2016-02-12 09:48:00

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ምሕረት ልኡኻን፦ ሓጥእ ኣደነት ቤተ ክርስቲያን ክስምዖ


ዕለት 10 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት ናይ ምሕረት ዓመት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብላቲን ስርዓት መእተዊ ዓቢይ ጾም ምኽንያት ዝፍጸም ሓጢኣተይና ምዃንካን ምልዋጥ ዘድልየካ ምዃኑ ሓጢኣተይና ምዃንካን ደላይ ምልዋጥ ብተግባር ዝገልጽ ሓሙኹሽቲ ኣብ ግንባርካ ናይ ምልካይ ስነ ስርዓት ኣብ ዝፍፈጸመሉ ቅዳሴ ናይ ምሕረት ልኡኻን ንኽዀኑ ዝለኣኹ ኣበ ነፍሳት ማለት ኣናዘዝቲ ካህናት ኣተኵይሮም ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምርተ ክርስቶስ ተቐቢሎም፦ ኣበ ነፍሳት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት ባህርይ ንኽገልጹ ዝተጸውዑ እያቶም ስለዚህ ነታ ዝጠፈኣት በጊዕ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኽትምለስ ዘገልግሉ ጉጅለ ደያኑ ዘይኰኑስ ብቓልን ሕይወትን ብዝህብዎ ምስክርነት ጥፍእቲ በጊዕ ዝመልሱ እያቶም ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣስዒቦም ናይ ምሕረት ዓመት ኣወሃሃዲ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ንቕዱስ ኣቦና ቀዳማይ ናይ ምሕረት ልኡኽ እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ኣሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህር ትምህርተ ክርስቶስ፦ ናይ ምሕረት ልኡኽ ምዃን ማለት ብቐዳምነት ናይ እግዚኣብሔር ቅርበትን ፍቕርን መሰኻኽር ምዃን ማለት እዩ። ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ እዚ ኩነት’ዚ ምስ ናይ ምሕረት ዓመት ዘለዎ ቅዉም ምትእስሳር ብትረት ኣዘኻኺሮም፣ እቶም ልኡካነ ምሕረት ማለት ኣናዘዝቲ ካህናት ቃልን ሕይወትን ብዘቃድው ምስክርነት ጭቡጥ ደገፍ ከቕርቡ ዝተጸውዑ እያቶም እንክብሉ ብምግላጽ፦

ንሓጥኣን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት ምምስካር

ልኡካነ ምሕረት ብቐዳምነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት ንኸነበርን ንኽምስክርን ዝተጸውዔ እዩ፣ ዝናዘዝ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነትን ኣእዳዋ ዘርጊሓ ከምእትቕበሎን ከምእተፍቅሮን ክስምዖ ኣለዎ። ንናትና ንቕጽናን መንፈሳዊ ድርቀትን እዚ ዓይነት ምስትውዓል እንተድኣ ዝጐድሎ ኰይኑ ቅድም ቀዳድም ንእምነት ዓቢይ ጉድኣት እዩ ዝኸውን፣ ስዒቡ ድማ እቲ ዝንሳሕ ኣብ ኣካለ ክርስቶስ ውሁድ ምዃኑ ነኸየስተውዕል ይዳርጎ። ስለዚህ ዘናዝዝ ካህን ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህርይ ዘድምዕ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ጂሶቶ ገሊጾም።

ኣብ መናዘዚ ስፍራ ክርስቶስ እዩ ዝቕበለናን ዝምሕረናን

ንሕና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፦ ናይታ ከም ኣደ መጠን ንኹሉን ነቶም ናብኣ ዝቐርቡ ኣብ ደረት ኣልቦ ሕቑፍኣ እተንብር ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ኢና፣ ዘናዝዝ ካህን ኣብ መናዘዚ ስፍራ እንክኣትው ኣብቲ መናዘዚ ስፍራ ንተናዛዚ ዝቕበልን ኑዛዜኡ ዝሰምዕን ዝምሕርን ሰላም ዝህብን ክርስቶስ ምዃኑ ከስተዕል ኣለዎ፣ ንሕና መጋበርያኡ ኢና። ስለዚህ ብቐዳምነት ምሕረቱ ዘድልየና ኢና። ዝናዘዝ ብግልጺ ዝናዘዞን ወይ ድማ ብኻልእ ኣገላልጻ ኣቢሉ ዝሕብሮ ተፍጻም ሓጢኣቱ ምስ ዝናዘዝ ኣናዛዚ ንገዛእ ርእሱ ሓጢኣተይና ምዃኑ ዘኪሩ ብትሕትና መተሓላለፊ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ኣብ ዝናዘዝ ሓጢኣትይና ዘሎ ናይ ምሕረት ሃረርታ ምስትውዓል

