2016-01-09 16:27:00

ቨነዝወላ፦ ምልካውነትን ወትሃደራውነትን ክውገድ


ኣብ ቨነዝወላ ድሕሪ እቲ ነታ ሃገር ን17 ዓመት ዝመርሔ ቻቨዛዊ ፖለቲካ ከይዱ ብተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ክሰዓር ዝገበረ ድላይ ሕዝቢ ዝተገልጸሉ ዕለት 6 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዕቡ ዝተኣታተው ዘሎ ኩነት ፖለቲካዊ ውጥረት ዝተመልኦ ምዃኑን እቶም ዝተሳዕሩ ርእሰ ብሔር ኒኮላስ ማዱሮ ናይ ራእሰ ብሔር ሓላፍነቶም ዘረክቡ ክነሶም ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዘብቅዕ ናይ ፈጻሚ ኣካልን ከምኡ እውን ናይ ሓይሊ ምክልኻል መርሕነት ዝምልከት ስልጣኖም ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝሰዓረ ናይቲ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት ፖለቲካዊ ውድብ ብዙሃን ዝዀኑሉ ሕዝባዊ ባይቶ ኣሰማሚዖም ክትግብርዎ ከምዝግብኦም እንክንገር፣ ናይቲ ዝተሳዕረ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ እቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ እቲ ዝሰዓረ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ዝወሰዶን ዘጽደቖን ውሳኔታት ካብቶም ናይ ብዙሃን ፖሊቲካዊ ውድብ ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ውሽጢ ሰለስት ካብ ሕጊ ወጻኢ እያቶም እንክብል ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክሲ ዘቕረቡ እውን እንተዀነ እቲ ዝሰዓረ ናይ ፖሊቲካ ሰልፊ መንግስቲ ብምቛም መንግስትን ሚንስትራትን ኣገልግሎቶም ንኽጅምሩ ዕለት 13 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ቃለ ማሕላ ክፍጽሙ ዝተተሓዘ መደብ ገቢራዊ ከምዝኸውን ናይቲ ሓድሽ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ሄንሪ ራሞስ መግለጺ ከዝሃቡ ዝሓበራ ናይታ ሃገር ናይ ዜና ማዕከናት ኣስዒበን ናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል ነቕ ዘይብል እማኔን ድጋፍን ንቻቪሳዊ ርእሰ ብሔር ኒኰላስ ማዱሮ ከምዘረጋገጹ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቨነዝወላ ናይ ኩማኛ ጳጳስን ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዲየጎ ራፋኤል ፓድሮን ሳንቸዝ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ መኽፈቲ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝስምዕዎ ዘረባ ድሕሪ ዕለት 6 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዝተኣታተወ ፖለቲካዊ ውጥረት ጠቒሶም ምልካውነትን ወተሃደራውነትን ስልጣን ብምቅዋም ናይ ሕዝቢ ድላይ ክኽበር ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ናይ ሕዝቢ ድላይን ውሳኔን ኣብ ናይ ፍትሕን ሰላምን መዳይ ከምኡ እውን ሓሳብካ ብናይ ምግላጽን ብናይ ሕልናን ብናይ ሕትመትን ብናይ መራኸቢ ቡዙሃን ናጽነትን ክግለጽ ከምዘለዎን እዚ ድማ  ንናይ ሕዝቢ ውሳኔን ጸጥታን ሰላምን ዋሕስ እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ፓድሮን ሳንቸስ እቲ ዝተመርጸ መንግስትን ሓድሽ ዝቖመ ሕዝባዊ ባይቶን ንናይ ሕዝቢ ትጽቢታት ብቑዕን ዘርውይን መልሲ ዝህብ ክኸውን ኣብ መዳይ ከይዲ ኤኮኖሚ ህዳሴ ከተኣታትው ኣለዎ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦ ምሕረት ንናይ ፖሊቲካ እሱራት ስደተይናታት ደቂ ሃገር ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዕድል ክፍጠረሎምን ኩሉ ኣብ ባህላውን ፖለቲካውን መዳይ ኣብ ጸረ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ቃልሲ ክተግህ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.