2016-01-14 16:23:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፦ ምሕረት እግዚኣብሔር እንቕበሎ ጸጋ እዩ


ዕለት 12 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ዝበቕዔ  ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኻየደ ዝርርብ መሰረት ስም እግዚኣብሔር ምሕረት እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ምስ ናይ ስነ ድርሰት ሊቅን ደራስን ናይ ስነ ቫቲካን ሊቅ ኣንድረያ ቶርኒየልን ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ናይ ስነ ጥበብ ሊቅ ሮበርቶ በኒኚ ብሓባር ነቲ መጽሓፍ ዘላለዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ኣደጊፎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ምሕረትን ናይ ምሕረት ተግባራትን ማሕበራዊ ኣድማስ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ዓቐን ክኸውን ኣለዎ፣ ስለዚህ ቅድም ቀዳድም መግለጺ ፍትሒ እዩ ስለምንታይ ሰብ ከም ሰብ መጠን ሓለዋን ኣኽብሮትን ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን መሰረታውያን ሰብኣዊ ጠለባቱን ግድን እዩ። እዚ ኹሉ ካብቲ ንሓውን ንብጻይን ብሓፈሻኡ ንሰብ ክፉት ምዃን ዝብል ጠባይ ልቢ ዝነቅል ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ እዩ እቲ ናይ ምሕረት ኣድማስ። እቲ ካልእ ዓቢይ ሕቶ ድማ ይቕረ ምባልን ምምሓርን እዩ። እዚ ድማ እቲ ብኻልኣይ ደረጃ መትከል ክኸውን ዝግብኦ ክብሪ እዩ፣ ዘይንምሕርን ይቕረ ዘይንብል እንተድኣ ኰይና ካብቲ ብቐጻሊ ዝረአይ ዓመጽን ግጭትን ሁከትን ዓንኬል ንምውጻእ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ።

ብመሰረቱ ዋላ’ኳ ኣብ ምምሓር ሚዛንነት ቢልካ ምዝራብ ዘጸግም እውን እንተኾነ ኣብ ምምሓር ሚዛንነት ኣገዳሲ እዩ። ቅዱስ ኣቦና እዚ ሓሳብ ኣብቲ መጽሓፍ ከምእተመልከተ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ሕሉፍ ምሕረት ዝርእየ ምዃኑ ይገልጽ። ምሕረት ብቕዓት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምልከት እንተዝኸውን ምሕረት ምሕረት ኣይምዀነን ኣይምሃለወን እውን፣ ስለዚህ ክንየው ብቑዕነት እዩ። ኢየሱስ ነቲ ማዕጾኡ ንዝኸፍተሉ እዩ መጺኡ፣ ስለ እቶም ማዕጸዉ ንኽኸፍትሉ ድላይ ወይ ከኣ ሓሳብ ንዘለዎም እውን እዩ መጺኡ። ንምሕረት ድማ ከምኡ። ንጸጋ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ዝዓጽው ጸጋ እግዚኣብሔር ብሓይሊ ክኣትው ኣይብሎን እዩ። ኣብ ዮሓንስ ራእይ ኢየሱስ፦ “እነሆ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ይዅሕኩሕ ኣለዅ ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑ እንተኸፈተለይ ናብኡ ኽኣትው ምስኡ ድማ ክድረር እየ ንሱውን ምሳይ” (3,20) እንክብል የረጋግጸልና። ብሓይሊ ፈንጺጉ ዝኣትው ምሕረት ኣይኰነን።

ኣብቲ ነቲ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተስተፉን ዘረባ ዘስምዑ ኢጣሊያዊ በኒኚ ዝበልዎ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዘኪሮም ምሕረት ዝግለጸሉ ርህራሄን ድንጋጼን ሕሉፍ ፍቕርን እንክትንትኑ ብሓቂ ኣብቲ ዋዛን ቁም ነገርን ዝመልኦ ዘረባኦም ከምቲ ልሙድ ልቢ ሰብ ኣበራቢሮም እዮም ኣልባብ ፍጥረት ሰብ ዘይነበራብር እንተድኣ ኰይና እቲ እነቕርቦ መልእኽቲ ክርስትና ዘይጭበጥ ሓሳብ ኰይኑ ይተርፍ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.