2016-01-21 16:37:00

ዓለም ሓቆፍ ብድሆታት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘቕርብዎ ምዕዳንን ስብከትን ብዝልግስዎ ኣስተምህሮን ብዘመሓላለፍዎም መልእኽትታትን ኣብ ዘካየድዎ ርክባትን ዝፍጸመዎ ብሔራውን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻታት ብቐረባ ብምጽናዕ “ቦርጎሊዮ፦ ዓለም ሓቆፍ ብድሆታት” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ኢጣሊያ መደብር ራዲዮን ተሌቪዥን ጋዜጠይና ናይ ስነ ቫቲካን ሊቅ ሪካርዶ ክርስቲያኖ ዝደረስዎ ብቤት ማሕተም ካስተልቨኪ ተሓቲሙ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ጋዜጠይናታት ሕንፃ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ሚሸል ራቪያርት ሓቢሮም።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብድሆ ናይታ ኣብቲ ዓውሎማዊ ዓለም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብድሆ እዩ፣ እዚ ብድሆ’ዚ ድማ በቲ ብናይ ምሕረት ምልክት ንዝተለወጠ ልቢ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ዝሓልፍ ምዃኑ ሪካርዶ ክርስቲያኖ ነታ መጽሓፎን ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ገሊጾም፣ ቦርጎሊዮ ኣብቲ ዓውሎማዊ ብድሆ ኣብ ዘለሉ ዓለም፣ ዓለም ለኻዊ መራሒ እዮም፣ እቲ ዓውሎማዊ ብድሆ ድማ ዘይስሉጥነት ዕማም ዓውሎማነት እዩ። ናይ ቅዱስነቶም ርእየትን ራእይን ቤተ ክርስቲያናዊ ራእይ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣሕዛብ ኣብ ምግምማዕ ኣብ ዘምርሕሉ ንዘለዉ እዋን ንናይ ዓለምን ሃገራትን መራሕቲ ተስፋ እዩ። ስለዚህ ንሕዝበ እግዚኣብሔርን ንዝዀነ ይዅን ሕዝቢ መገዲ ዝመርሕ እዩ፣ ኣብቲ መምዘንታት ተግባረ እድ ቁጠባዊ ከይዲ ነቲ ዘሎ ክውን ፍልልያት ክሓክኽ ኣብ ዝፍተነሉ ዘሎ ዓለም ነቶም ፍልልያት ብምኽባር ሓባራዊ ናብራ ውሑስ ክገብር ዝኽእል ካብ ሕዝብን ንሕዝብን ዝነቐለ መርሕነትን ምሕደራ መንግስትን እዩ።

እቲ መጽሓፍ እቶም ኣብ ሶሪያ ብዕጡቓት ሓይልታት ካብ ዝጭወዩ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዘቑጽሩ ዘለዉ ኢጣሊያዊ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ ኣብ ዝጠቕስ ክፍሉ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መርሕነት ንሱ ድማ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕን እቲ ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ምስቲ ናይታ ከተማ ሙክራብ ዓቢይ ናይ ኣይሁድ  ሃይማኖት መምህር ኣብራሃም ስኮርዛ ዝነበሮም ርክብ ዝምስክሮ እዩ ከምዝበሉ ራቪያርት ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑ ናይ ካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቓስ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ፦ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብዚ ዓውሎማነት ዝንበረሉ ዘሎ ዓለም ንምዕባለ ሕብረተሰብ ዓቢይ ግደ ኣለወን ስለዚህ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሰላምን ፍትሕን ንምርግጋጽ ኣብ መንጐ እተን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንቕዱስ ኣቦና ኣውራ ርእሰ ጉዳይ እዩ ምስ በሉ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ በቢ ዓመቱ ኣብ ኣሲዚ ዝካየድ ናይ መላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መደብ ናይ ሓባር ዘተን ጸሎትን መበል 30 ዓመት ብጋሴኡ ይዝከር ከምዘሎ ዘኪሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ማእከል ዝገበረ ሓዋርያዊ መርሕነት እዮም ዘረጋግጹ ዘለዉ ከምዝበሉ ራቪያርት ገሊጾም።

ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ኣብቲ ብራዚል ኣፓረሲዳ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጳጳሳዊ ጉባእያውነት ክህሉ ዘተባብዕዎ ሓሳብን ደሓር እውን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኰይኖም ምስ ተመርጹ ባዕሎም ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ዘለዉ ሓሳብ ኰይኑ ኣሎ፣ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ ኣብ ቤተሰብ ዘማእከለ ዝተኻየደ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዝምስክሮ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ቅዱስነቶም ሃይማኖታውን ሰብኣውን ጥበብ ይገልጹ ኣለዉ፣ ስለዚህ እቶም ብድሆታት ቅዱስ ኣቦና ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ዓለም ብድሆታት እያቶም ከምዝበሉ ራቪያርት ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.