2016-01-23 15:51:00

ብፁዕ ኣቡነ ቪጋኖ፦ ንምርኻብ ክቡትስይ ዋጋይስይ ህድኣትን ጸጥታን መሊስና ንዕተር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሃን ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕለት 22 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዝመርሕዎ ጳጳሳዊ ናይ መራኽቢ ብዙሃን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ኤድዋርዶ ቪጋኖን ናይ ቫቲካን ቴለቪዥን ጣቢያ ዋና ኣመሓዳሪ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒን ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ማሪነላ ፐሮኒ ብዘሳተፈ መደብ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተወሃበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ብፁዕ ኣቡነ ቪጋና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ምሕረት እግዚኣብሔር ብህዳኣትን ጸጥታን መርኣያ ሓሳብን ምስልን እስተንትኖን ንኻልእ ንናይ ምትሕልላፍ ተግባር መሰረት እያቶም፣ ቃል ኢየሱስ ምሕረት ዝእውጅን ምሕረቱ ንዅሉን ነፍሲ ወከፍን ሕግታትን ሓለፋ እዩ። ሰገር ኩሉ ሕግ እዩ። ምሕረት እግዚኣብሔር ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ቪጋኖ ቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነትን ብቓልን ግብርን እትነብሮን እተመሓላልፎን መንነታ እዩ። ስለዚህ ምሕረት ንምክፋል ህድኣትን ጸጥታን ኣገዳሲ እያቶም፣ ህድኣትን ጸጥታን ጽሞናን ናይ ምንባር ብቕዓት ምስ ዝህሉ እቲ እተመሓላልፎ ቃል ልዑል ክብሪ ይህልዎ። ናይ ኣስተንትኖ ውጽኢት ስለ ዝዀነ ድማ ኣድማዕነት ይህልዎ። ህድኣትን ጽሞናን ዝተፈልየ ናይ ምትሕልላፍን ምክፋልን ኣግባብ ኰይኖም ክግለጽ ዝክኣል እዩ፣ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝነብርዎ ዝኽውንዎን ዘለዉ ብዙሓት ሓዳሲ ቤተ ክርስቲያን እንክብል ዝገልጽዎ ሓዋርያው ኣገልግሎቶም፣ ካብ ህድኣትን ጸጥታ ኣስተንትኖን ጸሎትን ዝምንጭው እዩ፣ ስሌኡ እዩ ድማ ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ስለይ ጸልዩ ዝብሉ፣ ዝጽልይ ጸልየለይ ይብል ስለምታይ ስለ ዝጽልይ።

ህድኣትን ጽሞናን እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ንልልያ ወሳኒ እዩ፣ ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ህዳኣትን ጸጥታን ኣስተንትኖ ይኸውን፣ ኣብዚ ህውከታውን ብጫውጫው ዘንጸራርው ዘሎ እዋናዊ ዓለም ናይ ህድኣትን ጸጥታን ናፍቆት ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዊ ይምስክር።

ካብቲ ጫውጫውታ ዝተመልኤ ማለት ዕለታዊ ሕይወትናን ካብቲ ናይ በለካን ለኸዓካን ሕሜትን፣ ዝበሃሉ ቃላት ከከም ዝደለኻዮ ንናይ መጋበርያ ውልቃዊ ረብሓ ካብ ምግባር ቃል ህድኣትን ጸጥታን ዘለዎ ልዑል ክብሪ ነስተውዕል።

ፓውሎ ሩፊኒ፦ መራኸቢ ብዙሃን ብዓይኒ ምሕረት ንኹሉ ቀረባ ይኸውን

መርኣያ ሓሳብን ምስልን ኣቢልካ ምሕረት ምክፋል ዝብል ፍሉዩ ሜላ የሎን፣ ምሕረት ንምክፋልን ንምትሕልላፍን ይብሉ ናይ ቫቲካን ቴሌቭዥን ጣቢያ ዋና ኣመሓዳሪ ሩፊኒ ኣብ ምሕረት ውሽጢ ምጉዓዝ የድሊ። እዚ ማለት ድማ ናይ ምሕረት ተመክሮ ክህልወካን ከምእተመሓርካን ዝገልጸልካ ናይ ምህረት ተመክሮ ክህልወካን እቲ ተመክሮ ምሕረት ድማ ብተራኻ ምንባርን፣ ናይ ዝተመሓረ ተምክሮ ዘሎካ ምስ እትኸውን ተካፍሎን ብተራኻ እውን መሓሪ ትኸውን ዝብል እዩ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ናይ ቴለቪዥን ማዕከናት ብናይ ምሕርቲ ልልያ ክብሪ ዝምዘና ስለ ዝዀና ኣብቲ ዘመሓላፍኦ መደብ ዘይኰነስ ብዝሒ ሰማዒ ክህልወን ኣብ ዝብል ሓሳብ ብምትኳር መላግቦ ደኣ እምበር መራኸቢ ካብ ምዃን ዝበኾረ ኰይኑ ኣሎ። ኣብቲ ምልኣትን ውህበትን ጽባቔን ምክፋልን ዝብል መምዘኒ ምስ ዝግበር ግና እቲ መራኸቢ ብዙሃን ፍሉይ ዝግበሮን ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ይቃላሕ።

