርሎስን ሎሚ አብ ሃቫና ተራኺብና፣ ነዚ አብ ታሪኽ ቀዳማይ ዝኾነ ርክብና ክውን ንዝገበረ ብቅድስት ሥላሴ ንዝኸበረ እግዚአብሔር ነመስግን፣ ከምቲ ቃል አምላኽ ዝብሎ “ኣፍ ንኣፍ ንክንዘራረብ” (2ዮሓ 12) ልቢ ንልቢ ንክንወሃሃብ አብ መንጎ አብያተ ክርስትያናትና ዘሎ ጉዳያትን መሠረታዊ ግድላት አመንትናን ከማኡ እውን አብ ም ዕባሌ ዘመደ አዳም ዝረኤ ጠመተ ንምዝታይ ከም ናይ እምነት አኅዋት ብ ዓቢ ታሕጓስ ተራኺብና፣
እዚ ሕውነታዊ ርክብና አብታ መራኽቦ ሰሜንን ደቡብን ምብራቅን ም ዕራብን ዝኾነት ሃገረ ክዩባ እዩ፣ ካብዛ ደሴት እዚአኸስ ምልክት ተስፋ ናይ “ሓዲስ ዓለምን” ናይ መበል ዕሥራ ክፍለዘመን ዘስካሕክሑ ፍጻሜት ታሪኽን ቃልና ናብ መላእ ሕዝቢ ደቡብ አመሪካን ካልኦት አህጉርን ነስምዕ አሎና፣ አብዚ ቦታዚ ሃይማኖት ክርስትና ብውዕውዕ መንፈስ ብምህላው ሓጎስና ዓቢ እዩ፣ ናይዚ ዞባዚ መጻኢ ዓቢ ውሕስነት እቲ ብሚልዮናት ዝቍጸሩ ሰባት ዝቀሰምዎ ተመኵሮ እምነትን ድልዱል ባህሊ ክርስትናን ከም ዓቢ ተኽእሎ ሃይማኖት ደቡብ አመሪካ እዩ፣
ካብቲ ናይ “ብሉይ ዓለም” ምስሕሓብ ሰጊርና እንክንራኸብ “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን” (1ጴጥ 3፡15) ተባሂልና ዝተጻዋዕና ስለዝኾና አብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ብሓባር ክንሰርሕ ፍሉይ ሓይሊ ከምዘድሊ ንግንዘብ፣
ካብቲ ንእንኮ ወዱ ናብ ዓለም ብምል አኽ ጸጋ አብ ልዕሊ ጸጋ ንዘዓደለና እግዚአብሔር ነመስግን፣ እቲ ዝነበረና ናይ ቀዳማይ ዓሠርተ ዘመን መንፈሳዊ ውርሻ ኩሉ ንቅበሎን ንሰማማዓሉን፣ ናይዚ ምስክር ከአ ቅድስት ወላዲተ አምላኽ ድንግል ማርያምን እቶም እነኽብሮም ቅዱሳንን እዮም፣ አብ መንጎ እዚኦም ቅዱሳን ተአማንነቶም ንክርስቶስ ዝገለጹን “ዘርኢ ክርስትና” ዝኾኑን ብዙኃት ሰማዕታት አለው፣
ሽሕኳ እዚ ናይ ሓባር ናይ ዓሠርተ ቀዳሞት ዘመናት መንፈሳዊ ውርሻ እንተነበሮም ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን አብተን ዝሰዓባ ዓሠርተ ዘመናት ካብ ኅብረት ቅዱስ ቍርባን ተአጊዶም፣ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታትን አብ ቀረባ ግዜን ብዝተፈጸሙ ግጭታትን ካብ ወለድና ዝወረስናዮ አብ እግዚአብሔር አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብቅድስት ሥላሴ ዝግለጽ ሓድነቶም ናይ ዘሎና እምነት ምርዳእን ምግላጽን ፍልልያት ፈሊዮምና፣ አንጻር ናይቲ ጐይታ “ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ።” (ዮሓ 17፡21) ክብል ዝጸለዮ ብምኽንያት ሰብአዊ ድኻምነትን ኃጢአትን ዘጥፋእናዮ ሓድነት ንጠዓስ፣
