2016-02-04 16:47:00

ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ፦ ድሕሪ ናይ ሰቡ መበል 51 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን


ድሕሪ እቲ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክቡር ተስፋ እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ሰበኻ ሰቡ ካብ ዕለት 24 ጥሪ ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ዝተኻየደ  መበል 51 ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ቀጺሉ ኣብ 2020 ዓ.ም. ዝካይድ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ቅዱስ ኣቦና ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ ቡዳፐስት ዝካየድ ምዃኑ ከምዝገለጹን እቲ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ሃንጋሪ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዓቢ ጸጋ ምዃኑ ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሃንጋሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቅለ መሕትት ገሊጾም ኣብ ናይ ስፖርት ቤት ኦርቢስ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ብቐጥታ ብምስማዐ ርእየት ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምሕባሮም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተረኽበ ማሕበረ ክርስቲያን ሓጐሱ ብጣቕዒትን ቅዱስ ኣቦና ንበሩልና ብዝብል ጭርሖ ከምዘቃልሔን ሓቢሮም፣ ስለዚህ ኣብ ሃንጋሪ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ንሃንጋሪ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ከተእንግድ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣቢሉ ስለ ዝሓረያ ስለ እዚ ዝተዓደለቶ ጸጋ ንቕዱስ ኣቦና ምስጋና ኣመሓላሊፋ ኣላ ኢሎም።

እቶም ኣብ ሃንጋሪ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ኣብቲ ኣብ ፊሊፒንስ ሰቡ ከተማ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ዝተሳተፉ ልኡካን ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ምእመናንን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ንኸተእንግድ ሃንጋሪ ብምሕራዮም ዝተሰምዖም ሓጎስ በቶም ኣብ ሰቡ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቅሩባን ንቅዱስ ኣቦና ንኽውክሉ ብቕዱስነቶም ብዝተሓርዩ ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ ኣቢሎም ንቕዱስ ኣቦና ናይ ምስጋና ቃል ከምዘመሓላለፉ ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ገሊጾም፣ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ንምእንጋድ ዝካይድ ምስንዳዋት ዝዕድሎ ተመክሮ ዓቢይ ምዃኑ ኣብ ፊሊፒንስ እንክሳተፉ ዝረኣይዎ ጭቡጥ ኩነት ምንባሩ ድማ ሓቢሮም፣ ኣብ 1937 ዓ.ም. መበል 33 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ማኒላ ከም እተኻየደን ናይ 1938 ዓ.ም. ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣጋዲት ኰይና ዝተሓርየት ሃንጋሪ ምንባራ ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ዘኪሮም ሕጂ እውን ድሕሪ እቲ ናይ ማኒላ መበል 51 ናይ 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ቀጺሉ ኣብ ሃንጋሪ ክእንገድ ምውሳኑ ብሓቂ ባህርያዊ ሥርዓት እዩ ዝመስል፣ ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ። ቅዱስ ቁርባን ንድኻታት ሕይወትን ኣስተንፍሶን ምዃኑ ድኻታት ምሉእ ቆላሕታ ክግበረሎምን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሕይወት ክሰርጽን ቅዱስ ቁርባን ሕይወት ስድራ ቤት ምዃኑን ኣብቲ መበል 51 ናይ ማኒላ ጉባኤ ተቓሊሑ እዩ፣ ኣብ እስያ ዝንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብን ዘተን ዘቃልሔ ምንባሩ እውን ዘኪሮም እቲ ናይ ፊሊፒንስ ተምክሮ ነቲ ኣብ ሃንጋሪ ንኽካይድ ቅዱስ ኣቦና ዝወሰንዎ ጉባኤ ዓለም ሓቆፍ ቅዱስ ቁርባን ኣብነት እዩ ኢሎም።

ሃንጋሪ ነቲ ከተእንግዶ ዝተጸዋዕትሉ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ብዓንተውኡ ዘሰናድው ናብቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ዘስንይ መደባትን ምቅርራባት ዝኣመሰሉ ዝከታተልን ዝውጥንን ፍልዩ ናይ ገዛእ ርእሱ ድርገት ናይ ሃንጋሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከቕውም ምዃኑ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ቁርባን ማእከል ቤተ ክርስቲያንን ማእከል ሕይወት ክርስትናን እዩ፣ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ መንጐና እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.