ኣብ ምሕረት ዝተመስረተት ናይ ቴለቪዥን ጣቢያ ካብ ንነገራት ንላዕሊ ንወዲ ሰብ ዘተኩር ይኸውን። ምሕረት ኣብ ምክፋል ዝዋሳእ ቴለቪዥን ጣቢያ ብድሆ ናይ ዓለም ከይኰነ ኣብ ክውንን ጭቡጥን ዓለም ዝነብር ምንባር ዝብል እዩ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ክፍለ ፈነወ ዘይዕጸው። ሕልሚ ብቡቕ ዋጋ ዝሸይጥ ቤት ንግዲ ዘይኰነስ ብኣካል ንሰብን ዓለም ቀረባ ብምዃን ዝነብር ደኣ እምበር ንሰብን ዓለም እውናዊ ወይ ከኣ ምናባዊ (Virtual) ቅርበት ዝነብር ክኸውን የብሉን። ኣብ ነኣሽቱ ነገራት ዘሎ ዓቢይ ክብሪ ናይ ምልላይ ብቕዓት ዘለዎን ንኹሉ ቀረባ ምዃን ዝብል መምርሒ ዝኽተልን እዚ ድማ ንምርዳእን ተገሪሙ ዘገርምን ብቓልን ግብርን ዝዋሳእን ናይ ምልላይ ብቕዓት ዘለዎን ዝኸውን ኩለንተና ዝማርኽ ክንስሕቕን ክንነብዕን ቀልብና ዝማርኽን ኰይኑ ከነመዛዝን ከነስተውዕል ዝድግፈና ኰይኑ ክርከብ ኣለዎ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ማሪነላ ፐሮኒ ብወገነን ልባዊ ኣስተንትኖ ኣብ መንጐ ሐበሬታ ምቕራብን (ምግላጽን) ምትሕልላፍን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪለን፦ ኣብ መንጐ ምሕረትን መራኸቢ ብዙሃንን ዘሎ ርክብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቲዮሎጊያ ኣሞርኪዘን ምሕባርን ምርኻብን ዝተፈላለዩ ተግባራት እያቶም ኰይኑ ግና ኣስተንትኖ የድልዮም። ቅዱስ ኣቦና ነዞም ክልተ ዓይነት ምርኻብ እንክገልጹ ምስማዕ ጥራሕ ዘይኰነስ ብጽንታ ናይ ውሽጥኻ ዘረባታትን ሁከታትን ሱቕ ኣቢልካ ጽን ምባልን ዘሎ ፍልልይ ብምትንታን የብርህዎ፣ ምስማዕን ምስትዓልን ዝተፈላለዩ እያቶም፣ ምስማዕ ብእዝኒ ምስትውዓል ግን ብልቢ እዩ ዝኽወን። ንምስማዕ ልብኻ ስንድው ምስ እትገብር ምስትዓል ይኸውን እዚ ዓይነት ምስማዕ እዩ ቅዱስ መጽሓፍ ዘብርሃልና። ከምዚ ዓይነት ጽን ምባል ክህሉ እንከሎ ስምዒታዊ ዘይኰነስ ናይ ልቢ ስንድውና ናይ ሕይወት ስንድውና ዘመልክት በዚ ዓይነት ምስትውዓል’ዚ ድማ ምንባርካ ምህናጽ ዝብል እዩ።

ናይ ልቢ ኣስተንትኖ ናብ ምሕረት ዝመርሕ ጐዳና እዩ። ምግላጽ ሓበሬታ ወይ ድማ ዜና ምቕራብ ብልቢ ዝሓልፍ ምስ ዝኸውን ብናይ ምንባር ጥበብን ብናይ ሕይወት ጥበብን ዝተመርሔን ዝተሓስበን ምስ ዝኸውን ናይ ምሕረት ኣገልግሎት ይኸውን ከምዝበላ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኰ ኣስዒቦም፦

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሕዳሴ ኣመልኪቶም ብፁዕ ኣቡነ ቪጋኖ እቲ ሕዳሴ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ድሮ ኣብ ወረቐት ሰፊሩን ብናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ጸዲቑን ኣሎ፣ ስለዚህ ብዓቢይ ጥንቓቔ ናይቲ ሕዳሴ ዝኽተሎ መገዲ ብምልላይ  ናብ ግብሪ ክውዕል እዩ። ልዕኒ 700 ሰራሕተይናታት ዝምልከት ብምዃኑ ድማ እዚ ከይዲ’ዚ ዓቢይ ጥንቓቔ ዘድልዩ እዩ ከምዝበሉ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.