2016-02-09 16:40:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ኣብ ቅድስቲ መሬት


በቢ ሰለስተ ዓመት ብጸሎትን መንፈሳዊ መደባትን መንፈሳዊ ንግደትን ኣብ መስዋዕተ ቅዳቅሴን ኣማእኪሉ ዕለት 11 ለካቲት ዝዝከር መዓልቲ ህሙማን ለምዘበን ኣብ ቅድስቲ መሬት ከተማ ናዝሬት ክበዓል ከምእተወሰነ ክዝከር እንከሎ፣ ብናይ ህሙናን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዝይግሙንት ዚሞውስኪ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻን ድሮ ኣብ ቅድስቲ መሬት ከምዝኣተዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ገና መድሃኒ ብዘይተረኽበሉ ሕማም ዝተጠቕዑን ስነ ምግባርን ጻዕረ ሞትን

በምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት መስዋዕተ ቅዳሴን መደባት ጸሎት ኣስተንትኖን ከምእተሰናደወን ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ብዛዕባ ገና መድሃኒት ዘይተረኸበሎም ሕማማትን ስነ ምግባር ኣብ ጉዳይ ጻዕረ ሞት ዝርከቡ ህሙማንን ዘተኰረ ዓውደ መጻናዕቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ኖትረ ዳም ማእከል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራታ ዝተዋጽኡ ናይ ሕክምናን ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ቲዮሎጊያን ሊቃውንቲ ብዘሳትፍ መደብ ተሰንዩ ክካይድ ከምዝዀነ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፦

ህሙማን ዘሳተፍ

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣባይቲ ሕክምና ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ስርዓት ኣባላት ሊቀ ጳጳሳትን ብፁዓን ኣቡናትን ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ ካቶሊካውያን መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ካህናትን ደናግልን ህሙማን ምእመናን ኣብ ዘሳትፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሓብሩን ህሙማን ከሰንዩን ዘተሓሳስብ ናይ ምዕዳን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣመልኪቱ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.