2016-01-21 16:25:00

ሓድሽ ሲመተ ጵጵስናን ምቛም ህየንተን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብራዚል ናይ ሲኖፕ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ጀንቲል ደላዛሪ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ሓዋርያዊ ናይ ሰበኻ ጵጵስና ሓላፍነቶም ክሰናበቱ ዘቕረብዎ ናይ ልሂቅነት ሕቶ ተቐቢሎም እወታዊ ውሳኔ ከምዝሃቡሉን ብፁዕ ካኒሲኦ ክላኡስ ካብ ሰበኻ ሳንታ ክርሱ ዶ ሱል ናብ ሰበኻ ሲኖፕ ኣዛዊሮም ናይታ ሰበጳ ጳጳስ ንኽዀኖ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ክላኡስ ዕለት 22 ሚያዝያ 1998 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ዲያማንቲኖ ተሓባባሪ ጳጳስ ኰይኖም ዝተሰምዩን ዕለት 21 ሰነ 1998 ዓ.ም. ማዕርገ ጵጵስና ዝተቐበሉን ዕለት 19 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ናይ ሳንታ ክሩዝ ሰበኻ ጳጳስ ኰይኖም ከምእተሰየሙን ናይቲ ብኦአስተ 2 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ መላእ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ካብ 2003 ክሳብ 2006 ዓ.ም. ኣባል ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ኰይኖም ከምዘገልገሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ኰሎምቢያ ዝቕመጡ ንናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን መንበር ሓዋርያዊ ኤጳርቅና ብምቛም ኣብ ሊባኖስ መንበረ ጥበብ ቤተ ጸሎት ቆሞስን ኣበ ነፍስን ኰይኖም ኣብ ምግልጋል ንዝነበሩ ኣባ ፋዲ ኣቡ ቸበል ናይታ ናይ ማሮናዊት ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኮሎምቢያ ኅየንተ ኰይኖም ነኸገልግሉ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.