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 21 መስከረም 1953 ዓ.ም. ገና ሕጻን እንከለዉ ንፈለማ ጊዜ ኣብ መናዘዚ ስፍራ ኣትዮም ሓጢኣቶም ዝተነስሑላ ዕለት ዘኪሮም ካብ ዝተመሓርካ ምዃን ዝምንጭው ሓጐስ ኣብ መላእ ሕይወቶም መገዲ እግዚኣብሔር ንምልላይ ዝድግፍ ናብ እግዚኣብሔር ዘቕንዔ መገዲ ክኸውን ከምዝደገፎም ገሊጾም፣ ነቶም ኣበ ነፍሳት ኣናዘዝቲ ካህናት ናይ ምሕረት ልኡካን ኣብቲ ተናዛዚ ዘሎ ናይ ምሕረት ሃረርታ ከስተውዕሉን ዝቆሰለ ልቢ ናይ እግዚኣብሔርን ፍቕሩን ቤቱን ናፍቖት ዘለዎ ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ። እዚ ናፍቖት’ዚ ድማ ጅማሬ ምልዋጥ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፦ ልቢ ተናዛዚ ምሕረት ከምዝቕበል ተተስፍዩ ንዝፈጸሞ ግብረ እከይ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ። እዚ ድላይ’ዚ ድማ ሕይወቱ ንኽልውጥን ሓጢኣት ኣይፋል ንኽብል ብልቡ ቁርጺ ፍቓድ ንኽገብር ይመርሖ። እዚ ኩነት’ዚ ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ምውካፍን ብኣኡ ምሉእ ርድኢት ከምእንረክብን ከምእንመሓርን ከምእንድገፍን ምሉእ እማኔ ዘንብረልና እዩ ከምዝበሉ ገሊጾም።

ካብ ብኽፍኣተይ ምባል ዝነቕል ውርደት ምልዋጥ ይውለድ፣ ኣናዛዚ ነዚ ዘኽብር እዩ

ልኡካነ ምሕረት ኣበ ነፍሳትን ኣናዛዚ ካህናትን እቲ ሓጢኣተይና እየ ቢሉ ንኽናዘዝ ኣብ ዝቐርብ ዘሎ ምድላይ እግዚኣብሔርን ምሕረቱን ከስተውዕሉን ነዚ ዓሚዩቕ ድላይ’ዚ ነቲ ምልዋጥ ልቢ ዘነቓቕሕ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ እዩ። ገለ ገለ እዋን ተናዛዚ ዝፈመጾ ሓጢኣት ብትኽክል ከነግር ይፈርሕ እዩ፣ ኰይኑ ግና ብምልክታ ኣቢሉ ይሕብር፣ እቲ ምልክታ ድማ እቲ ሓጢኣተይና ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ደላዪ ከምዝኸነን ምሕረት እግዚኣብሔር ከምዘድልዮን ዝገልጽ እዩ። ሓደ ካብ ዝባኑ ዝኸበዶ ነገር ክኣልይ ይፍትን ምስ ዝሰአኖ ሓገዝካ ደላይ ምዃኑ ይገልጽ። ነዓ ክሕግዘካ ድማ ትብሎ፣ ብኽፍኣተይ ካብ ምባል ዝምንጭው ስምዒት ውርደት ንምልዋጥ ወሳኒ ባይታ እዩ። ውርደት በቲ ዝፈጸምካዮ ሓጢኣትን ኣብ ቅድሚ ሓደ ሰብ ተንበርኪኽካ ድማ ዝፈጸምካዮ ሓጢኣት ክትማዘዝ ዘስምዓካ ውርደት ቀዳማይ ምንጭ ምልዋጥ እዩ። ዝስምዓካ ውርደት ጥልቃውን ውሳጣውን ስምዒት እዩ፣ ስለዚህ ካብ ወገን ኣናዛዚ ካህን ኣኽብሮትን ምትብብዓን ከቕርብ ከምዘለዎ ዝሕብር ኵነት ድማ እዩ።

