2016-02-13 16:20:00

ሃቫና፦ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል


ኣብ ትሕቲ ጳጳሳዊ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ዝርከብ ምስ ናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ኣብቲ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዝተሳተፉ ዶመኒካዊ ካህን ኣባ ህያቺንተ ደስቲቨለ ብዛዕባ እቲ ርክብ ኣማእኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦

ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ንናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ፍቱው ሓው ኪሪል ኣንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ብሓቂ ድላይ ዘተን ምቅርራብን ዘተባብዕ እዩ፣ ናይ ሞስኮ ፓትሪያርካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲት ዝዀነትን ካብ መላእ ዓለም ዝርከብ ብዝሒ ሰዓቢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክልተ ሲሶ ዝሽፍን እዩ፣ ካብ ሩሲያ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣቢያተ ክርስቲያን ዘለዋን ሕገ ቀኖናዊ ሉኣላዊ ግዝኣት ዘለዋን እያ። ናይ ሞስኮ ፓትሪያርካዊ ምንጭታት ከምዝሕብሮ ድማ ኣብ 14 ሃገራት ሕገ ቀኖናዎ ሉኣላዊ ግዝኣት ኣለዋ። መብዛሕቲኡ ድማ ኣብ ነበር ሃገራት ሶቪየት ሕብረት ዝርከብ እዩ።

ካብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘመን ንነጀው ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ፍርያማ ኣናዀነን ኣነሆ ድማ ነቲ ኣብ ሃቫና ዝተኻየደ ርክብ ኣብጺሑ እዩ። እቲ ኣብ 1917 ዓ.ም. ኣብ ሞስኮ ዝተኻየደ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ንፈለማ ጊዜ ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘካይድ ፍሉይ ናይ ገዛእ ርእሱ ድርገት ክቐውም ገይሩ እዩ። ስለዚህ እቲ ርክብ ዝነበረን ናብ ዝበለጸን ዘቕንዕ ዘሎ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.