2016-01-30 16:14:00

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን፦ ክቡር ዋጋ ህዝባዊ ሃይማኖት


እቲ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክቡር ተስፋ እዩ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሐ መበል 51 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ሰበኻ ሰቡ ዕለት 24 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ዝተረኽቡን ብቕድስነቶም ዝተሰምዩ ኣብ ምያንማር ናይ ያንጎን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንግ ቦ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጉባኤ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ዘጠቓለለ ዘረባ ብምስማዕ ዝተጀመረን ዕለት 31 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝዛዘም ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ታግለ ዕለት 29 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ክርስትና ሕይወት ናይ ምሃብን ምቕባልን ባህሊ ዘለዎ ክቡር ዋጋ ዝትንትን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝተደገፈ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሾን ፓትሪክ ሎቨት ሓቢሮም።

ብዛዕባ እቲ ዝካይድ ዘሎ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣማእኪሎም ናይ ማሕበር ቅዱሰ ቅዱሳት ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኤውጀኒዮ ባርቦሳ ማርቲንስ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ቁርባን ሓይሊ መግለጺት ቅድስቲ ቤት እያ። ከምቲ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ዝበልዎ፦ ቅዱስ ቁርባን መሰረት ኵላውነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ሕዝቢ ፊሊፒንስን ቤተ ክርስትያኑን ነዚ ዓለም ለኻዊ ቅዱስ ቁርባን ብምእንጋድ ዝምስክሮ ዘሎ ባህርይ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ድማ ገሊጾም።

እቲ ኹሉ ኣብቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ዝንበር ዘሎ ተመክሮ ኣሕዋት ኣብ ዙሪያ ቅዱስ ቁርባን ዝፍጽምዎ ሕብረት ዝምስክር እዩ። ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝንበር ሱታፌን ሓድነትን ናይቲ ኣብ መንጐ ምእመናን ዘሎ ውህደት መሰረት እዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ሓድነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቁርባናዊ እያ። ሓድነታ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ዝጸንዔ ሓድነት እዩ ኢሎም።

ህዝባዊ ሃይማኖት ዘለዎ ናይ ምቕባልን ምእንምጋድን ክብሪ ኣብቲ ጉባኤ ከምተገልጸን እዚ ድማ ናይ እምነት ተመክሮ ምዃኑ ዘብርህ እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ምንባር ህዝባዊ ሃይማኖትን ምንባር ቅዱስ ቁርባናዊ ሕይወት ዘሎ መንፈሳዊ ምትእስሳር ዝሕብር ክኸውን እንከሎ፣ ህዝባዊ እምነት ኣብቲ ነገራት ኩሉ ዝልውጥ ሓይሊ ዘለዎ ቃል ኣምላኽን ቅዱስ ቁርባንን ዝጸንዕ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.