2016-01-12 15:58:00

ቅዱስ ኣቦና፦ ሓራጣን ምጥላዕን ምቅዋም፣ ሓልዮት ንኣባይቲ ስድራ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ናብቲ ዕለት 11 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ብካሪስታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ዘመሓድሮ መእለዪ ድኻታትን ግዳም ሓደርን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሔራዊ ጸረ ሓራጣ ቤት ምኽሪ ናብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ፦ ኩሉ ዓቕሙን ብቕዓቱን ኣወሃሂዱ ግብሪ ሓራጣን ንሓደጋ ዘቓልዕ ቁማርተይና ሕይወት ክቃወምን እዚ ሕብረተሰብን ኣባይቲ ስድራን ንሓደጋ ዘቃልዕን ዘዕንውን ተግባር ከውገድን ሓልዮት ንኣባይቲ ስድራ ከተባባዕን ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ኣፍሊጦም።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ኤኮኖሚ ብዙሓት ዜጋታት ናብ ርእሰ ቕትለትን ናብ ኢድ ናይ ገበን ጉጅለታትን ሓራጣውያንን ክወድቁ ደሪኹ ምህላዉን ገና እውን ይቕጽል ከምዘሎን፣ እቲ ቅልውላው ኤኮኖሚ ዘተኣታተዎ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገማት ንምውጋድ ድጋፍን ምትሕብባርን ንበይኑ እኹል ኣይኰነን። ናይ ሃገራት ናይ ኤኮኖሚ መርሃ ግብሪ ነቶም ኣዚዩም ዝተጠቕዑ ክፍሊ ሕብረተሰብን ድኻታትን ዘማእከለ ክሳብ ዘይኰነ ዋላ’ኳ ምምሕያሽ ኤኮኖሚ ይረጋገጽ ናብ ዝገደደ ዘይምዕሩይ ማሕበራዊ ሕይወት እናሰነየ እቲ ድኻ ኣዚዩ ናብ ድኽነት ከንቆልቁልን እቲ ውሑድ ሃብታም ክፍሊ ሕብረተሰብ ድማ ኣዚዩ ክህብትም እዩ ዝገብር። ንሰብኣውያን ጠለባት ብቑዕ መልሲ ዝህብ ፖለቲካ ወሳኒ እዩ። መግቢ ሕክምና ትምህርትን ቤትን ንኹሉን ናይ ኵሉን መሰል ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ስነ ማሕበራዊ ሊቅ ናይ መንበረ ጥበብ መምህር ማውሪዚዮ ፊያስኮ ከምዝገለጹ ጓራሺ ሓቢሮም።

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ፦ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ኢጣሊያ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዘለዎም ግደ ዓቢይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም በርገሳዊ ቃል ኪዳን ብዝብል ምስምስ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት መርዓ ዘይምፍቓድ ዘይስልጡነት እዩ ዝብል ዘረባ ይስማዕ፣ ወይ ድማ ሳልሳይ ዓለም ምዃን እዩ ቢሎም ይገልጽዎ። እቲ ዘሕዝን ግና ኣብ ሓንቲ ሃገር ድኻታት ክሳብ ዘለዉን ካብ ናይ ሰብኣውያን ኣገልግሎት መውሃቢ ዝተነጸሉን ኰታ ኩሉ ሰብኣውያን ጠለባት ዘይክበረሎም ክፍሊ ሕብረተሰብ ክሳብ ዘለዉ ሓንቲ ሃገር ስልጥንትን ምዕብልትን ክትበሃል ኣይትኽእል እያ ዘይምባል እዩ።

ናይ ምዕባለን ስልጣነን መምዘኒ ነቲ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከብ ምእላይን ካብቲ ዝወደቐሉ ድኽነት ናይ ምድሓን ብቕዓት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጓራሺ ኣስዒቦ ኣብ ኢጣሊያ ንቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ሸሞንተ ሺሓዊ ክፍሊት ንናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ከምኡ እውን ንናይ ሰብኣዊ ምሉእ ሕንጸት ንምንቕቓሕን ነቶም ዝተናዕቁን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ድጋፍ እዩ ዝውዕል ከምዝበሉ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.