2016-01-30 16:04:00

ኢዮቤላዊ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ምስ ኢየሱስ ናይ ምርኻብና ሓጐስ ነካፍል


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምሕረትን ተልእዀ ወንጌልን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኰረ ቀዳማይ ኢዮቤላዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ከምዝገለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቀዳማይ ኢዮቤላዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ብጸጋኡ ኣእጋርና እናመርሔ ብቕዱስ በሪ ክንሓልፍ ኣብቂዑና እዩ፣ ሽሕ’ኳ ድኹማትን ሓጢኣተይናታትን እንተዀንና ወትሩ ምሳናን ኣባናን መታን ክሓድር ንምርኻብና ዝመጽእ ጐይታ ኣሎና። ኣብ ድኻምነትና ቅርበቱ ብርታዔና ስለ ዝኸውንን እምነትና ብዝለዓለ ሓጐስ ንኽንነብሮ ስለ ዘብቅዓና ደለይቲ ምሕረቱ ምዃንና ፈጺሙ ከድክመና የብሉን።

ፍቱዋተይ ኣብ መንጐ ምሕረትን ወንጌላዊ ተልዀን ዘሎ ርክብ ብሓባር ንርአይ፣ ቅዱስ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ኣብታ መለኰታዊ ምሕረት እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ከምዝሕብሩና ቤተ ክርስቲያን ምሕረት ቃለ ኑዛዜ እምነታ ክትግብሮን ምሕረት ክትእውጅን ሕዝብታት ናብቲ ናይ ምሕረት ምንጪ ክትመርሕ እንከላ ሓቀይናን ሕይወት ትነብር” (ፍቕዲ. 13)። ከም ክርስቲያን መጠን ናይ ወንጌላዊ ልኡክነት ሓላፍነት ኣሎና። ሓድሽ ብስራት ምስ ዝበጽሓናን ወይ ድማ ዘዕግብ ወንጌላዊ ተመክሮ ምስ እንነብር ወንጌላዊ ሓጐስ ናይ ምክፋል ልዑል ኣድላይነት ኣባና ይበርኽ። ኣብ ውሽጥና እቲ ዝተጸገወና ሓጐስ ክንዓቝሮን ከምዘይከኣለናን ከነስፍሖን ከምዝግብኣና ነስተውዕል። እቲ እትነብሮ እውነተይና ሓጐስ ነኸነካፍሎ ይድርኸና። ምክፋል ኣብ ሓጐስ ዝጠቓለል ድላይ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ፣ ምርኻብ ምስ ምሕረትን ሓጐስን እቲ ምሕረትን ሓጐስን ንምክፋል ዝድርኽ እዩ። ብርግጽ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ከምእተራኸብና ዘረጋግጾ እቲ ሓጐስ ንኸነካፍሎ ዝድርኸና ድላይ እዩ። እዚ ማለት ድማ ካልእ ካብ ዝኽተሎ ሃይማኖት ምስዳዕ ማለት ኣይኰነን፣ እቲ ሓጐስካ ጸጋ ገይርካ ምቕራብ ማለት እዩ። እቲ ንኣይ ሓጐስ ዘዕሰለኒ እየ ዝዕድል፣ ወንጌል እዚ እቲ ናይ ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ተመክሮ ምንባሩ የረጋግጸልና። እንድሪያስ ምስ ኢየሱስ ምስ እተራኸበ ንሓዉ ጴጥሮስ እቲ ርክብ ክምስክር ይጐዪይ፣ (ዮሓ. 1፣ 40-42)፣ ፊሊጶስ እውን ከምኡ ምስ ናትናኤል (ዮሓ. 1፣ 45-46)። ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ምስ ፍቕሩ ምርኻብ ዝተመዓራረየ እዩ። እዚ ፍቕሪ ይልውጠናንን እቲ ዝጽግወና ሓይሊ ድማ ናብ ክልኦት ንኸነመሓላልፎ ይድርኸና። ምስጢረ ጥምቀት ኣብ እንቕበለሉ እዋን ካብቲ ወለድና ዝህቡና ስም ካልእ ስም እውን ይወሃበና እዩ። እዚ ድማ ክርስቶሳዊ ዝብል ስም እዩ። ኩላትና ከምእፈልጦ ክርስቶፈር ወይ ድማ ክርስቶሳዊ ዝብል ስም ትርጉሙ ክርስቶስ ዘብጽሕ ክርስቶስ ብውሽጡ ሒዙ ዝጓዓዝ ማለት እዩ። እዚ ስም’ዚ ብኹለንተናና ክምስከርን ክንበርን ኣለዎ፣ እዚ ማለት ድማ ናይ ክርስቶስ ሓጐስን ምሕረትን ዘካፍልን ናብ ካልኦት ዘብጽሕን ኩለንተና ክህልውና ይግባእ። እቲ ካብ እግዚኣብሔር እንቕበሎ ምሕረት ግላዊ ምጽንናዕ ማለት ዘይኰነስ ካልኦት ከምቲ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ምሕረት መታን ክቕበሉ መጋበርያ መራኽቦ ምሕረት ንኽንከውን ዝድርኸ እዩ።

ኣብ መንጐ ምሕረትን ተልእዀን ውሁድ ጥዑም ዙረት ኣሎ። ምሕረት ምንባር ናይ ምሕረት ልኡካን ይገብር። ልኡኻን ምዃን ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ዕለት ብዕለት እናበረኽና ክንከይድ ክንዓብን የብቅዓና። እምበኣርከስ ክስቲያን ምዃንና ብሓቀይና ሕይወት ንዓትሮን ንነበሮን ከም ኣመንቲ ብምንባር ንግለጾ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ እቲ እንምስክሮ ወንጌል ናይ ካልኦት ልቢ ክማርኽን ልባቶም ከፊቶም ጸጋ ፍቕሪ ክቕበሉ ዘነቓቕሖም። እቲ ንዅሉ ዝሓቑፍ ምሕረት እግዚኣብሔር ንኽቕበሉ የነቓቕሕ እንክብሉ ዝለገስዎ ቀዳማይ ኢዮቤላዊ ኣተምህርቶ ክርስቶስ ከምዘጠናቐቑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.