ብዙሕ ዕንቅፋታት ከምዘሎ እኳ እንተተረዳአና እዚ ናይ ሎሚ ርክብና ነታ እግዚአብሔር አብ ዝደልያን ወዱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸለየላን ሓድነት እንደገና ንምህናጽ አበርክቶ ዘለዎ ክኸውን ንምነ፣ እዚ ናትና ርክብ ንናይ መላእ ዓለም ክርስትያን ብዝተሓደሰ ሃረርታ ንፍጹም ሓድነት ናይ ኩሎም ተኸተልቲ ክርስቶስ ክጽልዩ ዘብርህ ይኹን፣ ካባና ቃላት ጥራይ ዘይኮነ ጭቡጥ ተግባራት ንዝጽበ ዓለምና እዚ ርክብ እዚ ንኩሎም ሰብ ሠናይ ድላይ ምልክት ተስፋ ይኹን፣
ነዚ ኩሉ አብ ግብሪ ንምውዓል ቆሪጽና አብ እንብገሰሉ እዋን ንዝወረስናዮም ኩሎም ታሪኻውያን ፍልልያት ምስጋር ከድሊ እዩ፣ ንወንጌል ክርስቶስን ነቲ አብ ቀዳሞት ዓሠርተ ዘመናት ዝወረስናዮ ሓባራዊ ውርሻን ንምስባኽ ከምኡ እውን ናይ ዘሎና ዘመን ግድላት ኃቢርና ንምምላሽ ጻዕርታትና ኩሉ ከነወሃህድ ክድልየና እዩ፣ እዙይ አብ ዝከአለሉን አድላዪ አብ ዝኾነሉን ግዜ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ዝተወሃሃደ ናይ ሓቂ ምስክርነት ክህቡ አለዎም፣ ም ዕባሌ ደቂ ሰባት ውሃ አብ ዘበለ ናይ ለውጢ ዘመን ይርከብ፣ ሓባራዊ መልሲ አብ ቅድሚ ዝሓቱ ግድላት ትም ክንብል ክርስትያናዊ ኅልናናን ጉስነታዊ ሓላፍነትናን አየፍቅዱልናን እዮም፣
ጠመተና ቅድሚ ዝ አገረ አብተን ክርስትያን አደዳ ስደት ኮይኖምሉ አብ ዘለው ዞባታት እዩ፣ አብ ብዙኅ ሃገራት ናይ ማእከላይ ምብራቅን ሰሜን አፍሪቃን አሕዋትናን አኃትናን ክርስትያን ብደረጃ ሥድራቤትን ዓድታትን መላእ ከተማታትን እናጸነቱ እዮም ዝርከቡ ዘለው፣ አብያተ ክርስትያናቶም ባርባራዊ ብዝኾነ መንገዲ ተደምሲሰን ተወሪረን ንዋያተ ቅዱሳቶም ተራኺሱ ሓውልትታቶም ዓንዩ፣ አብ ሲርያ አብ ኢራቅ ከማኡውን አብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ካብቲ እምነትና ዝበቆለሉን ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ናብ ኩሉ ዝተመሓላለፈሉን መበቆላዊ ዓድታቶም መረበቶም ጠቅሊሎም ክስጐጉ ብዙሕ የሳቅ የና ብትሪ ከአ ንቃወሞ፣
ንዓለምለኸ ማኅበረሰብ ካብ ማእከላይ ምብራቅ ዝግበር ምስጓግ ክርስትያን ጠጠው ክብል ብዘይ ወዓል ሕደር ክሰርሕ ሓደራ ንብል፣ ንምክልኻል ናይቶም ዝስደዱ ዘለው ክርስትያን አሕዋትና ድምጽና እንክነስምዕ ማዕረ ማዕረኡ ከአ እቶም አብ ስደት ዝርከቡ ተኸተልቲ ካልእ ሃይማኖታትን ባህልታትን አደዳ ሕድሕዳዊ ውግእን ሁከትን ግብረሽበራዊ ዓመጽን ንዝኾነ ዝስመዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ፣
አብ ሲርያን ኢራቅን ዘሎ ዓመጽ በሽሓት ዝቁጸሩ ግዳያት ብምፍጣር ንሚልዮናት ዝኾኑ ሰባት ብዘይ መጽለልን መግብን ከምዝተርፉ ገሩ፣ አብዚ እንደገና ንዓለምለኸ ማኅበረሰብ ዓመጽን ግብረሽበራን ጠጠው ዝብለሉ መንገዲ ንምንዳይን ሰላም ንክሰፍን ዘተ ንከስፍኑን ሓደራ ንብል፣ ነቶም አብ ጎረባብቲ ሃገራት ተዓቍቦም ዘለዎ ስደተኛታት ከአ ብሰፊሑ ሰብአዊ ሓገዝ ምርግጋጽ መሠረታዊ ምዃኑ ነዘኻኽር፣ አብ ወርሒ ሚያዝያ 2013 ዝተጨውዩ ናይ አለፖ ሜትሮጶሊጣ ፓዎሎን ጆቫኒ ኢብራሂምን ዝርከብዎም አብ ኢድ ጨወይቲ ንዝርከቡ ሰባት ነጻ ንምውጻእ ክእለት ዘለዎም ኩሎም ክተሓባበሩን ብዝቀለጠፈ ሓራ ንምውጻኦም ዘድሊ ኩሉ ክገብሩን ንሓትት፣

