2016-01-16 16:05:00

መደብ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ሮማ ሙክራብ


ዕለት 17 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ሙክራብ ዝፍጽምዎ ምብጻሕ ብማሕበረሰብ ኣይሁድን ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምሃራንን ብዙሕ ትጽቢት ዝተነብሮ ምዃኑ እንክሕበር፣ ኣብቲ ሙክራብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1986 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2010 ዓ.ም. ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ ዝዘከረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ማኅተምን መግለጺ ኣስዒቡ ኣብ 1959 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ሮማ በቲ ናይ ኣይሁድ ሙክራብ ዝርከበሉ ከባቢ እንክሓልፉ እታ ተሳፊሮምላ ዝነበረት መኪና ደው ክትብል ገይሮም ነቶም ኣብቲ ፊት እቲ ሙክራብ ተኣኪቦም ንዝነበረ ምእመናን ኣይሁድ ከምዝባረኹን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዘይ ፍልልይ ንኹሉ ክፉትን ብፍላይ ድማ ምስቶም ዓበይቲ ናይ ሃይማኖት ኣሓዋት ቢሎም ንዝሰመይዎ ሃይማኖት ኣይሁድን ብሓፈሻኡ ነተን ኣብ ሓደ-እግዚኣብሔርነት ዝኣምና ሃይማኖታት ክፉት ምንባሮም ገሊጾም፣ እቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ናይ ሮማ ኣይሁድ ሃይማኖት ሰዓብቲ ዓቢይ መምህር ነፍሰ ሄር ኤሊዮ ቶኣፍ ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሙክራብ ሮማ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ኣይሁድ ሙክራክ ክበጽሕ ፈለማ ምዃኑ ዘኪሮም እቲ ናቶም ኣመት ድማ ብሓቂ ኣብ ተዘክሮ ታሪኽ ዝነብር እዩ እንክብሉ ገሊጾምዎ ከምዝነበሩ የዘኻኽር።

ኣብ መበል ዝኺር 24 ዓመት ምብጻሕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሙክራብ ሮማ ምኽንያት ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 17 ጥሪ 2010 ዓ.ም. ኣብቲ ሙክራብ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ብናዚ ፋሽስታዊ ስርዓት ዝተፈጸመ መቕዘፍቲ ዘኪሮም ኣብ መንጐ ካቶሊካውያንን ኣይሁዳውያን ዘሎ ሕውነት እቲ ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝደምዔ ሓሳብ የረጋግጾ ቢሎም እቲ ጸረ ኣይሁዳውያን ተግባር ከይድገም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ የዘኻክር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ኣብ ዝተሾሙላ ዕለት ናይ ሮማ ኣይሁድ ዓቢይ መምህር ሪካርዶ ሰኚ ብዘመሓላልፍዎ ናይ ሰናይ መግለጺ መልእኽቲ ሓጐሶም ገሊጾም እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣይሁድ ሃይማኖትን ዘሎ ሰናይ ርክብ ከምዘተባብዑን ክብ ከምዘብሉን ድማ ዘለዎም እምነትን ተስፋን ገሊጾም ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.