2016-01-12 16:00:00

ኣወሃሃዲ ብፁዓን ጳጳሳት ንቅድስቲ መሬት


ኣብ ቅድስቲ መሬት ሓዋርያዊ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳትን ካብ ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረትን ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ማሕበርን ኣባላት ብፁዓን ጳጳሳት ዝሓቁፍ ኣወሃሃዲ ጉጅለ ብፁዓን ጳጳሳት ንቕድስቲ መሬት ዕለት 11 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብ እስራኤል በይር ኦናሕ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብቲ ከባቢ እስራኤል እትሓንጾ ዘላ ፈላላይ ግንቢ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ረሚሳን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካካይዱ ዝነበሮም መደብ ክፍጽሙ ዘይምኽኣሎም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ኣብ ክረሚሳን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸየካይዱ ኣብቲ ከባቢ ምስ በጽሑ ብናይቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታ ከምእተኣገዱ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ እቶም ብፅዓን ጳጳሳት ኣብቲ ከባቢ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዝነበሮም ድላይ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንምንቕቓሕ ዝኣመተን ኩሉ ከከም ሓላፍነቱ ኣብ መስርሕ ሰላም ክዋሳእ ዘተባብዕ ምዃኑ ገሊጾም ኣብቲ ዝተኣገድዎ ቦታ ኰይኖም ጸሎት ኣዕሪጎም ከምእተመልሱ የመልክት።

ምንዛዔ መሬት ማሕበረ ክርስቲያን

ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ናይቲ ጉጅለ ንቕድስቲ መሬት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባል ኣብ ኢጣሊያ ናይ ግሮሰቶ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮዶልፎ ቸቶሎኒ፦ ኣብ መንጐ በይት ጃላንን ጂሎንን ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ገዛእ ርእሱ መሬትን መንበርን ብናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ይምዛዕን ነጻነቱ ይገሃስን ምህላዉ ገሊጾም፣ ኣብቲ ቦታ ምራኻብ ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ መሬቱ ዝምዛዕ ዘሎ ማሕበረ ክርስቲያን ቅርበትን ድጋፍን ንምርግጋጽ እዩ ከብዝመሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.