2016-01-16 16:11:00

ብፁዕ ካርዲናል ካስፐር፦ ብምኽንያት ናይ ምሕረት ዓመት


ብምኽንያት ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ሰበኻ ሮማ ዘዳለዎ ስሩዕ መደብ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ሮማ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ መንፈስ ዘሳሲያ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዋልተር ካስፐር ብዘስምዕዎ ኣስተምህሮ ዕለት 15 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቃን ከምእትጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ምሕረት ንናይ ጊዜ ምልክት መልሲ እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተጀመረ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ኣማእኪሎም ናይ ቤተ ክርስቲያንቅ ቅዱስ መንፈስ ዘሳሲያ ሓለቓ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ባርት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ እቲ ትምህርተ ክርስቶስ ምእመና ብዛዕባ ምሕረት እግዚኣብሔር ብዑምቀት ንኽፈልጡን ነኸስተውዕሉን ዓቢይ ድርዀት ምቕራብ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፣ ምስ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ምስ ረስ ማኘ እተሰምየ ሕዳሴን ባህል ዘነቓቕሕ ማሕበር ብምትሕብባር ዝተዳልወን መለኰታዊ ምሕረት ትርጉሙን ብኸመይ ክንበርን ክምስከርን ንዝብል ሕቶ ብትምህርተ ክርስቶስ መልክዕ ዝስተንትን ፍሉዩ መደብ እዩ።

እዚ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ሰለስተ ደረጃ ተኸፊሉ እቲ ቀዳማይ ግልጸት ምሕረት ዝብልን እቲ ካልኣይ ምሕረት ኣብ ቅዱሳት ምስጢራትን ጸሎትን ዝብል ኰይኑ እቲ ናይ መወዳእታ ሳልሳይ መደብ ድማ ምሕረት ምንባር ዝብል ማለት ምሕረተ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ንብጻይካን ጎረቤትካን እተካፍሎ ከምቲ እግዚኣብሔር ንኣና ዘካፈለና ክርስቲያን ብተራኡ ከካፍሎ ዝመርሕ እዩ ኢሎም።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ መንፈስ ዘሳሲያ ቅዱስ በሪ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1995 ዓ.ም. ብዘካይድዎ ምብጻሕ ዝተኸፍተን ነታ ቤተ ክርስቲያን ናይ መለኮታዊ ምሕረት ልእኽቲ ቢሎም ዘቐምዋ ቤተ ክርስቲያን ምዃና ብፁዕ ኣቡነ ባርት ገሊጾም፣ ስለዚህ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ጸዋዕታ ብስራት መለኰታዊ ምሕረት እዩ። ኣብዚ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ነቲ ጽዋዕታኣ ትነብር ኣላ። ብናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ በሪ ዝሓልፉ ነጋድያን ቀጺሎም ብናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ መንፈስ ቅዱስ በሪ ንምሕላፍ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ይነግዱን ነቲ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ተነቢሩ ዘሎ ናይ ቅድስቲ ፋውስቲና ክዋልስካ ቅዱስ ትሩፋት ይበጽሑን ብኣኡ ኣቢሎም ንመለኰታዊ ምሕረት ስግደትን ኣምልዀን የቕርቡ ኢሎም።

ቅዱስቲ ክዋልስካ ናይ መለኰታዊ ምሕረት መንፈሳውነት ብቓልን ሕይወትን መስካሪት ምዃና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝገለጽዎ ሓሳብ ሎሚ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ብኣማላድነት ዝግለጽን ንመንፍሳዊ ነጋድያን እግዚኣብሔር ዝዕድሎ ጸጋ ኣቢሉ ድማ ኵሉ ናይ መለኰታዊ ምሕረት ልኡኽ ምዃኑ ይቃላሕ ኣሎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣብዚ ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.