2016-01-26 16:18:00

ብፁዕ ኣቡነ ፋረል፦ ናብ ውህደት ዝመርሕ ጸጋ


ዳግማይ ምቛም ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ዕላማ ማርቲን ሉተር ዘበገሶን ንቕዋመ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ምኽንያት ዝዀነ ንምውጋድ ኣብ መንጐ ሉተራናዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ፍልልይ ብምውጋድ ናብ ስምረት ዝኣመተ ኣብ መንጐ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝካይድ ሓባር ዘተ ዘነቓቐሖ ምቅርራብ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ሽወደን ከተማ ሉንድ ንዝኽሪ መበል 500 ዓመት ሉተራናዊ ሕዳሴ ኣብ ዝካየድ ባህላውን መንፈሳውን ሥነ ሥርዓት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምስታፍ ከምእተረጋግጾ እንክሕበር፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተርእዮ ጽቡቕ ድላይ እቲ ናይ ሓባር ርክብ ንቕድሚት ክብል ዘበራትዖ ምኻኑ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ኣመልኪቶም ንሓድነት ዝኣመተ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝካይድ ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ብራይን ፋረል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፣ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ፕሮቶስታንት ማለት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጥረ ቲዮሎጊያዊ መጐተ መበል 500 ዓመቱ ይዝከር ኣሎ ቢሎም፣ ካብ ዝሐለፉ ሓምሳ ዓመታት ንነጀው ኣብ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተበገሰ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐኤን ንምቅርራብ ዝድግፍ ፍሉይ ሃዋሁ ፈጢሩ እዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ሓባር ምቅርራብ ኣብ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ዝቖመ ብምዃኑ ድማ ነቲ ሕዳሴ ብሓድሽ ዓይነት ኣረኣእያ ንምርዳኡን ይድግፍ ምህላዉ ኣብሪሆም።

ዝኽረ ሉተራናዊ ሕዳሴ ኣብ ዝፈጸሙ ባህላውን መንፈሳውን ሥነ ሥርዓት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝክሪ መበል 500 ዓመት ብውግዒ እተራዮን እትነብሮን ሱታፌ ፋልማ እዩ። ስለዚህ እቲ ምግምማዕ ዝፈጠረ ኩነት ኩሉ ሳዕ ብኣሉታዊ ጎድኒ ካብ ምርኣይ ዘለዎ እወታዊ ጎድኑ ማለት እቲ ዘቀራርብ ብሓባር ምልላይ ኣብ ብዝብል ደረጃ ክርአይ ከምዝተበቕዔን፣ ኩለን ማለት ካቶሊካዊት ድያ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ሕድ ሕዳዊ ምውቕቓስ ወጺኤን እቲ ኣብ ኤውሮጳ ንዝተፈላለየ ዓመጽ ዝደረኸ ክትዕን ፍልልይን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘበገሶ እወታዊ ጎድኑ ፈሊኻ ብምርኣይ ነቲ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ምድጋፍ የድሊ ኢሎም።

ስለ ሓቅን ኣብ ሓቅን ምስ ሓቅን ምዝታይ ብዝብል መገዲ ነቲ ዘካትዕ ንምፍልላይ ምኽንያት ዝዀነ ቲዮሎጊያዊ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ይፍተን ኣሎ፣ እዚ ድማ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ንምቅርራብ ዘይድግፍ ሕድ ሕዳዊ ምውቕቓስ ኣወጊዱ ብሓባር ብምቕብባልን ብምኽብባርን ብሕውነት መንፈስ ንምንባር ኣብቂዑ ኣሎ።

ሉተር ዘቕረቦ ዝነበረ ኣራሚ ሕቶ ብርግጽ ኣብቲ እዋን ኣብ ሕይወት ቤት ክርስቲያንን ኣባላትን ዝረአይ ዝነበረ ጉዳይ እዩ። ሊሚ ግና ኩሉ ተቐይሩ እዩ። ቤተ ክርስትያን ኣብቲ እዋን ብዝፈጸመቶ ናይ ሕልና መርመራ ብዙሕ ለውጡ ኣርእያ እያ ተርእይ እውን ኣላ። ካብ ጉባኤ ትረንቶ ኣትሒዛ ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዘመናት እውን እንተዀነ በቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣቢላ ዘበገሰቶ ከይዲ ሉተሮ ዘቕርቦ ዝነበረ ሕቶ ናታ ገይራ ኣቕሪባቶ እያ እዚ ድማ ንሕድነት ዝመርሕ ጸጋዊ ድርኺት እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.