ንኹሉ ሰብ ምስ ድኻምነቱን ድርቱነቱን ምእንጋድ

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣዳምን ሔዋንን ከምኡ እውን ኖህ ብወይኒ ጽጋብን ዕርቃኑን ወጺኡን ናይ ኣቦነት ክብሩ ኣብ ስዘኣነሉ ኣዋን እቲ ክብሪ ኣቦነቱ ክምለሰሉ ድማ ደቁ ብልብሲ እንክሽፍንዎ ዝተራእየ ውርደት ዝገልጹ ሓሳባት ዘኪሮም፣ ኣናዛዚ ኣብ ቅድሚኡ ሓጢኣቱ ዕርቃኑ ዘትረፎ ውርደት ዘለዎ ሰብ እዩ ዝቐርብ፣ ምስ ድኻምነቱ ምዝራብ ዝሰኣኖ ኰይኑ እዩ ዝመጽእ፣ ሓጢኣተይና ናይ ምዃኑ ውርደት ዝተሰከመ። ሓጢኣቱ ቃላቱ ገይሩ ንኸቅርቦ እውን ሕፍረት ዝስምዖ። ስለዚህ ኣብ ቅድሚ እዚ ሰብ’ዚ ሓጢኣተይና እምበር ሓጢኣት ከምዘየሎ ኣስተውዒሉ እቲ ከምዚ ክኸውን ኣይምደለኹን ኰይኑ ግና ኣኽእሎቱ የብለይን ቢሉ ዝንብርከኽ ጽን ክበሃልን ምሕረት ክዕደልን እምነይ ዝብል ሰብ እዩ።

ንሓጢኣተይና ብናይ ምሕረት ዓለባ ዕርቃኑ ምሽፋን

ኣናዛዚ ልክዕ ካብ ሓጢኣት ዝረሓቐን ሓጢኣት ከምዘይትንክፎ ልዕልና ዝስምዖ ንኽፈርድ ዝተጸውዔ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ነታ ዝጠፈኣት በጊዕ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኽትምለስ ዘገልግል ኣባል ጉጅለ ደያኑ ዘይኰኑስ ብቓልን ሕይወትን ብዝህቦ ምስክርነትን ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰረትን ሕዳሴን ብዝዀነ ቅድስና ዝተቐደሰ ሕይወትን ጥፍእቲ በጊዕ ዝመልስ እዩ።

ከም ልቢ እግዚኣብሔር ኣናዛዚ ምዃን ማለት ንሓጢኣተይና ብናይ ምሕረት ልብሲ ምሽፋን ወይ ድማ ነቲ ብሓጢኣት ዝዓረቐ ሰብእነቱ ናይ ምሕረት ልብሲ ምልባስ እዩ። ስለምንታይ ውላድ ኣምላኽ ምዃኑ ዘለዎ ክብሩ ዳግም መታን ክረኽቦን ክስምዖን እቲ ናይ ውላድ እግዚኣብሔር ምዃኑ ክብሪ ኣበይ ከምዝርከብ ከለልይ መታን ውርደት ከይስምዖ ምድጋፍ ማለት እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጾም።

ኣብ ናይ ምሕረት ሓይሊ ተኣሞኖ ምንባር፣ ኣባጊዕ ኣብ እንግድዓኻ ምስካም

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቀጺሎም፦ ቅድስና ብፍቕሪ እዩ ዝዕንገል፣ ናይ ድኹም ከበድ ኣብ ዝስከም ናቱ ገይሩ ዝጓዓዝ እዩ። ሓደ ናይ ምሕረት ልኡኽ ኣባጊዑ ኣብ እንግድዓኡ ዝስከምን ብሓይሊ ርህራሄ ዘጸናንዕ እዩ። ነቶም ሕቶ ዘቕርቡ ምእመናን ብሓፈሻኡ ነባጊዑ ዝወቅዕ ክኸውን ኣይግብኦን፣ ኣባጊዑ ዝወቅዕ ሕያዋይ ጓሳ ኣይኰነን፣ ኣቦ ዘይቅበላ ነፍሲ ሕዝንቲ እያ ቢሎም ቅዱስ ለዮፖልዶን ቅዱስ ፒዮን ካልኦት ብዙሓት ቅዱሳት ካህናት ዘኪሮም ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ብቓልን ሕይወትን መሳኻኽር እዮም፣ ናይ ተናዛዚ ከበድ ሓጢኣት ምስ ዝስምዓኩምን ናይ ገዛእ ርእስኻትኩምን ናይ እትልግስዎ ምኽሪ ውሱንነት ምስ ዝስምዓኩም ኣብቲ ምስ ኩሉ ብፍቕርን ምጽንናዕን ምስ ዝቐርብ ኣብ ናይ ምሕረት ሓይሊ ተኣመኑ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.