2016-02-09 16:27:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ልኡከ ሰላም ኣብ መክሲኮ፣ ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ኣብ ሕቕፎኦም ንምንባር


ከም ናይ ምሕረትን ናይ ሰላምን ልኡኽ ናባኻትኩም እመጽእ ኣለኹ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ናብ ሃገረ መክሲኮ ካብ ዕለት 12 ለካቲት ክሳብ ዕለት 18 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ዝፍጽምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ መክሲኮ ክርከቡን ንሕዝቢ’ታ ሃገርን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ኣብ ሕቅፎኦም ንምንባር ዘለዎም ሃረርታ ገሊጾም፣ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘለዎም ኣኽብሮትን ውፉይነትን ጠቒሶም ነቲ ናብ መክሲኮ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንማርያም ዘጓዳሉፐ ሓላዊት ቅድስቲ መላእ ላቲን ኣመሪካ ኣወኪፎም ኣብ ቅዱስ ስፍራ ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ዘጓዳሉፐ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓኒ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ትጽቢት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሓዋርያዊ መገሻ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክሲኮ ካብ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ትጽቢቶም ምስ ሕዝቢ መክሲኮ ምራኽብን ከም ናይ ሰላምን ምሕረትን ልኡኽ ኰይኖም ክነግዱን ብሓባር ምስታ ኣብ መክሲኮ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሕዝብን ኰይነ ኣብ እግዚኣብሔር ዘለና እምነትን እቲ መሰረት ሓቅነት ሕይወት ዝዀነ እግዚኣብሔር ኣዚዩ ከምዘፍቅረናን ካብቲ ንሕና ክንግምቶ ካብ ዘይከኣለና ንላዕልን ብቑዓትን ንዘይኰናሉ ኣባና ዘለዎ ኢታእላው ፍቕሩ ክንናዘዝን ኣሜን ክንብልን እዩ ቢሎም ብዝከኣሎም እተን ኣብ መክሲኮ ዘሕልፍወን መዓልታት ንሕዝቢ ቀረባ ብምዃን ክነብርዎን ብፍላይ ድማ ነቶም ዝሳቐዩ ሓቝይፎም ኢየሱስ ከምዘፍቅሮም ክምስክረሎምን ንሱ ወትሩ ኣብ ጐድኖም ምዃኑ ንኸረጋግጽሎም ምስኦም ክሓብሩን ድላይ ኣሎኒ ከምዝበሉ ጂሶቲ ኣመልኪቶም።

ስለ እቲ ዝፍጽሞ ሓዋርያዊ ዑደት እተዕርግዎ ጸሎትኩም ልበይ ብሓሴት ይመልኦ

ስለ እቲ ኣብ ሃገርኩም ዝፍጽሞ ሓዋርያዊ ዑደት እትገብርዎ ዘለኹም ምቅርራባትን ብፍላይ ድም እተዕርግዎ ጸሎት ብሓቂ ልበይ ብሓሴት ይመልኦ፣ ጸሎት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና የዕንትና ዘብርህ እዩ። እዚ ማለት ድማ ከምቲ እግዚኣብሔር ንምፍቃርና ምርኣይ የዕዪንቱ ኣባና ዘንብሮ ንኻልኦት በዚ መገዲ ምርኣይ’ዚ ክንጥምት ዘብቕዕ እዩ። ብምርኣይ እግዚኣብሔር መታን ክንርእይ ዝድግፈና እዩ። ምርኣይና ምርኣይ እግዚኣብሔር መታን ክኸውን፣ ስለ ጸሎትኩም እመስግነኩም ቅዱስ ቤት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ክበጽሑ ዓቢይ ሃረርታ ኣሎኒ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ገሊጾም።

ከም ሓደ ወዲ ማርያም ነቶም ኣብ ልበይ ዘለዉ ኩሎም ኣብ እግሪ ማርያም ከንብር

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ እንከጠቓልሉ፦ ነቶም ኣብ ልቦም ዘለዉ ኵሎም ከም ሓደ ወዲ ማርያም ኣብ እግሪ እኖ ማርያም ከቕርቡን ቅዱስ ቤታ ክበጽሑን ለውሃታን ናይ ህላዌኣ ርህራሄ ከስተማቕሩን የዕይንታ እናጠመትኩ እኖ ሰማያዊ ቤት ዝዀነት ኣደኤና እያ እሞ ብምሕረት የዕይንታ ካብ ምጥማትና ከይተቋርጽ ክምሕጸናን ክማህለላን፣ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣትሒዘ መገሻይ ናብ መክሲኮን ንኣኻትኩ ፍቕራት ኣሕዋተይ መክሲካውያን ንማርያም የማዕቑብ ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.