2016-01-30 16:09:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ናብ ሓጢኣት ዝድርኽ ድኻምነት ናብ ምግባረ ብልሽውነት ኣይንለውጥ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 29 ጥሪ 2016 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፦ ናብ ሓጢኣት ዝድርኸና ድኻምነት ናብ ምግባረ ብልሽውና ከይልወጥ እግዚኣብሔር ንለምን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ለጊሶም ብላቲን ስርዓት ካብ መጽሓፈ ሳሙኤል ካልእ ምዕ. 11 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 4ን ካብ ፍቕዲ 5 ክሳብ 10 ካብ ፍቕዲ 13 ክሳብ 17ን ከምኡ እውን ካብ ወንጌል  ማርቆስ ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 26 ክሳብ 34 ዘሎ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣሞርኲይዞም፦ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ዝተገልጸ ታሪኽ ዳዊትን በርሳቤህ ጓል ኤሊዓም ጠቒሶም ዲያብሎስ እቶም ምግባረ ብልሽዋት ካብ ካልኦት ሓጢኣተይናታት ዝተፈልዩ ከምዘይኰኑ ንኽስምዖም ይድርኾም፣ ምሕረት እግዚኣብሔር እዚዩ የድልይ።

ብዝተፈላለየ ኣግባብ ሓጢኣት ምፍጻም ዝከኣል እዩ፣ ኰይኑ ግና እግዚኣብሔር ምሕረቱ ከምዝጽግወና ተኣሚንና ስለ ሓጢኣትን ብቕንዕና ምሕረቱ ምልማን የድሊ። እቲ ጸገም ምግባረ ብልሽውና እዩ፣ ብምግባረ ብልሽውና ዝተኣልከ ሰብ ምሕረት ኣብ በትረ ስልጣኑ የንብር፣ ብልሽውና ስለ ዝነብር ሓይሉ ኣብ ስልጣኑ ይኸውን። ዋሕሱ ስልጣኑ ይኸውን፣ እዚ ድማ ምሕረት ምሕታት ኣየድልየን ምባል እዩ ኢሎም።

እግዚኣብሔር ኣየድልየንን

ዳዊት ነታ ጓል ኤሊዓም በዓልቲ ቤት ኡርያ። ኡርያ ኣብ ሩሕቕ ኣብ ዓውደ ውግእ ተዋፊሩ ናይ ዘሎ ናይ ንጉስ ዳዊት ኣባል ሓለዋ ጸጥታን እዩ ኔሩ። ኣብቲ ሓጺር ጊዜ ውሽጢ ድማ እታ ሰበይቲ ንዳዊት ኣስደዐቶ ካብኡ ከምዝጸነሰት ድማ ሓበረቶ፣ ዳዊት ነቲ ዝፈጸሞ ዝምውና ንምኽዋል ይበላታሕ፣ ኡርያ ካብቲ ውግእ ክምለስን ናብ ቤቱ ከይዱ ከዕርፍ ይውስን፣ ኰይኑ ግና ኡርያ ቅኑዕ ሰብ ብምንባሩ፣ ወተሃደራቱ ኣብ ውግእ ሓዲጉ ኣብ ቤቱ ከይዲ ምስ በዓልቲ ቤቱ ከዕርፍ ዘይደልዮ ጉዳይ ምዃኑ ይገልጽ፣ ዳዊት ነቲ ናይ ኡርያ ድላይ ምስ ሰምዔ ድማ ይዕድሞን የስክሮን ኣብ ውግእ የቕትሎን። ኡርያ እሙንን ቅኑዕን ንሕዝቡን ንሃገሩን ሕግን እሙን። ዳዊት ምግባረ ብልሽውናኡ ንምሕባእ ዝፍጽሞ ኩሉ ብልሓቱ ባዶ እዩ። ሕማቕ ተግባርካ ምኽዋል ዘይከኣል እዩ።

ናይ ምግባረ ብልሽውና ውሕስነት

ዳዊት ቅዱስ እዩ፣ ሓጢኣተይና እውን እዩ፣ ህርፋን ዝምውና ዘለዎ። ምስ እዚ ኵሉ ሓጢኣቱ ግና እግዚኣብሔር ጽቡቑ እዩ ዝደልይ፣ እቲ ዓቢይን ልዑልን ዳዊት መንግስቱ ብርቱዕ ብምንባሩ ውሕስነት ኣብ መንግስቱ የንብር፣ ውሕስነት ድማ ይስምዖ። እቲ ዝፈጸሞ ምግባረ ብልሽውና ንምኽዋል ድማ መንግስቱ ኣብዚ ዙርያ የዋድድ፣ ኡርያ ኣብ ውግእ ከምዝተቐትለ የምስል፣ ዳዊት ካብ ሓጢኣት ናብ ምግባረ ብልሽውና ይሰጋገር፣ ኣብዚ ካብ ሓጢኣት ናብ ምግባር ብልሽውና ምባል ዘሎ ምርጫ ገዛእ ርእስና ንስተንትን፣ ሕልናና ንመርምር፣ ኣብ ገዛእ ርእስና ነስተንትን፣ ምግባረ ብልሽውና እቲ ብቐሊሉ ክንፍጽሞ ዝከኣል ፈተና እዩ፣ ስለምንታይ በቢ ዘሎና ቤተ ክርስትያናዊ ድዩ መንግስታዊ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያዊ ድዩ ማሕበራዊ ሓላፍነትን ስልጣንን ንምኽዋል ዝከኣለና ኰይኑ ስለ ዝስምዓና። ዲያብሎስ ክስምዓና ዝገብሮ ውሕስነት ድማ ንሱ እዩ።

ሓጥኣን እወ ምግባረ ብልሽዋን ከቶ

ብጸጋ እግዚኣብሔር ዳዊት ካብ ዝወደቐሉ ምግባረ ብልሽውና ፈንጺጉ ይትንስእ፣ ዳዊት ልቢ እግዚኣብሔር ዝሓረዮ፣ ብሓንቲ ወንጭፍን ሓሙሽተ ኣእማንን ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤምውያን ዝተዓወተ እዩ። ብርታዔን ስልጣንን ከም ዕርዲ ገርካ እቲ ሓጥኣን ምዃንና ናብ ምግባረ ብልሽውና ነኸየምርሕ ንጠንቀቕ። ሓጢኣት ሓጢኣት ምዃኑ ተሪፉ ምግባረ ብልሽውና ከይከውን ሓደራ።

እግዚኣብሔር ወትሩ መሓሪ እዩ። ምግባረ ብልሽው ምሕረት ዘድልዮ ከይኑ ኣይስምዖን፣ እምበር ካብ ገዛእ ርእስናን ቤተ ክርስቲያንን ንጀምር ስለ ቤተ ክርስቲያንን ስሌናን ስለ ር.ሊ.ጳ. ኣቡናትን ካህናትን ስለ ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ምእመናንን ንጸልይ፣ ኦ ጐይና ካብ ምግባረ ብልሽውና ዓቅበና፣ ሓጥኣንን ድኹማታ ኢና ምግባረ ብልሽዋት ግና ከቶ፣ እዚ ጸጋ እዚ እግዚኣብሔር ክዕድለና ንጸልይ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.