ነቲ “ፍረ ፍትሒ” (ኢሳ 32፡17) ዝኾነ ሰላም አብ መንጎ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ አህዛብ አብያተ ክርስትያንን እምነታትን እንደገና ንከስፍን ከማኡ እውን ስደተኛታት አብ ቤት ንብረቶም ክምለሱ ዝቈሰሉ ክፍወሱ ግዳይ ናይ ዝኾኑ ነፍሳት ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክረኽባ ናብቲ መድኃኔ ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ጸሎትና ነዕርግ፣ አብዚ ግጭታት እዚ ኢድ ንዘለዎም ኩሎም ናብ ልቦም ተመሊሶም አብ ናይ ዘተ መንበር ኰፍ ቢሎም ንምዝታይ ሠናይ ድላይ ከር እዩ ልባዊ ምሕጽንታና ነቅርብ፣ ማዕረ ማዕረ እዚ ድማ ዓለምለኸ ማኅበረሰብ ብሓባር ዓመጽ ደው ንክብል ዝተኻእሎም ኩሉ ከበርክቱ ሓደራ ንብል፣ ተጻይ ግብረሽበራ ሓቢረን ንዝሰርሓ ሃገራት ኩለን ኃላፍነትን ጥንቃቀን ብዝመልኦ አገባብ ክሰርሓ ንምሕጸን፣ ሓላዪ ዝኾነ እግዚአብሔር ንፍጡራት ካብ ዕንወት ከድኅንን ካልእ ሓዲሽ ናይ ዓለም ውግ እ ከይክስተን ክርስትያን ኩሎምን ብእግዚአብሔር ዚአምኑ ኩሎምን አበርቲዖም ክጽልዩ ንምሕጸን፣ ነባርን አተአማማንን ሰላም ክሳብ ዝረጋገጽ ነቶም ዘወሃህዱናን ሓባራውያን ዝኾኑ አብ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሥረቱ ወግዕታት ንምሕያል ክንሰርሕ ናይ ግዲ እዩ፣… ይቅጽል፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ድሕሪ”ቲ ርክብ ምስ ብጹዕ ወቅዱስ ክሪልን ምስፕረሲዳንት ራውል ካስትሮን ተሰናቢቶም ንመክሲኮ ሲቲ ተጓዒዞም። ካብ ሀቫና ንመክሲኮ ሲቲ አብ ዝበረርሉ ግዜ ነቶም ዝሰነይዎም በማእት ዝቁጸሩ ጋዜጠኛታት መግለጺ ከም ዝሀቡ ክምልከት እንከሎ፡ አብ ዘስምዕዎ ቃል ምስ ብጹዕ ወቅዱስ ክሪል ዝሀብናዮ ናይ ሐባር መግለጺ ሰሚዕክምዎ ኢኹም ግን ዝስምዓኒ ክገልጽ፡ ርእሰ ክሉ ናይ መራሕ መንግስቲ ኩባ ዝገበሩለይ ሕውነታዊ አቀባብላን ዘርአይዎ ምቅለላን ከመስግኖም ይፈቱ።

እቲ ምስ ፓትርያርክ ክሪልዘካየድናዮ ርክብን ምይይጥን አብ ሞንጎ ክልተ አሕዋት ዝካየድ ርክብ ከም ዝነበረ ክገልጽ ይፈቱ። አብቲ ዘካየድናዮ ርክብ ብዙሐት ርእሰ ጉዳያት አልዒልና ሐሳብንሐሳብተለዋዊጥና ርእሲ ኹሉ ግን ኩነታትካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን አብያተ ክርስትያናት ሐድነት ክርስትያን ትኩረት ሂብና ተመያይጥና ብማለት ገሊጾም። ሐድነት ክርስትያን አብ መአዲ መጽናዕቲ ሥነ መለኮት ጥራሕ ዘይኮነ አብ መስርሕ ክመጽእ ይኽእልዝብልእምነትከምዘለኒሐሳበይ አፊሰሰ ክብሉ ክአ ወሲኮም ኣመልኪቶም።

