2016-01-06 09:02:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወርሓዊ ናይ ጸሎት ሓሳብ


ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎትን መንፈሳዊ መደባትን ማእከል ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ኣብ 2016 ዓ.ም. ናይ ወርሒ ጥሪ ናይ ጸሎት ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ንመጀመሪያ ጊዜ ናይ ሓዋርያውነት ጸሎት ብዝብል ኣርእስቲ ብናይ ቫቲካን ቴሌቪዥን ማዕከን ዕለት 6 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ብዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ውሉደ ክህነትን ምእመናን ከቕርቡ ምዃኖም ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓዋርያውነት ጸሎት ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፎርኖስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ጸሎት ዓለም ሓቆፍ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ጸሎት ሓሳብ መርበብ ምዃኑን እቲ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቃላሕ ንሰብኣውን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብድሆታት ብምልላይ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ዝቐርብ እዩ፣ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓዋርያውነት ጸሎት ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ጸሎት ሓሳብ ንኽጽለይን ዝድግፍ እዩ። ስለዚህ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘቕርብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ከይድን ኩነትን ሰብኣውን ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ዘነጽርን እዋናዊ ኩነት ዓለም ዘብርህ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ዓለም ምትሕብባርን ምሕረትን ድንጋጸን (ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ሱታፌ) ዝብል እዩ። ዝቐርቡን ዝመሓልለፉን ዜናታትን ጸብጻባትን ኣብ እዋናዊ ዓለም ዘሎ ቅልውላው ስቓይን ውግእን ዝምስክር እዩ። ነዚ ኵሉ ኩነት ቤተ ክርስቲያንን ጸሎት ገይራ ተዕርጐ።

ናይ ምሕረት ዓመት ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ዘላልይ ቅዱስ ዓመት ክኸውን እንከሎ ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዝቐርብ ሰብኣዊ ብድሆታት ብምልላይ ቅዱስነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዘቕርብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝግለጽ ኰይኑ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ብመልክዕ ጸሎተ ልመና ናብ እግዚኣብሔር ተዕርጐ፣ እቲ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያውነት ጸሎት ብዝተፈላለዩ ናይ ማሕበራዊ ርክባት መርበብ ኣቢሉ ድማ ከምዘመሓላልፎ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ካብ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ በቢ ወርሒ ብናይ ቫቲካን ተሌቭዥን ጣቢያ ኣቢሉ ብምስማዐ ርእየት ከምዝመሓላለፍን እቲ ዘቕርብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.