2016-02-06 16:28:00

ቅዱስ ዮሓንስ ሮቶንዶ፦ ብስም ቅዱስ ኣቦና ናይ ስደተይናታት መእለዪ ቤት


ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ኣብ ቅዱስ መልኣኽን ኣባ ፒዮን ቤት ማሕበር ካፑቺን ብዝሃቦ ሓገዝ መእለዪ ስደተይናታት ቤት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ቅዱስ ፒዮ ንኣባይቲ ስድራን ስደተይናታትን ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ማእከል ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ሮቶንዶ ክሕነጽ ምዃኑ እንክሕበር፣ እቲ ቤት ንድኻታት ኣባይቲ ስድራን ስደተይናታትን ጐደና ሓደር ስደተይናታትን ዝእለዩሉ ከምዝኸውን ክግለጽ እንከሎ፣ እዚ ድማ ኣባላት ማሕበር ካፑቺል ኣባ ፒዮ ናይ ምሕረት ኣብነት ቢሎም ንዝገልጽዎ መንፈሳውነትን ተግባን ዘቃልሕን ብሓቂ ድማ ኣብ ድኻታትን ዝተናዕቁን ህያውነት ክርስቶስ ምልላይ ዝብል ክርስቶሳዊ ጸዋዕታ ዘተሓሳብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ማሕበር ካፑቺን  ቤት ምኽሪ ኣሕሉቕ ኣብ ቫቲካን

እቲ ክሕነጽ ዝተወጠነ መእለዪ ድኻታት ናይ ካፑቺን ቤት ምኽሪ ኣሕሉቕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ግሊ ቤተ ንባብ ብቕዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ዘወፍይዎ ህያብ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ብናይ ቅዱስ ዮሓንስ ሮቶንዶ ቤት ማሕበር ፍራንቸስካውያን ሓለቓ ሓው ፍራንቸስኮ ላንጂ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ሮቶንዶ ቅዱስ ስፍራ ሓላፊ ሓው ፍራንቸስኮ ዲለዮን ናይ ሮማ ቤት ፍራንቸስካውያን ሓለቓ ሓው ጃንፍራንኮ ፓልሚዛኒ ዝተሰነዩ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ካፑቺን ጠቕላሊ ሓለቓ ሓው ፍራንቸስኮ ኮላቸሊ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከምእተራኸቡ ኣፍሊጡ።

ህያብ ንናይ ምሕረት ዓመት

ናይ ካፑቺን ማሕበር ቤት ሓለቓ ናይቲ ክሕነጽ ዝተወሰነ መዕቆቢ ስደተይናታት ሕንጻ ከም ምልክታ ናይቲ ሕንጻ መፍትሕ ንቑዱስ ኣቦና ከም ህያብ ከምዝለገሱን እቲ ክህነጽ ዝዀነ መእለይ ድኻታት ከም ሓድሽ ዝሕነጽ ዘይኰነስ ናይ ኣሲዚ ፍራንቸስካውያን ቤት ንብረት ዝነበረ ኣብ ጽገና ዘሎ ኰይኑ ኣብ ዝሓጸረ እዋን መእለዩ ሕንጻ መታን ክኸውን ተሓዲሱ ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ውሽጢ ተጠናቒቑ ኣገልግሎት ዝህብ ምዃኑ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ።

ካብ ፎጃ ናብ ጫድ

ናይ ካፑቺን ማሕበር ቤት ሓለቓ ናይ ቅዱስ መልኣኽን ኣባ ፒዮን ማሕበር ካፑቺን ኣባይቲ ብምትሕብባር ኣብ ኢጣሊያ ፎጃ ከተማ ድኻታት ዝዕንገልሉ ቤት ኣገልግሎት ይህብ ምህላዉን ከምኡ እውን ኣብ ጫድ ብስም ኣባ ፒዮ ንድኻታት ዘማእከለ ፍሉይ ተልእኾ ከምዘካይዱ ንቕዱስ ኣቦና ሓቢሮም፣ ንድኻታት መእለይ ንህሙማን ሕጻናት ብፍላይ ድማ ኣብ ሊቢያ ብዘሎ ሁከት ዝተፈለለየ ሓደጋ ዘጋጥሞን ከምኡ እውን ካብ ኡክራይን ዝመጹ ድኻታት ሕጻናት ምሉእ ሕክምና ዝረኽብሉ መእለዪ ህሙማን ከምዘሎ ንቕዱስ ኣቦና ከምዝሓበርዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.