ብኻልአይ ደረጃ ኩነታት ዓለም አብ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ዘይምርግጋእን ግጭትን አገባብ አፈታትሕኡን ከምኡ ክአብዛዕባ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያትን ተዘራሪብና። እቲ ምስ ብጹዕ ወቅዱስ ክሪል ዘካየድናዮ ዕቀባ ዘይነበሮ ነፃ ርክብ ከም ዝነበረ ከመልክት ይፈቱ ኢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ።

እቲ ብሐባር ዝሀብናዮ ሐባራዊ መግለጺ ክአ አብ ኢድኩም አሎ ፖሊቲካዊ ወይ ክአ ሥነ ማሕበራዊ መግለጺ አይኮነን ሐዋርያዊ ጉስነታዊ መግለጺ ኢዩ ። ካልእ ትርጉም ክውሀቦ የብሉን ክብሉ ነቶም አብታ ነፋሪት ዘሰነይዎም ጋዜጠኛታት ገሊጾምሎም። ብናይ መክሲኮ ሰዓት አቁጻጸራ ምሽት ሰዓት ሸውዓተን ፈረቃን ክአ መክሲኮሲቲ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ በኒቶ ሱአረስ አትዮም።

ላዕልዎት ሰበ ስልጣናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንግስትን መክሲኮን ክአ ብምዉቅ አገባብ ተቀቢሎሞም።ካብዕረፍ ነፈርቲ በኒቶ ሱአረስ ብቀጥታ ናብቲ ዘዕርፍሉ ቦታ ቤተ ጵጵስና መክሲኮ ተጓዒዞም ክአ ድሕሪ ስርዓተ መአዲድራር ከም ዘዕረፉ ክምለከት ከሎ ፡ ሎሚ ብናይ መክሲኮ ሰዓት አቆጸጽራ ንግሆ ሰዓት ሾምንተ ንግሆ አብ ሮማድድሕሪ ቀትሪ ንሰዓት አርባዕተ ርብዒ ጐደል ምዃኑ ኢዩ ፡ንሀገራዊ አዳራሽ ቤት መንግስቲ ተጓዒዞም ምስ መራሕመንግስቲ መክስኮ ምስ ፕረሲዳንት ኤንሪከ ፐኛ ኔየቶን ምስ ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናት መንግስትን ተራኺቦም።

ሎሚ አጋ ምሸት አብ መክሲኮ ምስ ናይ መንግስትን ቤርጌሳውያንን ናይ ዲፕሎማቲ ሰባትን ተራኺብም ብድሕሪኡአብቲ አብ መክሲኮ ሲቲ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ድንገልማርያም ተጓዒዞም ናይ መክሲኮ ሲቲ ሊቀ ጳጳስ ንርእሰሊቃነ ጳጳሳት እንቃዕ ናይ ድሐን መጻእኩም ቃልአስሚዖም ምስ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን ብሐባር ጸልዮም።ንስርዓተምሳሕ ንቤተ ጵጵስና መክሲኮ ሲቲ ተመሊሶም ድሕሪ ቀትሪ ብናይ መክሲኮ ሰዓት አቁጻጸር ሰዓት አርባዕተ ድሕሪቀትሪ ናብ ጓዳሉፐ ባሲሊክ ተጓዒዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መክሲኮ ዘካይድዎ ዘለዉ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ክሳዕ ዝመጻዘሎ ሐሙስ ክጽል ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.