2016-02-06 16:24:00

ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ መክሲኰ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 12 ለካቲት ክሳብ ዕለት 18 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ መክሲኰ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስነቶም ናይ መክሲኮ ጭቡጥ ኩነት ንኽትንክፉ ዝፈቕደሎምን ብፍላይ ኣብቲ ሜክሲኮን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘዳቡው ሲውይዳድ ኹኣረዝ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብሓቂ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈዲሪኮ ሎምባሪ ዕለት 5 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ተረኺቦም ነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ሉእኻት ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ኣብቲ ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር መክሲኮ ዝርከብሉን ኣብቲ ዓመጽ ዝረየሉ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ሜክሲኮ ዝፈልይ ዶብ ዝቖመ ናይ ኣሿኽ ሓጺን ሓጹር ዝተነብሮ ከባብን ነቲ ናይ ሃገረ መክሲኮ ህልዉ ኩነት ቅዱስ ኣቦና ክድህስሱን ምስ ህዝቢ ክራኸቡን እዮም፣ እቲ ቀንዲ ናይቲ ኣብ ሃገረ መክሲኮ ዝፍጽምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ዕላማ መንፈሳዊ ንገደት ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ እመብየት ዘጓዳሉፐ ዝብል እዩ ዝበሉ ኣባ ሎምባርዲ ኣስዒቦም፦ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማርያም ዘጓዳሉፐ ዘለዎም ውፉይነት ምስ ሕዝቢ መክሲኰ ሓደ ዝገብሮም መንፈስ ምዃኑን ካቶሊክ ማሕበረሰብ ጥራሕ ዘይኰነ መላእ ሕዝቢ’ታ ሃገር ኣብ ቅድስቲ ማርያም ዘጓዳሉፐ ዘለዎ ውፉይነት ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ስለዚህ እቲ ካልኣይ ዕላማ ናይቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማሪያም ዘጓዳሉፐ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ ዝብል ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም።

ኣባይቲ ሕክምና ትሕቲ ዕድመ ክበጽሑን ምስ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ወለዲ ህሙማንን ህሙማን ሕጻናትን ክራኸቡን ምስ ኣባይቲ ስድራን መንእሰያትን ምስ ናይታ ሃገር ዓበይቲ ናይ መንግስቲ ኣካላትን ናይ መክሲኰ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ክራኸቡን ኣብ ቻፓስ ምስ ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር ተራኺቦም ቅዱስ ኣቦና እቲ ብውሳኔኦም ዘጽደቕዎ ብናይቶም ቀዳሞት ደቂ ሃገር ቋንቋ ዝተደርስ ሊጡርጊያ ብምጥቃም መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣባ ሎምባርዲ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዓመጽን ቅትለትን ዝረኣየሉ ሰሜናዊ ከባቢ መክሲኮ ኣብ እትርከብ ከተማ ሲዩዳድ ኹዋረዝ ሓደ መዓልቲ ክገብሩ ኣዮም፣ ምስ 700 ዝግመቱ እሱራት ክራኸቡን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 80 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ መክሲኮ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፣ ልዕሊ ሓምሳ ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ኣብቲ ቅዳሴ ክሳተፉ ዝብል ትጽቢት ከምዘሎ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ናብ ሕቡራት መንግስታት ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት በዚ መሬት መክሲኮ ኣቢሎም ክሓልፉ ድላይ ከምዝነበሮም ኣባ ሎምባርዲ ኣዘኻኺሮም እቲ ሰቓይን መከራን ዝረኣየሉ ከባቢ ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ህያውን ወትሩ ናይ ጸሎት ሓሳቦምን ምዃኑ ገሊጾም ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገማት ዝረኣየሉ ክፍሊ ዓለም ኩሉ ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ህልው እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.