2016-01-09 16:21:00

ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ድጋፍ ዝውዕል ሎተሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


ከምቲ ልሙድ ንናይ ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝውዕል በቢ ዓመቱ ዝካየድ መደብ ሎተሪ ሃገረ ቫቲካን ለምዘበን ንሳልሳይ ጊዜ ከምዝቐረበ ክምልከት እንከሎ እቲ ሎተሪ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ መሸጣ ከምዝውዕል ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ናይ ሓደ ሎተሪ ዋጋ ድማ ዓሰርተ ኤውሮ ምዃኑ የዘኻኽር።

እቲ ሎተሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን መሸጣ መድሃኒትን ቡስጣ ቤትን ቤት መሸጣን ቤተ መጻሕፍቲ ቤተ መዘክር ሃገረ ቫቲካንን ዝሽየጥ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ መግለጺ ኣስዒቡ ሓዋርያዊ ምጽዋት ሓልዮ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ዲየጎ ራቨሊ፦ እቲ ናይ ለምዘበን ናይቲ ሎተሪ መሸጣ እቶት ንናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ረድኤት መሳለጢ ክውዕል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝወሰኑ ሓቢሮም እዚ ድማ እቲ ዝተቐበልናዮ ፍቕሪ እንምስክረሉን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ሓልዮት እግዚኣብሔር ንፍጥረት ሰብ እንምስክረሉ ግብረ ሰናይ ኢዩ ከምዝበሉ የመምልክት።

ሰዓሪ ሎተሪ ዕለት 2 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ክወጽእ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ምሕደራ መግለጺ ኣስዒቡ፦ ናይዚ መደብ ሎተሪ ዕላማ ግብረ ሰናይ ብምዃኑ ድማ ኣብ ምሻጥን ምዕዳግን እቲ ሎተሪ ንዝሳተፉ ንዘለዉ ኰሎም ብምምስጋን ብዛዕባ እቲ ሎተሪ ብዝምልከት ዝዀነ ይኹን ሕቶን መበርህን ብ eventi@scv.va -  ኤቨንቲ ኣት ኤስ ሲ ቪ ነጥቢ ቪኤይ ብዝብል ኣድራሻ እጦማር ምቕራብ ከምዝከኣል የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.