2016-01-28 16:19:00

ምግባረ ብልሽውና ማሕበራዊ ሓጢኣት እዩ


እቲ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ በርሊን ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ግልጽነት ማሕበር ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ከም ኣብነት ኣብ ልዕሊ 168 ሃገራት ዓለም ወሲዱ ዝረአይ ምግባረ ብሽውና ኩነትን እተን በዚ ማሕበራዊ ሓጢኣት ኣዚየን ዝተጠቕዓ ሃገራት ፈልዩ ደረጃ ብደረጃ ዝገልጽ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ናይ 2015 ዓ.ም. ናይ ዘካይዶ መጽናዕቲ ሰነድ ዕለት 26 ጥሪ 2015 ዓ.ም.ንንባብ ከምዘብቅዔ እንክሕበር፣ ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዝርከብ እተን ኣብ ምግባር ብልሽውና ኣዚየን ዝተኣልካ ሃገራት ሶማሊያን ሰሜን ኰርያን ከምዝዀናን ደንማርክን ፊላንድን ድማ እተን ካብዚ ዓይነት ማሕበራዊ ሓጢኣት ዳርጋ ናጻ ከምዝዀናን ኢጣሊያ ኣብ ደረጃ መበል 61 ቅድሚ ቡልጋሪያ ተጠቒሳ ከምዘላ ናይቲ ናይ ግልጽነት ማሕበር ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያ ሓላፊ ቨርጂኒዮ ካርነቫለ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፣ ብራዚል ንኣብነት ድሕሪ እቲ ናይ ፐትሮብራስ ቅልውላው ኤኮኖሚ ኣብታ ሃገር ምግባረ ብልሽውና ከምዝነከየን ሓቢሮም ዝዀነ ኰይኑ ይብሉ ምግባረ ብልሽውና ብዓቢይን ብትሑትን ደረጃ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ሃገራት ዝረኣይ ማሕበራዊ ሓጢኣት እዩ ኢሎም።

ምግባረ ብልሽውና ዘስዕቦ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ቅልውላው ተዓዳይ እቲ ምግባረ ብልሽውና ዝፍፈጸመን ዘይፈጸመን ኩሉ ዜጋ እዩ። ኣብ ልዕሊ ኵሉ ዘጋ ዝወድቕ ሓደጋ ከምዝዀነን ኩሉ ድማ ተዓዳዪ ምዃኑ ኣዚዩ ምስ ዘስተውዕል ጥራሕ እዩ እቲ ማሕበራዊ ሓጢኣት ንምውጋድ ዝከኣል፣ ኩሉ ዜጋ ከከም ሓላፍነቱን መነባብሮኡን ኣብዚ ሓጢኣት’ዚ እንትድኣ ተኣሊኹ እቲ ማሕበራዊ ሓጢኣት ምውጋድ ዘይሕሰብ እዩ ስለዚህ ግቡእ ግብሪ ናይ ምኽፋል ዜጋዊ ግብእነት ምፍጻምን የድሊ፣ መሰል ጥራሕ ዘይኰነ ግብእኻ ምኽባር የድሊ ኢሎም።

ኣብ ኢጣሊያ ይብሉ ብዝተፈላለየ መገዲ ምግባረ ብልሽውና ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ ብፖለቲካ ድዩ ብባህልን ፍትሕን ሕግን ደረጃ ከይተረፈ ካብተን ብርቱዕ ጻዕሪ ዝተገብረለን ሃገራት ቀዳመይቲ እያ። እዚ ዝግበር ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ናይ ምጥፋእ ቃልሲ ኣብ ኢጣሊያ ነቲ ዘሎ ምግባረ ብልሽውና የቃልዖ ኣሎ። ዝተሓብኤ ኵሉ ይቓላዕ ኣሎ። ስለዚህ ድማ እዩ ኢጣሊያ ካብተን ምግባረ ብልሽውና ዝፍጸመለን ሃገራት ቀንዲ ተባሂላ ትግለጽ ዘላ። ገሊኤን ሃገራት ጸረ ምግባረ ብልሽውና ጎስጓስን ቃልስን ዘየካይዳ ብዘይምዃነን እቲ ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ክትፈልጦን ይሃሉን ኣይሃሉን ክትመዝኖ የጸግም ምስ በሉ ኣስዒቦም፦ ምግባረ ብልሽውና ክውገድን ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ብዅለ መዳይ ክሰፍሕ መታን እቲ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ግልጽነት ብኣባላቱ ኣቢሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣባይቲ ትምህርቲ ብምኻድ ንሓድሽ ወለዶ ኣብ ጸረ ምግባረ ብልሽውና ባህሊ ብምሕናጽ ናይ ምግባረ ብልሽውና ሳዕቤናቱ ብምትንታን ናበይ ከምዝመርሕ እውን ብምሕባር ሰናይ ተግባራት ኣብ ምስፋሕ መዳይ ይርበክ ኣሎ፣ ንኡስ ዝበሃል ምግባረ ብልሽውና የሎን ምግባረ ብልሽውና ብነኣሽቱ ነገራት እዩ ዝብገስ ስለዚህ ናብቲ ዓቢይ ዝብሃል ከም ገበን ዘቕጽዕ ምግባረ ብልሽውና ንኸይብጻሕ ገና ብዓንተውኡ ኣብ ነኣሽቱ ነገራት እሙን ናይ ምዃን ልምድን ባህልን ምብራኽ የድሊ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.